ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ብንግድ ሰብ ንዝሳቐዩ ጸሎት የዕርጉ

ብሓባር ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ናይ ለምዘበን መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኩሉ ሓይሉን ዓቕሙን ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ክዋድድ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ብስም ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ፥ ምእንቲ እቶም ብሓድሽ ጊልያነት ዝሳቐዩን ናይ ንግድ ሰብ ኣደዳ ዝዀኑን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብቲ ዝተኣሰሩሉ ሰንሰለት ናጻ ክወጹ ከምዝጸለዩ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ሚከለ ራቪያት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም መንግስታት ኰሎም እቶም ብሓድሽ ጊልያነት ዝተጠቕዑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብቲ ኣደዳ ዝዀኑሉ ንግድ ሰብ ንኽላቐቑ ብቖራጽነት ነቲ ንጊልያነት ዝዳርግ ምኽንያት ንኽውገድ ክዓዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዕለት 8 ለካቲት ናይ ላቲን ስርዓት ኣትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ሓላዊት ቅድስቲ ኣደዳ ንግድ ሰብ ቅድስቲ ጁሰፒና ባኪታ ከምዘብዓለት ዘኪሮም፡ ኩላትና ናይ ምዝመዛን ጊልያነትን ምኽንያት ዘበለ ኵሉ ብሓባር ብምቅላዕ ንኽንኵንን ሓደራ ከምዝበሉ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ምስጋና ንዅለን ደናግል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልስን እቶም ናይ ምዝመዛን ሓድሽ ጊልነት ኣደዳ ዝዀኑ ካብቲ ዝወደቕሉ መጻወድያ ናጻ ንኽወጹ ከይተሓለላ ዝዓያ ደናግል ዝድነቓ እያተን ቢሎም፡ ኵሉ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብን ጊልያነትን ክተግህ ኣብነት እያተን ኢሎም።

ሓድነት ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ

ብሓባር ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ናይ ለምዘበን መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኩሉ ሓይሉን ዓቕሙን ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ክዋድድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኵሉ ኣብ 1800 ዓመታት መወዳእታ ናይ ንግድ ሰብ ኣደዳ ዝዀነት ደሓር ሕይወታ ንኽርስቶ ዘወፈየት ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ ኣማላድነት ክንጽልይ የተሓሳስቡ።

ጸሎት በማላድነት ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ

ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ እቶም ኣብ ሓድሽ ጊልያነት ዝወደቑን ብሰንሰለት ንግድ ሰብ ዝሳድዱ ተዘከርን ካብቲ ዝወደቕሉ ጸረ ሰብኣዊ ኵነት ንኽላቐቑን፡ ብስም እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ካብቲ ናይ ጊልያነት ሰንሰለት ናጻ ክዀኑ  ምሕረት እግዚኣብሔር ኣማልዲ ከምዝበሉ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ኢየሱስ ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ኣርኣያን እምነትን ተስፋን

ኵሎም እቶን ንሓደጋ ሓድሽ ጊልያነት ዝተቓልዑን በዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝቖሰሉን ብንግድ ሰብ ዝሳቐዩን እግዚኣብሔር ካብቲ ዝወደቕሉ ጊልያነት ናጻ ከውጽኦም ቅዱስ ኣቦና ምስ ኵሎም ምእመናን ብሓባር ከምዝጸለዩን ቅድስቲ ባኪታ ነቶም ዝሳቐዩ ካብ ስቓይ ክትንስኡን ኢየሱስ ናይ እምነትን ተስፋን ኣብነት ምዃኑ ኣለልዮም ኣቑሳሎም ክፍወስ ደግፍዮም።

ኣቝሳል ዝርእያ ክፉታት የዒንቲ

ኣብ ዘይተገዳስነት ንኸይንወድቕን የዕንትና ናይቶም ሰብኣዊ ክብሮምን ናጽነቶምን ዝተሓርሙን ሓገዝ ዘማዕድዉን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስቓይን ሓሳርን ኣቝሳልን መታን ክንርእያ ምእንቲ ኵላትና ኣማልድን ጸልይን ከምዝበሉ ራቪያርት ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ብንግድ ሰብ ንዝሳቐዩ ጸሎት የዕርጉ
11 February 2019, 11:04