ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት  

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት

ከምዝመኸረን Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ዘርእስቱ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኵርያ ሮማና ናይ ዝጽዋዕ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ዝሕድስን ዝምርሓሉን ናይ ሓዋርያዊ ቅዋም ሓርፋፍ ሰነድ ንቕዱስ ኣቦና ከምእተረከበ

ዕለት 18 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተሓሳስብዎ ሕዳሴ ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር ኵርያ ሮማና ብስሩዕ ኣገባብ ዘሳልጥ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዘካይዶ ዘሎ መበል 28 ኣኼባ ቅዱስነቶም መሪሖም ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ዕለት 18 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቅ መዓልቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መማክርት ብፁዓን ካዲናላት ጉባኤ ድሕሪ እቲ ካብ ዕለት 10 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዘካየዶ ኣኼባ ኣስዒቡ ብቕዱስ ኣቦና ዝተመረሔ መበል 28 ኣኼባኡ የካይድ ከምዘሎ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብፁዓን ካርዲናላት ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ርእሰ ጉዳይ ዝመክር ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣሳቲፉ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝምልከቱ ሕቶታትን ከምዝመኸረን Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ዘርእስቱ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኵርያ ሮማና ናይ  ዝጽዋዕ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ዝሕድስን ዝምርሓሉን ናይ ሓዋርያዊ ቅዋም ሓርፋፍ ሰነድ ንቕዱስ ኣቦና ከምእተረከበ ኣፍሊጡ።

ትስዓቱ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ቅዋሜ

ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትስዓቱ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ብኢዶም ብዝጸሓፍዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ክቐውም ከምዝገበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ብወግዒ ቆይሙ ስርሑ ከምዝጀመረን፡ ናይ ተጉቹጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን፡ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፍን ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ዝሓቑፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ጉባኤ መማክርት ካብ ዕለት 10 መስከረም ክሳብ ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ መበል 26 ጉባኤ፥ ናይቲ ጉባኤ መማክርት ገለ ገለ ኣባላት ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ናብ ልሒቕነት ዝተሰጋገሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐልን ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስኮ ኻቪየር ኤራዙሪዝን ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲኒያን ካብ ቅዱስ ኣቦና ቃል ምስጋና ከምዝቐረበሎምን ስለ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ እውን ኣመስጊኖም እቲ ጉባኤ መማክርት ዘካይዶ ዘሎ ዕዮ ዝበጽሓሉ ደረጃ ግምት ብምሃብ ነቶም ንዝተሰናበቱ ብፁዓን ካርዲናላት ምትካእ ዝብል መደብ ከምዘየለ እውን ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጉባኤ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት
19 February 2019, 16:10