ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ እቶም ናይ ንግድ ሰብ ኣደዳ ዝዀኑ ንጸልይን ነእንግዶምን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ እንታይ ንኽኸውን ከምዘለዎ ክሕብሩ እንከለዉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ስለ እቶም ናይ ንግድ ሰብ ኣደዳ ዝዀኑን ከነእንግዶምን ንጸልይ ዝብል  ምዕዳኖም ናይ ጸሎት ሓሳብ ኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክሕብሩ እነክለዉ፡ እዚ ብዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ዝተመሓላለፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ቅዱስነቶም፥ ጊልያነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘሕዝን ጭቡጥ ኩነት ምዃኑ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዘሰንይ ዘይብሎም ሕጻናትን ብምኽንያት ውግእ ድዩ ድኽነት ብምኽንያት ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኣሳዶን መሬትን ሃገሮን ሕዝቦምን ዛሕዚሖም ንዝተፈላለዩ ዓመጻት እናተቓልዑ ዕለት ብዕለት ዝስደዱ ኣለዉ፡ ንርእዮምን ብዛዕባኦም ክዝረብ እውን ንሰምዕ፡ ከምዚ ብምዃኑ እውን ከም ተራ ነገር ተለማሚድናዮ ንነብር ከይንህሉ፡ ዘይንርእዮም ኣብ ዝባን እዞም ዝስደዱ ኣሕዋትና ዝባን ዝጸናጸኑን ናብ ጊልያነት ዝዳርግዎምን፡ ብስራሕ ንኽምዝመዙን ንናይ ወሲብ ዓመጽ መጋበርያ ንኽዀኑን ንናይ ውሽጢ ኣካል ሰብነት ንግድ ዝጥቀምሎምን ኣብ ፈቕዶ ጐደናታት ንናይ ልመና ተግባር ድዩ ገበን ንኽፍጽሙ ዘዋፍሩዎም ናይ ገበን ጉጅለታት ኣለዉ።

ናይ ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ እንታይ ንኽኸውን ከምዘለዎ ክሕብሩ እንከለዉ፡ መልእኽቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕልናን ልብን ክበጽሕ በቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ዘሳልጥ ዓለም ዓቆፋዊ መርበብታዊ ርክብ ከመልክት እንከሎ፥

እቲ ንግድ ሰብን ሓድሽ ጊልያነትን፡ ክምዘየሎ ክንሓስቦን ክንርእዮ እውን ኣንተዘይደለና ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ተዘክሮ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዘስካሕክሕ ጭቡጥ ኵነት’ዚ ማንም ኣነ ንጹሕ እየ ቢሉ ኢዱ ክሕጸብ ዝኽእል ሓደ’ኳ የሎን። ኣብ እዋናዊ ዓለም ጊልያነት ኣሎ፡ ማንም ዘይክሕዶ ጭቡጥ ኵነት እዩ፡ ካብ ቀደም ሎሚ እውን ብዝያዳ ዝፍጸም ከይኰነ ኣይክተርፍን እዩ፡ ነቶም ናይ ንግድ ሰብን በስገዳድ ኣብ ኣመንዝራነትን ንዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ክብሪ ንዝጥሕሱ ናይ ዓመጽ ተግባራትን ኣደዳ ዝዀኑ ለጋስ እንገዳ ክረኽቡ መታን ንጸልይ።

ብርቱዕ ጸሎትን ብዙሕ ዕዮን ይጽበየና ኣሎ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎን ብዓለም ሓቆፍ መርበብታዊ ርክባት ዝተዘርግሔ ናይ ምስማዐ ርእየት ናይ ጸሎት ሓሳብ መልእኽቲ፡ ንዅላትና ዝምልከት ምዃኑ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መርበብታዊ ርክብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ’ዚ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ግብረ እከይ ዝዀነ ብዙሓት ንጊልያነትን ንዘስካሕክሕ ኩነት ሕይወትን ዝዳርግን ብፍላይ ምስቲ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ኣሕዋት ምኽንያት መጋበርያ ከቢድ ስቓይን መከራን ከይኑ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ጊልያነት እንታይ ንግበር? ንዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና እንክምልሱ ብሱቕታ እንርእዮ ጉዳይ ብምዃኑ ገዛእ ርእስና ንኽሰስ፡ መታን ክውገድ ኣበርቲዕናንጸልይ ይብሉ።

ንግድ ሰብ ንምውጋድ መደብ ናይ ሓባር ጻዕሪ

ኣብ ቀረባ እዋን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንግድ ሰብ ብሓባር ንምውጋእን ንምውጋድን ዝድግፍ ምስ ዓለም ሓቆፍ መርበብታዊ ማሕበርን ምስቲ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ ናይ ውፉያን ደናግል ማሕበራት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር ታሊታ ኩም ብዝብል መጸውዕ ጸረ ንግድ ሰብ ዝቃለስ መደቡን ምስ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋምን ብሃብቲ ዓሳን ማያት ባሕርን ናይ ዝመሓደሩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈትን ብምትሕብባር ጭቡጥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘመላኽት ክልተ ሰነዳት ከምዘውጽኤ ክዝከር እንከሎ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ማሕበራት ኣብ መላእ ዓለም እዛ መዓልቲ ጸሎት ብዝተፈላለዩ ብመንፍሳውያን ብዓውደ ጉባኤታትን ተመሳሳሊ ውጥናትን ክካየድ ዘነቓቕሑ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ናይ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ
07 February 2019, 16:19