ድለ

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቤት ማሕቡስ ረጂና ቸሊ ኣባላት ምሕደራን ሰራሕተይናታትን

እቲ እተካይድዎ ዕዮ ንገዛእ ርእሱ ስነ ኣእምሮኣዊ ከበድ ዘለዎ ክነሱ እቲ ዕዮ ብተበራረይ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝፋራረቕ ብምዃኑ ብዙሕ ግዜ ካብ ኣባይቲ ስድራ ክትርሕቑ ዘገድድ ብምዃኑ ክፈጥረልኩም ዝኽእል ጸቕጢ ቀሊል ኣይኰነን፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 7 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ናይቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ረጂና ቸሊ እተሰምየ ቤት ማሕቡስ ሰራሕተይናታን ኣባላት ምሕደራን ኣባላት ሓለዋ ጸጥታን ወልተንታይናታትን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳኖም ከበግሱ እንከለዉ፡ ንመላእ ኣባላት ቤት ምሕደራን ወለንተይናታን ሓኻይምን ኣካየድቲ መደብ ሕንጸትን ኣባላት ሓለዋ ጸጥታን ቤት ማሕቡስ ረጂና ቸሊን ንዅሎም ኣመስጊኖም ቅድም ቀዳድም ናይቲ ቤቲ ማእሰርቲ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ቮቶሪዮ ትራኒን ዋና ኣመሓዳሪት ዶክተር ሲልቫና ሰርጂን ቅድም ኣቢሎም ንዘቕረቡሎም ሰላምታን ነዘስምዕዎ ጥዑም ቃልን ኣመስጊኖም፡ ንዅላትኩምን ንነፍሲ ወከፍኵም ናተይን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ቅርበት አረጋግጽ ቢሎም ኵሎም እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈላለየ መዳይ ዘገልግሉ፡ ውሽጣዊ ብርታዔን ጽንዓትን ናይቲ እተካይድዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዀነ ኣገልግሎት ብፍልዩ ብምስትውዓል ንገዛእ ርእሱ ናይ ተልእዀ ጽዋዕታ ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ኣስዒቡ፥

ቤት ማእሰርቲ፥ ናይ መቕጻዕትን ስቓይን ስፍራ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ኣባይቲ ማእሰርቲ ብዙሕ ሰብኣውነት ዝሓትት ስፍራ ይኸውን፡ ኵሎም እቶም ብዝተፈላለየ መዳይ ተዋሲኦም ዘገልግሉ፡ ወለንተይናታት ድዮም ኣባላት ቤት ምሕደራን ሓኻይምን ሓለዋ ጸጥታን ነቲ ብዝተፈላለየ ብዝፈጸሞ መደል ምኽንያት ግላዊ ናጽነቱ ውሱን ከይኑ ንኽነብር ንዝተወሰኖ ሰብ ዝህብዎ ኣገልግሎት ከቢድ እዩ፡  ነቲ ዝቖሰለ ሰብ ቀረባ ምዃን ማለት እዩ፡ እዚ ከቢድ ኣገልግሎት’ዚ ከምቲ ዝግብኦ ንምቕራብ ዝዕንቅጽ ዋሕዲ ሰራሕተይናታት ከምዘሎን፡ ብዝሒ እስረይናታት እውን ዘዕለቕለቐ ብምዃኑ ነቲ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ተስፋ ዘቑርጽ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ፍሉጡ እዩ ከምዝበሉ የመልክት።

እቲ እተካይድዎ ዕዮ ንገዛእ ርእሱ ስነ ኣእምሮኣዊ ከበድ ዘለዎ ክነሱ እቲ ዕዮ ብተበራረይ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝፋራረቕ ብምዃኑ ብዙሕ ግዜ ካብ ኣባይቲ ስድራ ክትርሕቑ ዘገድድ ብምዃኑ ክፈጥረልኩም ዝኽእል ጸቕጢ ቀሊል ኣይኰነን፡ እቲ እተካይድዎ ስራሕ ንገዛእ ርእሱ ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ሚዛናውነትን ዝሓትት ብምዃኑ እውን ሕግን ስርዓትን ክኽበር ምግባር ጥራሕ ዘይኰስነ ምስ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ናይ ሕይወት ቁስልታት ንኽትራኸቡ ዝድርኽ እዩ፡ እዚ ዅሉ እትህብዎ ኣገልግሎት ዘለዎ ክብርን ዘስዕቦ ኵለንተናዊ ድኻምን ማንም ዝስሕቶ ማለት ዘይሕሰብ እዩ።

ማንም ንዝኣበሰን በቲ ዝፈም ጌጋታት ክኹንኖ ግቡእ ኣይኰነ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ሰብእዊ ክብሪ ብምትንካፍ ተወሳኺ ስቓይ ንምፍጣር ማንም መሰል የብሉን፡ ስለዚህ ኣባይቲ ማሕቡስ ምስብእናው ማለት ሰብኣዊ ዘማእከለ ምግባር የድሊ እምበር ከምቲ ዘሕዝን ብዙሕ ግዜ እንሰምዖ ናይ ዓመጽን ሕገ ወጥነትን እቲ ሰብኣዊ ክፍኣት ዝነድረሉን ክኸውን የብሉን። ክዝንጋዕ ዘይብሉ መብዛሕቲኦም እቶም እሱራት ድኻታትን ዝውከስዎ ዘይብሎምን፡ ውሕስነትን ስድራ ቤትን መሰሎም ክኽበረሎም ንምግባ ዓቕሚ ዘይብሎም ዝተሓርጕን ንናይ ገዛእ ርእሶም ዕጫ ዝተሓድጉን እያቶም። ብዙሕ ግዜ ንሕብረተሰብ ዘይምችኡን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን እያቶም።

ቤተ ማእሰርቲ ብድጋፍን ምትሕብባርን ኵሎም ናይ ቤት ማእሰርቲ ሰራሕተይናታት ናይ ምልዋጥን ሕንጸትን ካብ ዝወደቕካሉ ንኽትንስኡ ብናይ እምነት ከይድን ድጋፍን ናይ ትንሳኤ ስፍራ ክኽውን ኣለዎ፡ ከምዚ ምዃኑ እውን ድሮ ናይ ብዙሓት እሱራትን ሰራሕተይናታትን ተመክሮ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ፡ ስለዚህ ናይቲ ንዝወደቐን ዝቖሰለን ደኒዱ ዘገልግልን ናብ ሕይወት ዘብጽሕ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብነት ዘድልዮ ስፍራ እዩ። እዚ ኣብ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ዝቐውም ኣገባብ’ዚ ብዙሓት እሱራት በይኖም ከምዘይኰኑን ከምእተፈቐሩን አመኔታ ንኽዓትሩ ይድግፍ።

ኣገልግሎትኵም ብጥልቂ ርህራሄን ብስኒትን ዝቐርብ ይኹን፡ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ቤት ምሕደራ ሓለዋ ጸጥታን ቤተ ጸሎት ቆሞሳትን ናይ ሕንጸት ወለንተይናታትን ኵሎም እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዋፈሩ ነቶም ናብ እከይ ተግባር ዝወደቑ ካብቲ ዝወደቕሉ ክትንስኡን ንኽልወጡን ዝዓዩ ክዀኑ ሓደራ፡

ብዝተዋፈርኩምሉ ዕዮ ኣቢልኩም ቤት ማእሰርቲ ከም መሰረታዊ ትርጉሙ ናይ መእረምን ንስሓን ናይ ተስፋን ናይ ሓድሽ ሰብኣውነት ቤተ ሙክራ ክኸውን መታን ክትዓዩን ክትምስክሩን ብፍቕርን ብጸሎተይን አሰንየኩም፡ ንኣኻትኵም ንፈተውትኹምን ኣባይቲ ስድራዅም እባርኽ፡ ሓደራ ንስኻትኩም እውን ምእንታይ ጸልዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቤት ማሕቡስ ረጂና ቸሊ ኣባላት ምሕደራን ሰራሕተይናታትን
07 February 2019, 16:15