ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕጻናት ካብ ሃርጓማት ተዃሉ ምክልኻል

እቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ኵላውን ኣብ ኵሉ ኣርካን ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም እንከሎ ከቢድ ዕንቅፋት እዩ ዝኸውን

ዕለት 24 ለካቲት እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተበገሰ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ዝምልከቶም ኣካላት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳው ማሕብራትን ኣሕሉቕ ኣሳቲፉ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ መዛዘሚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ ቅዱ ኣቦና፥  ኣብ ዓለም ዓመጽን ምዝመዛን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ መንፈስ ክፍኣት ተግባር ናይ ሕጻናት ንጽሕ ዕሸልነት ዘየናሕስይ ዘስካሕክሕ ገበን እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሓደ እውን ዝተፈጸመ ዓመጽ እውን ይኹን ግብረ ክፍኣት ምዃኑ ኣየሓክኽን፡ እቲ ናይ ንጹሓን ዕሸላት ገዓር ኣብቶም ዘይቅኑዓት እምነት ዘጉድሉ ውፉያን ግብረ ቅትለት ፈጸምቲ ብግብረ ምስሉይነትን ስልጣንን ልቦም ዘደንዝዙ እያቶም ፡ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ኵለን ባህልታትን ኣብ ኵሉ ሕብረተሰብን ዝረኣይ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይትንክፈፍ ርእሰ ጉዳይ ከይኑ ዝጸንሔ እውን እንተዀነ እዋናዊ ጸብጻብ ብትኽግል ዘይገልጾ ዝረኣይ እውን ይኹን፡ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ብፍላይ እቲ ኣብ ስድራ ቤት ውሽጢ ዝፍጸም ብዙሕ ጊዜ ከይተቕልዔን ንዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ከይተበሃለሉ ዝተርፍ እዩ፡

ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እዚ ዓቢይ ገበን ብምስትውዓል ንዝምልከቶ በገሳዊ ይኹን ሕገ ቀኖናዊ ስርዓተ ደንቢ መሰረት ንምድራቱን ግብኡ ፍርዲ ንምሃብ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ እውን ብቆርቅጽነት ኣብ ምግጣሙ ትኵር ጻዕሪ ዘኣቢላ እቲ ናይ ንኡኣን ወንጌልን ንሕጻናት ካብ ተዃሉ ንምክልኻል ብዝብል ናይ ተልእዀኣ ሕመረት ኣቢላ ክትዋግኦ ዝተጸውዔት እያ።

ቍጣዔ እግዚኣብሔር

እቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ኵላውን ኣብ ኵሉ ኣርካን ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም እንከሎ ከቢድ ዕንቅፋት እዩ ዝኸውን፡ ስለንታይ ምስቲ ግብረ ገባዊ ስልጣን ስነ ምግባራዊ ተኣምኖታን ዝገራጨው እዩ። እታ ናይ እግዚኣብሔር መርዓት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ እቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ ናይ ሕዝቢ ነድርን ናይቲ ዝተኸሓደን ሕቆ ዝተወሃቦን እግዚኣብሔር ቁጣዔ ናይ ገዛእ ርእሳ ነጸብራቕ ክትርኢ ኣለዋ፡

እቲ ነፍሳት ናብ ድሕነት ንኽመርሕ ብእግዚኣብሔር ዝተሓርየ ብድዅም ሰብኣውነቱን ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕማማት ክዕብለልን እንከሎ መጋበርያ ሳጥናኤል እዩ ዝኸውን፡ ኣብኡ ኣቲ ናይ ሕጻናት ዕሸልነት ዘየናሕስይ ዓመጽን ናይ ክፍኣት ኢድ ምህላዉ ነስተውዕል።

እዚ ዘስካሕክሕ ግብረ እከይ ካብ ሱሩ ንምምሓው

እዚ መንፈስ ክፍኣት ንምስናፍ ኣብነት ኢየሱስ ብምስዓብ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባልን ምኽሳስን ጸሎትን ጣዕሳን ምፍጻም የድሊ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሸቶ፡ ምስማዕን ምክልኻልን ምፍዋስን ዝብል እዩ። እዚ ሸቶ’ዚ ንምዕታር ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናይ  ፖለቲካዊ ርእየት ወቐሳን እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ካብ ምጣቃም ዝብል ናይ መራኸቢ ብዙሃን ፖለቲካ ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡

ንዅሎም ነቶም ናብ ሜዳ ዝወረዱ ዕሴታት ቅኑዕ ምዕሩይነት ምሃብን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ዓይነት ካብ ዝሓለፈ ጌጋ ግብረ ምምሃርን ብምጥዓስን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቸቕጢ ዘይብሉ ወይ ገዛእ ርእስኻ ንምክላኽ ብዝብል ዓይነት ኣገባብ ነቲ ዝተፈጸመ ከቢድ ገበን ንምግጣም ዝብልን ዝነደረ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢብካ ኣስተውዓልን ጭሙት ግብእ ዝዀነ መልሲ ንምሃብ ዘኽእል መምርሒ የድሊ፡

ናይ መንፈስ ክፍኣት መግለጽታት

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሕጻናት ኣብ ዓለም ናይ ምዝመዛን ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣደዳ እያቶም፡ ብዙሕ እዋን እውን ብወለድን ሕጻናት ንመርዓ ብምስግዳድን ብኣሰልጠትን ሓነጽትን ዝፍጸም እዩ፡ ሓገዝ የናድዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሓፍረትን ምድንጋርን ፍርሒ ሕነፍዳን ይስምዖምን እምነት ኣብ ልዕሊ ተቕዋማት ዘይብሎም ኰይኖም ይተርፉ፡ ዘቖጥዕ ናብ ርእሰ ቅትለት ዘብጽሕ ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ሕነንምፍዳይ ተባሂሉ እውን ክፍጸም ምርኣይ እዩ፡ ነዚ ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2017 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ካብ 2 ክሳብ 17 ዓመት እድመ ዝርከቡ ብጠቕላላ ልዕሊ 1 ሚሊያርድ ዝግመቱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ኣብ ሕይወቶም ሓንሳብ እውን ይዅን ዓመጽ ዘጓነፎም ምዃኑ ሃብዎ ጸብጻብ ጠቒሶም፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ሓልዮ እውን ብወገኑ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዘውጽኦ ጸብጻብ 120 ሚሊዮን ሕጻናት ደቀንስትዮ ኣደዳ ዓመጽ ምዃነን ዝሃቦ ጸብጻብ እውን ዘኪሮም፥

ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳእል እዚዩ ይሰፍሕ ከምዘሎን፡ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መንጐ ወለድን ውላድን ንዘሎ ርክብ ከይተረፈ ዝሃስ እዩ፡ ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳእል ኣዚዩ ይሰፍሕ ኣሎ። እቲ ምህርቲ ጸያፍ ኣሳእልን ዘሕዝን ከኣ ብዝለዓለ ደረጃ ሕጻናት ዝጥቀም ምዃኑ እዩ፡ በዚ ተግባር’ዚ ሰብኣዊ ክብሮም እውን ይገሃስ ኣሎ፡

ኣተሓሒዞም እቶም ንውትህድርና ዓለምን መጋበርያ ዝተፈላለዩ ግርጭታት ኰይኖም ዘለዉ ዝተረስዑን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐዩን ዝዕመጹን ንንግድ ናይ ሰብነት ኣካል መጋበርያ ዝዀኑን ኣደዳ ውግእን ስደትን ከይተወልዱ ዝንጸሉን እናሓሰቡን፥

ሕጻናት ንምድሓን ዘገድሱ ሸውዓተ ኣገባባት

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጻናት መስዋዕቲ ዝገብር ግብረ እከይን ጭካነን ኣምልዀ ሃብቲ ገንዘብን ትዕቢትን ንምክልኻል ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና፡ ብሉጻት ግብሪ ቢሉ ዘቕርቦም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምግታእ ዘንብሮም ሸውዓተ ኣገባባት ዝዀነ ይኹን ማዕቅን፡ ሕጻናት ንምክልኻልን ኣብ ልዕሊኦም ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ዓመጽ ከይወርድ ዝከላኸል ጥራሕ ይኹን ንቤተ ክርስቲያን እውን ኣስተንፍሶ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ ዝዀነ ኣበር ዘይብሉ ብህድኣት ዝፍጸም ጽኑዕ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ፡

ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዓመጽ ዝፈጻሚ ገበነይናን ንፍትሒ ካብ ምርካቡ ድሕሪ ከምዘይትብል ከዘኻኽር እፈቱ፡ ክትሓባብእን ክትከዋውልን ወይ ትሑት ግምት ክትህበሉ ዘይሕሰብ እዩ፡ ብፍላይ ብውፉያን ክፍጸም እንከሎ! ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን እምነት ምጉዳልን ሕፍረት ዘልብሳን መልክዓ ዘሕስርን ተኣማንነታ ዝሃስይን እዩ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ምስ ደቃ ምእመን ናይቲ ዝተፈጸመ ገበን ግዳይ እውን እያ፡

ናይ ወሲብ ዓመጽ ከይህሉ ንምግባር ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምንጻሕ ዝብልን ቀጻሊ ነቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ክርስቶስ ምምሳል ዝብል ናይ ጓሶት ንቕድስና ህርኩት ጻዕሪ ዘድልዮ እዩ፡ ቅዱስ ፈሪሃ እግዚኣብሔር፡ ገዛእ ርእስና ከም ውልቀ ሰባትን ከም ተቕዋምን ንኽንከስስ ዘብቅዓናን ካልኦት ንምውቃስን ንምኽሳስን ኣብ ዝብል መጻወዲያ ከይወደቕና ጉድለትና ንኽንእርም የብቅዓና፡ ስለዚህ መደብ ሕንጸት ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ፡ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፡ ካብ ፍርሕን ጭንቀት ዘይነቐለ ሚዛኑ ዝሓለወ ሕንጸትን ንቕድስናን ንናይ ንጽሕና ዕሴትን ግንዛቤ ክሰርጾም ምድጋፍ፡ መላእ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓደ ዓይነት መምርሒ ክህልዎም ይግባእ፡ ንምስረቓ ጥራሕ ዘይኰነ ንምቁጽጻርብን ንምክልኻሉን እውን።

ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ክምቲ ቀደም ዝግበር ዘነበረ ምኽዋል ድዩ ምሕብባእ ወይ ትሑት ግምት ምሃብ ከይህሉ፡ እንተዘይኰይኑ እቲ መንፈስ ክፍኣት እዩ ዝሰፍሕ፡ ንዝበኣሰ ዕንቅፋት ዘቃልዕ ይኸውን፡ ዓመጽ ንኸይክሰት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ተቕዋማትን ቀዲምካ ናይ ምጥንቃቕ ስሉጥን ጽኑዕን ውሳኔታት የድልይ፡

ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ምስናይ

እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ንበይኖም ዘይምሕዳግ፡ እቲ ዝወረዶም ዓመጽ ዘይሓውይ ቁስሊ ከየስዕበሎምን ንናይ ገዛእ ርእሰ ዕንወት ዝዀነ ምቕርሓም ልቢ ከየወስዶም ምስናይ ከምዘድሊ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡

ቤተ ክርስቲያን ብክኢላታት ተደጊፋ ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ከተሰንዮም ይግባእ፡ ንኣኣቶም ጽን ምባልን ምስማዕን፡ ንምስማዖም ደው ምባል፡ ኣይምልከተንን እዩ፡ ንኣይ ዝትንክፍ ኣይኰነን ዝብል ኢጐነታውነት ከይሁሉ፡ ክህነት ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን ዝብል ምንባርን።

ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ዓለምን ወሲባዊ መስህብን

ቅዱስ ኣቦና ብስነ ኣሓዝ ዝተራቀ መራኸቢ ብዙሓንን ወሲባዊ መስህብ ዝብሉ ጉዳያትን ኣናሓሰቡ፡ ብፍላይ እቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን፡

መንእሰያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ናይቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ብፍላይ ሕጻናት ንዓመጽ ዝዳርግ ተክለ ሰብነቶምን ዝዕምጽ ናይ ጓለንስተይቲ ክብርን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ዝዕምጽን ጽግዕተይን ከይኰኑ ምጥንቃቕ፡ (ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነጠቓቕማ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን)

ገበን መሰል ናጽነት ዝብል ክብሪ ተጐልባቢ ክኸውን የብሉን ናይዚ ክብሪ ተጠቓሚ ክኸውን ኣይግባእን፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2010 ዓ.ም. ዝለዓለ ገበን ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ ሕጊ ከምዘሎ ኰይኑ እቲ ሕጊ ዘመልክቶ ናይ ዕድመ ገደብ ክብ ንምባል ኵነታት ዝሓትቶ እዩ።

ነቲ ቅዱስ ዝዀነ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቶም ንጐይታ ብእማኔን ብምልኣትን ዘገልግሉ በቲ ብገለ ገለ ካህናት ኣሕዋቶም ዝተፈጸመ ዘሕፍር ተግባር ኣብ ልዕሌኦም እምነት ከይግበርን ክብሮም ዘሕስርን እውን እንተዀነ ተበዓትን ውፉያንን ኣገልግልቶም ጓሶት ዝዀኑ ስሌኦም ብዘይ ምቁራጽ ዝጽልዩን ዝድግፍዎምን ምእመናን እውን ከመስግኑ እንከለዉ፡

እቲ ቅዱስ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ ዕለታዊ ሱቕታኡን በቲ ኣብ ኵሉ ጽንክርን ኣብ ስቓዮምን ኣብቲ ቀጻሊ ንቑሕ ተወፋይነቶምን ንበይኖም ኣብ ዘይሓድጐም ኣብ ጐይታ ዝጣበቑን፡ ዓቃልን ቅዱስ እሙን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተደጊፉን ተቐዲሱን ዝነብር እቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ንጐይታ ገዛእ ርእሱ ምውፋይ ዝፈልጥን ዝነብርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ብሉጽ ነቢያዊ ተክለ ሰብነት መግለጺ እዩ፡ እቲ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ ካብቲ ናይት ኵሉ ዘስካሕክሕ ግብርታት ሰረት ካብ ዝዀነ ፈሪሳውነትን ናጻ ዘውጽኣና

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ካስተሊ ሓቢረን።+

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕጻናት ካብ ሃርጓማት ተዃሉ ምክልኻል

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕጻናት ካብ ሃርጓማት ተዃሉ ምክልኻል
25 February 2019, 17:42