ቅዱስ ኣቦና ንኣውጉስቲኒያኑም፡ ካቶሊካዊ ባህሊ ኣመሓላልፉ

ናይ ሓቂ ሓሴት እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልብን ቀልብን ሰብ ዘሎ ነታ ሓቂ ክሳብ ዘይረኽባን ዘየካፍላን ኣብ ጭንቀት ዝመላለስ ሰብኣዊ ኩነት ዝገልጽ እዩ

ሎሚ ዕለት 16 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.30 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣውጉስቲኒያኑም ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ ምኽንያት ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ 250 መምሃራንን ተመሃሮን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን መምሃራን ተቕዋም ኣውጉስቲኒያኑም ንተመሃሮ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ብድሆታት እዋናዊ ዓለም ርእሰ ጉዳያት ብመንጽር ትምህርቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዘሰናድዉ ክዀኑን ኣተሓሳሲቦም እቲ ተቕዋም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ውርሻ ንምዕቃብን ንምትሕልላፍን ኣሚቱ ዝቖመ ከምዝዀነ ኣዘኻኺሮም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1970 ዓ.ም. ኣብ ምስረታ እቲ ተቕዋም ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ምስ ገለጹ፡ ናብ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ምምላስ ማለት ናብ ናይ ክርስትና ኣናስር ምምላስ ማለት እዩ ከምዝበሉ ካምፒዚ ገሊጸን።

ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳስነት ዘለዎ ተቕዋም

ቅዱነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሓደ ካብቶም ናይቲ ተቕዋም መስረትቲ ኣባል ማሕበር ኣጐስቲኒያኑም ብፁዕ ካርዲናል ፕሮስፐሮ ግረኽ ጠቒሶም፡ ናይቲ ተቕዋም መምሃራን ንናይቲ ተቕዋም ዕላማ እሙናት ኰይኖም ውርሻ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ምዕቓብን ብምእዋን ምትሕልላፍን ወሳኒ እዩ ቢሎም፥

ንናይቲ ተቕዋም ዕላማ እሙናት ክትኰኑ እተባብዓኩም፡ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዘለዎ ቀልባውን ስነ ምርምራውን መንፈሳውን ግብረ ገባውን ክብርን ከይዘንጋዕኵሙ ኣብዚ መዳይ ሓድሽ ወለዶ ከተሰናድዉን እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥበብ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብምትሕልላፍ ንናይ እዋንና ዓበይቲ መስቀላውያን ንዝብሃሉ ብድሆታት ንምግጣም ስንድው ክኸውን ኣብቅዕዎ፡ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ምስ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ናብቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝዀነ ምልኣተ ፍጻሜኡ ዘዕብይ ይዅን፡

ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፒዚ ኣስዒበን፡ ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ንተመሃሮን መምሃራንን ምስ ቅዱስነቶም ዘላለዩን ናይ ሰላምታ ቃል ዘስምዑ ንናይ ኣጐስቲኒያኑም ገዳማውያን ማሕበር ኣበ ምንየት ኣባ ኣለኻንድሮ ሞራል ኣንቶን፡ ኣበው ቤተ ክርስትያን፡ ዝጸለይዎን ዘስተንተንዎን ዘጽንዕዎን ዘበሰርዎን ቃለ ወንጌል፡ ኣብቲ ዝነብሩሉ እዋን ተሓጺሩ ዝተርፍ ከምዘይኰነን ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ከይዲ ታርኽ ቤተ ክርስቲያን የረጋግጾ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገዳስነት ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ዘመላኽትን ናይዚ መሰረታዊ ምኽንያት ኣብቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ዘደንቕ ዕዮ ዝጠቓለል እዩ፡ ነዚ ዘነጽር ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝነበሩ ትምህርቶም ትማልን ሎምን ጽባሕን ፍርያም ዝዀነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ነጽንዕ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢልና ናይ ወንጌል ሓድሽ መንፈስን ሓሴትን ነበስር ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኣብነት ኣጐስጢኖስ እግዚኣብሔርን ሓቅን ንምድላይ ድርዀት እዩ

ቅዱስነቶም፡ ነቲ ባዕሎም ዝኣወጅዎ ብዛዕባ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ኣባቲ ትምህርትን ሕዳሴ ዝመርሕ ናይ ሓቂ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘኪሮም፡ ናይ ሓቂ ሓሴት እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልብን ቀልብን ሰብ ዘሎ ነታ ሓቂ ክሳብ ዘይረኽባን ዘየካፍላን ኣብ ጭንቀት ዝመላለስ ሰብኣዊ ኩነት ዝገልጽ እዩ፡ እዚ ብሓጺሩ ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖ ሰብኣውን መንፈሳውን ተመክሮ እውን እዩ፡ ክሳብ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ እግዚኣብሔር ዘይዓርፍ ምዕራፍ ዘይፈልጥ ብቐጻልነት ዕረፍቲ ዘናድይ፡

እቲ ካብ ካልኦት ዝተቐበልዎን ብተራኦም ዘካፍልዎን ስለ እቶም ዝቕበሉ ዝጽልይዎን፡ ዝተቐበልካዮ ንከተመሓላልፎ ትጽልን ስለ እቶም ዝመሓላለፈሎም ምጽላይን።  ፍቱዋት ኣሕዋተይ፡ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ ተቕዋምኩም ኣብ እነካይዶ ርክብ ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ምዃንኵም ከረጋግጸልኩም እፈትው፡ ንሓድ ሕድኩም ብጸሎት ክትዘኻኸሩ እላበወኵም። ኣብ ምምሃርን ምጽናዕን ጐይታ ይሓግዝኩም

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከእተፋነዉ ካምፒዚ ሓቢረን።

[ Audio Embed ቅዱስ ኣቦና ንኣውጉስቲኒያኑም፡ ካቶሊካዊ ባህሊ ኣመሓላልፉ]    

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ንኣውጉስቲኒያኑም፡ ካቶሊካዊ ባህሊ ኣመሓላልፉ
16 February 2019, 17:01