ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተይናታት ሓይቲ ጸልዮም

ቅዱነቶም ስለ እቶም ዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ጸልዮም ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ቅርበቶም ገሊጾም፡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ክዕደሉ እውን ተማሕጺኖም፡

ዕለት 6 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ ዕለት ስለ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተይናታት ሓይቲ ጸሎት ኣዕሪጎም።

ስምዖን ተ. ኣራኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 2 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ጥርኑፋት ደሴታት ባሓማስ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ተስፋ ሰኒቖም ብሩህ ሰላማዊ መጻኢ ንኸናድዩ ናብ ስደት ዘቕንዑ ሓይታውያን ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ዕለት 6 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዘኪሮም ከምዝጸለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱነቶም ስለ እቶም ዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ጸልዮም ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ቅርበቶም ገሊጾም፡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ክዕደሉ እውን ተማሕጺኖም፡ ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ምእመናን እውን ስለ እቶም ዝዓረፉን ማህሰይቲ ንዝወረዶምን ክጽለይ ሓደራ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ዝሞቱ 28 ክዀኑ እንከለዉ ካልኦት 17 ከኣ ገና ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን፡ እታ 90 ስደተይናታት ኣሳፍራ ካብ ሓይቲ ዝነቐለት ጀልባ ኣብቲ ማያት ባሕሪ ደሴት ኣባኮ ምስ ዝነበረ ዓረ ባሕሪ ተናጉይጻ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት ዝተኸስተ ሞትን ማህሰይትን ምዃኑ ናይ ዓይኒ መሳኻኽሪ ይገልጹ።

ብድኽነትን ዓመጽን ትናወጽ ዘላ ሃገረ ሓይቲ

ሃገረ ሓይቲ ብሰብኣውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣዚያ ኣብ ከቢድ ኩነት ከምእትርከብን ብጉድለት ትሕቲ ቅርጽታት እውን ከምእተጠቕዔትን እዚ ከይውሕድ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ናይ ገበን ጉጅለታት ብዘፈጥርዎ ግጭት ኣብ ሁከትን ስእነት ሰላምን ደሕንነት ከምእትርከብን ሕዝቢ ዘለዓዓሎ ጸረ መራሔ መንግስቲ ጆቨነል ሞይሰ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ይቕጽል ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ካብ ዝሓለፈ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ሐምለ መንግስቲ ካብ ቨነዝወላ ነዳዲ ንምእታው ዝተፈራረሞ ውዕሊ ምኽንያት ተተሓሒዙ ዝተኣታተወ ነበር ሚኒስትራት ዝፈጸመዎ ሃብቲ ገንዘብ ንናይ ግሊ ጥቕሚ ምውዓል ተግግባርን ምግባረ ብልሽውናን ብምቅዋም ዘለዓዓሎ ዓመጽ ሕጂ እውን መዕለቢ ከምዘይረኸበ ይንገር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራሊያን ግዛኣት ኵዊንስላንድ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሸነኽ እትርከብ ከተማ ታውንስቪለ ብዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ ኣዚያ ከምእተጠቕዔትን ብዙሓት ናይ ሞት ሓደጋን ማህሰይትን ክወርዶም እንከሎ ካልኦት 650 ዝግመቱ ከምእተመዛበሉን ምስ ተሰምዔ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ዘረጋግጽ  ናይ ሓዘንን መለጺ መልእኽቲ ናብ ናይ ታውንቪለ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቶሞትይ ሃሪስ ከዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተይናታት ሓይቲ ጸልዮም
07 February 2019, 16:10