ቅዱስ ኣቦና ዘጽደቕዎ ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘስተንትኖም ነጥብታት ቅዱስ ኣቦና ዘጽደቕዎ ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘስተንትኖም ነጥብታት 

ቅዱስ ኣቦና ዘጽደቕዎ ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘስተንትኖም ነጥብታት

እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ዝስዕቦ ነቲ ከይዲ ዓውደ ጉባኤ ዝድግፍ ዕስራን ሓደን ነጥብታት ዘጠቓልል ናይ ኣስተንትኖ ዝክረ ነገር

ዕለት 21 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተጀመረ ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዔ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ገዳማትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ናይ ላዕለዋይ ኣባይቲ ጽሕፈት ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላት ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ዝኽተሎም ቅዱስ ኣቦና ዘጽደቕዎን ነቲ ጉባኤ ዘሰንይ ናይ ኣስተንትኖ ነጥብታት ዝርዝር ሰነድ ንተጋባእያን ከምእተዓደለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ካብ ዘንቀልዎ ሓሳብ ዝተጸምረን ዝተሰማምዕሉን ይዅንታ ዝሃብሉን እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ዝስዕቦ ነቲ ከይዲ ዓውደ ጉባኤ ዝድግፍ ዕስራን ሓደን ነጥብታት ዘጠቓልል ናይ ኣስተንትኖ ዝክረ ነገር ንመላእ ተጋባኣያን ከምእተዓደለ ክፍልፈጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሓበርዎ እቲ ዝክረ ነገር ካብቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝቐረቡ ሓሳባት መሰረት ገይሩ ዝተሰናደው ከምዝዀነን፡ መበገሲ ደኣ እምበር እዚ ጉባኤ ከመንጭዎ ዝኽእል ሓሳብ ከይሁሉ ዝገብር ከምዘይኰነን፡ እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ከይዱን ካብ ዝቐርቡ ሓሳባት ዝነቐለ ሓደስቲ ናይ ኣስተንትኖ ነጥብታት እውን ክህልዎ ዝክእል ምዃኑ ኣብ መፍኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቶም 21 ናይ ኣስተንትኖ ነጥብታት

1.      ዝምልከቶ በዓል መዚ ወሳኒ ኣብ ዝዀኑ ጉዳያት ዘድሊ ውሳኔን ስጉምትን ንምውሳን ዝድግፎ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝስዕቦ ናይ ተግባራዊ ዝርዝር ሰነድ ምድላው

2.     ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝበሃል ዓመጽ ልልያ ዘካይድ ዝተሰናደዉን ጠቢባን ዝሓቁፍ ናይ ምስማዕ ተግባር ዝፍጸመሉ ቅርጺ ምቛም

3.     ጳጳስ ወይ ናይ ገዳም (መንፈሳዊ ማሕበር) ሓለቓ ብኸመይ ክዋሳእ ከምዘለዎ ዘመላኽት መምዘንታት ምቛም

4.     ዝቐርቡ ክስታትን ንምክልኻል ኣደዳ ዝዀነን ናይ ተኸሳሲ ናይ ምክልኻል መሰል ዘህልው ንምጽራይ ዝድግፍ ብዅሉ ተቐባልነት ዘለዎ ከይዲ ምርግጋጽ

5.     ሕግን ስርዓትን ሕገ ቀኖናን ብምኽባር ዝምልከቶ በርገሳዊ ስልጣንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ስልጣን ምትሕብባር

6.     ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዕቆብሉ (ዝዋስእሉ) ኣብ ኵሉ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስፍራ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘገልግል ኣብ ፍትሕን ፍቕርን ዝጸንዔ ምስ ናይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ዝሰማማዕ ወግዓዊ ስርዓትን መምርሕታትን ስሩዕ ብዝዀነ ኣገባብ ክምራሕን እቲ ስርዓተ መምርሒ ብቢ እዋኑ ምኽላስ

7.     ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ዝቐርብ ክሲ ብትኽክል ዘመሓድር ወግዓዊ ስርዓት ምቛም

8.     ኣደዳ ዝዀኑ ንምሉእ ፍወሳ ዝድግፍ ዘድሊ ኩሉ ንምቕራብ ምክልኻልን ምኽንኻንን ምስናይን

9.     ንጳጳሳትን ናይ ገዳማውያንን መንፈሳውያን ማሕበራት ኣሕሉቕን ውሉደ ክህነትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣካላትን ናይ ወሲብ ዓመጽ ምኽንያትን ሳዕቤናቱን ጥልቂ ምስትውዓል ክህልዎም ዘኽእሎም ቀጻሊ መደብ ሕንጸት ክረኽቡ (ምቕራብ)

10.   ብዓመጽ ዝቖሰለ ማሕበረሰብ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክንክን ዘሰንዮ ከይድን ናይ ንስሓን ጣዕሳን ከይድታትን ተሓታቲ (ገበነይና) ካብ መገዲ ጥፋኣት ንምድሓን ዘኽእል ኣንፈት ምኽዋን

11.     ቅርሕንትን ቂምን ሽምጠጣን ከይህሉ ዝቐርብ ክሲ ብሓቂ ዝተፈጸመ ድዩ ወይ ስም ንምጽላም ንሓሜታን ንበለካን ለኸዓካን ዝንዛሕ ምዃኑ ብጥልቂ ንምጽራይን እቲ ሓቂ ካብ ሓሶት ፈሊኻ ንምልላይ መታን ክከኣል ምስ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ምስ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣካላት ምትሕብባር (ቃል ቅዱስ ኣቦና ንኵርያ ሮማና ዕለት 21 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም.)

12.    እንተወሓደ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ንመርዓ ፍቑድ ዝብል ናይ ዕድመ ገደብ ክብ ምባል

13.     ናይ ወሲብ ዓመጽ ወይ ናይ ስልጣን ዓመጽ ዝምልከቱ ጉዳያት ዝግበር ሕገ ቀኖናዊ ኣብ ናይ ምጽራይ ተግባር ጠቢባን ዓለማውያን ምእመናን ተዋሳእነቶምን ተሳታፍነቶምን ዘመቻችእ ስርዓት ክህሉ ምግባር

14.   ናይ ምክልኻል መሰልን፡ ክሳብ ዝቃረን ንፍርዲ ዘቕርብ መርትዖታት ተኻሳሲ ናይ ንጽሕና ግምታውነት ክህሉ ባህርያውን ሕገ ቀኖናዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መትከል ምክልኻልን ምኽባርን፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ናይ ተኸሳሲ መዝገብ ዝሰፈሩ መንነት ድዩ ኣስማት ኣብ ሰበኻ እውን ይዅን ቅድሚ ናይ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጐ ከሳስን ተኸሳስን ዘበግሶ ናይ ምጽራይ ከይድን ናይ መወዳእታ ብይን ክሳብ ዝወሃበሉ ናይ ተኸሰስቲ መንነት ምዕቃብ

15.    ዝተፈጸመ ገበንን ዝወሃቦ ብይን ፍርዲ ተመጣጣኒ ይኹን ዝብል ባህላዊ መትከል ምኽባርን። ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸመ ጳጳስ ድዩ ካህን ካብ ወግዓዊ ኣገልግሎት ክእለይ ምግባር

16.   ሕርያ ናብ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ሕጹያት ንማዕርገ ክህነትን ወይ ንገዳማዊ ሕይወት ዘመሓድርን ዝምልከት መምርሕታት ምቕራብ። ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣዊ ስነርክባቶምን ኣገባባቶምን ብሱል ዝገብርን ብስለቶም ዘጽንዕ ናይ መባእታን ቀጻልን መደብ ሕንጸት ክረኽቡ ምግባር፡    

17.     ንክህነታውን ገዳማውን ሕይወት ሕጹያት ኣብ መዳይ ሕንጸት ተቐባልነትን ኣፍልጦ ብዝተወሃቦም ጠቢባንን ናይ ስነ ኣእምሮ ግምገማ ክኽበረሎምን።

18.   ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ናብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ወይ ሓደ ተመሃራይ ገዳም ካብ ሓደ ገዳም ናብ ካልእ ገዳም ዝግበር ምቅይያር ዝቆጻጻር ሕጊ ምምልካት

19.   ናይ ካህናትን ገዳማውያንን ሰራሕተይናታትን ወለንተይናታትን ርክባት ኣብ ዝግባኦ ውስንነት ዘሎ ክኸውን ዝድግፍ ናይ ምግባር መምዘኒ ስርዓተ ደንቢ ምቕዋም፡ ነቶም ኣብ ምህዳር መክብብ ቤተ ክርስቲያያን ገዳማትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዳያት ዝዓዩ ንምቕባሎም ብፍሉይ ዘገልግል ናይ ብቕዓት መምዘኒ (መስፈርቲ) ምቛምን ናይ ገበን ጸብጻብ ሰነድ ከቕርቡን 

20.  ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽን ሓደገይናነቱን ሳዕቤናቱን ዝገልጽ፡ ሓደ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምልክታቱ ንኸተለልይን እትጠራጠሮ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝምልከቶ ኣካል ንኽትሕብር ዝድግፍ ሓበሬታ ምቕራብ፡ እዚ ዅሉ ምስ ኣባይቲ ስድራን መምሃራንን ጠቢባንን በርገሳዊ ስልጣን ብምትሕብባር ዝፍጸም ክኸውን ኣለዎ

21.    ኣብቲ ኣደዳ ዝዀኑ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝተፈጸመ ገበን ንኽኸሱ ዘኽእሎምን እዚ ከይዲ’ዚ ክኡል ዝገብር ስርዓተ-ኣካል ኣብ ዘይብሉ ስፍራ ህልው ምግባር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ናይ ስርዓተ ኣካል ውድብ ብናይ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ዝኽበርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብኣባላት ውሉደ ክህነት ገበን ንዝተፈጸሞም ዘለዋ ፍልዩ ኣተኵሮ ክገልጽ ዝኽእል ክኢላታት ዝሓቁፍ (ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን) ክኸውን ኣለዎ።

ቅዱስ ኣቦና ዘጽደቕዎ ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘስተንትኖም ነጥብታት
22 February 2019, 16:01