ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሞሮኮ ወግዓዊ ዝክረ ነገር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሞሮኮ ወግዓዊ ዝክረ ነገር 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሞሮኮ ወግዓዊ ዝክረ ነገር

ከምዘፍለጠን ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም መርሕ ቃል ኣገልገልቲ ተስፋ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 30 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.45 ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንጉስ ሞሓማድ ሻድሻይ ብዝገበሩሎም ወግዓዊ ዕድመ መሰረት ኣብ ሞሮኮ ዕለት 30 መጋቢት 2019 ዓ.ም. መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ኣብ ዝሓለፉ መደባትና ሓቢርና ከምዝነበርና ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ምስ ንጉስ ሞሓማድ ሻድሻይን ምስ ሕዝቢ ሞሮኮን ዓበይቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምሃራንን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ብጨንፈር ማሕበር ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝእለዩ ስደተይናታትን፡ ራባት ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ምስ ካህናን ክራኸቡን ምስቲ እቲ ንኡስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን መደብ ከምዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ናይቲ ካብ ዕለት 30 መጋቢት ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ሃገረ ሞሮኰ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝክረ ነገራቱ ብወግዒ ከምዘፍለጠን ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም መርሕ ቃል ኣገልገልቲ ተስፋ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 30 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.45 ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉን ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሰለስተ ብናይ ሞሮኮ ኸኣ ሰዓት ክልተ ራባት ኣብ ዝርከብ ራባት ሳለ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ወግዓዊ ኣቐባብላ ክግበረሎምን እዩ።

ዕለት 30 መጋቢት ምስ ሕዝቢ ሞሮኮ ክራኸቡ እዮም

ሰዓት ክልተን ፈረቓን ኣብ ቅርዓት ንጉሳዊ ሕንጻ ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ንሰዓት ሰለስተ ዓሰርተ ደቓይቕ ጐደል ንኽብሪ ሃገረ ሞሮኮ ኣብ ቤተ ንጉስ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ግላዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል መስጊድ ሓሳን ሰዓት 15.30 ምስ ህዝቢ ሞርኮን ናይ መንግስትን በርገሳውያንግ ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሞርኮ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት ልኡካንን ተራኺቦም ድሕሪ ዝቐርበሎም ናይ ዕንቋዕ ደሓን መጻእኩም ወግዓዊ መልእኽቲ ኣስዒቦም መደረ ከስምዑ እዮም። ሰዓት 16.30 ናይ ንጉስ ሞሓመድ ሓምሻይ ቤተ መካን መቓብር ምብጻሕ ከካይዱን ሰዓት 17.00 ኣብቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰባክያንን መምሃራንን ዝሕነጽሉ ተቕዋም ሞሓመድ ሻድሻይ ምብጻሕ ምስ ኣካየዱ፡ ኣስዒቦም ኣብ ጨንፈር ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ካሪታስ ኣብ ራባት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም በዚ ማሕበር ረድኤት ዝእለዩ ስደተይናታት ተራኺቦም ናይ ዕለት 30 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝክረ ነገራቶም ከምጠቓልሉ እዮም።

ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ንምሕበረሰብ ካቶሊክ

ቅዱስነቶም ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ካብ 1976 ዓ.ም. ኣብ ራባት ዝርከብ ካብ ዝሓድሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ሕንጻ ነቒሎም ሰዓት 09.30 ኣብ ተማራ ዝርከብ ብደናግል ፍቕሪ (ደቂ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ) ዝመሓደር ማሕበራዊ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋም ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ወፉያንን ናይ ውህደት ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣባላትን ክራኸቡን መደረ ምስ ኣስምዑ ኣብ ሞሮኮ ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ምሳሕ ተቛዲሶም ምስ ኣብቅዑ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 14.45 ኣብ ልዑል ሙላያ ኣብደላሕ ናይ ስፖርት ሜዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ሰዓት 17.00 ናብ መንበሮም ንኽምለሱ ዓለም ሓቆፍ ራባት ሳለ መዓርፎ ነፈርቲ ወግዓዊ ስንብታ ተገይሩሎም ሰዓት 17.15 ናብ ሮማ ክነቕሉን ሰዓት 21.30 ሮማ ኣብ ዝርከብ ቻምፒኖ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ ዝብል መደብ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሞሮኮ ወግዓዊ ዝክረ ነገር
27 February 2019, 16:17