ድለ

ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምንም ምስትምሳል የለን! ስለድኻታት ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 13 ለካቲት 2019 ዓምፈ ነቲ ኣቀድም ኣቢሎም ዝጀመርዎ ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ እውን ‘እግዚአብሔር ኣቦ ኩልና እዩ’ እንክብሉ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ቃል ኣምላኽ፥ ‘በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ደስ በሎ እሞ፥ ‘ ኦ ጐይታ ሰማይን ምድርን ኣቦይ፥  ነዚ ነገራት ኻብ ጥበበኛታትን ለባማትን ሰዊርላ፡ ንሕጻናት ስለ ዝገለጽካዮ፡ አመስግነካ ኣሎኹ። እወ ኦ ኣቦይ፡ ፍቓድካ ኸምኡ ስለዝኾነ እዩ። በቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ፥ ንወልድ ብዘይካ ኣቦ መን ምዃኑ፡ ዚፈልጦ  ሓደ እኳ  የልቦን። ነቦ ኸኣ ብዘይካ ወልድን እቲ ወልድ ኪገልጸሉ ዚደልን እንተዘይኮይኑ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን’ በለ።’  (ሉቃ 10.21-22)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ከምቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ብዝበለጸ ጸሊና ምእንቲ ክንኽእል ነቲ ዝጀመርናዮ ኣስተምህሮ ክንቅጽል ኢና። ከመይ ከምቲ ንሱ ዝመሃረና ክንጽሊ ስለዝግበኣና እዩ። ከምዚ ከኣ ይብለና ‘ክትጽሊ እንከሎኻ ኣብ ቤትካ እቶ ኣፍደገኻ ዓጺኻ ኸኣ ነቲ ኣብ ኅቡእ ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ’ ማለት ካብ ዓለም ፍልይ በል እሞ ‘ኣቦ’ እናበልካ ጸሊ እንክብል ነቶም ሓዋርያቱ ከምቲ ግቡዛት  ዝገብርዎ ከይገብሩ ማለት ‘ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ ኣብ ምዅራባትን ኣብ ቀራና መንገድታትን ቆይሞም ኪጽልዩ ዝፈትው ግብዛት ኣይትኹኑ’ (ማቴ 6.5-7) እናበለ ይገንሖም። ኢየሱስ ግብዝነት ኣይፈቱን እዩ። ሓቀኛ ጸሎትከስ እታ ብሕቡእ ብሕልና ብምሥጢር ብልቢ ዝግበር ኮይኑ ብካልእ ዘይረአ ብእግዚአብሔር ጥራይ ዝረኤ እዩ። በቓ ኣነን እግዚአብሔር ጥራይ በይንና። እዛ ጸሎት እዚኣ ካብ ኣምሰሉነት ነጻ እያ ከመይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክንሕሱ ኣይንክእልን ኢና። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘይቅላዕ ምስትምሳል የለን፣ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚኡ ዕራቁ ዝኾነ ሕልናና እዩ ዝረኢ በዚ ከኣ ክንሕሱ ኣይንኽእልን። ኣብ’ቲ ምስ እግዚአብሔር እንገብሮ ዘተ ኩሉ ብጸጥታ እዩ ኣብ`ዚ ኣብ መንጎ ክልተ ፍቚራት ማለት ሰብን እግዚአብሔር ዝግበር ናይ ምጥምማት ርክብ ጥራሕ እዩ ዘሎ። እዚ ርክብ ናይ ምጥምማት እዩ ጸሎት ዝበሃል። ንእግዚአብሔር ክትጥምቶን ክጥምተካን ምፍቃድ እዩ ጸሎት ዝበሃል። ምናልባ ሓደ ካባኹም ኣነ ኣብ ከምዚ ሁመት ቃላት ኣይረክብን ሱቚ እየ ዝብል ክብለኒ ይኽእል፣ ኣነ ኸኣ ንእግዚአብሔር ጠምት ክጥምተካ ኸኣ ኣፍቅደሉ፣ ጸሎት ትበሃል እዚኣ እያ! እዚኣ ከኣ ጽብቅቲ ጸሎት እያ።

እዚ ኰይኑ ከብቅዕ ግን እታ ብተኣማንነት ትግበር ጸሎት ሓደ ረድኢ ወትሩ ከም ዘድሊ ቅርበትን እሂን ምሂንን ክጐድሎ ይኽእል። ሽሕ`ኳ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ወዲሰብ ንኩሉ ዓጽዩ ኣብ ሕልናኡ ክምለስ እሞ ንኩሉ ናይ ዓለም ነገራት ደገ ክገድፎ እኳ ዝድለ እንተኾነ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ካልኦት ሰባትን ኩነታትን ጸገማትን ብዙሓት ነገራትን ኣብ ጸሎት ሒዝዎ ይኣቱ።

ኣብታ ኢየሱስ ዝመሃረና ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ትብል ጸሎት ኩሉዶ ይርከብ! ወይውን ካብ`ዛ ጸሎት እዚኣ ዝጐደለ ትብልዎ እንታይ ኣሎ! ኢለ እንተሓቲተኩም ትምልሱዶ! ቀሊል ኣይኮነን! ሓንቲ ቃል ጐዲላ ኣላ እንትዝብለኩም ኩሉኹም ዋእ እንታይ ጐዲሉ ኣሎ ኢልኩም ከምትጭነቁ ርግጸኛ እየ! እስኪ ሕሰቡ እንታይ ትብል ቃል ዝጐደለት ትመስለኩም። ኣብዚ ዘመንና ምናልባት እውን ወትሩ ተሓሲቡላ ክኸውን ይከኣል እታ ኣብ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ዘይትርከብ ቃል እንታይ እያ! በሉ ብዙሕ ኣይትጨነቁ ኣነ ክነግረኩም እየ። እታ ጐዲላ ዘላ ቃል ኣነ ትብል እያ። ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ንስኻ ኣብ ዝብል ይምርኰስ። ንእግዚአብሔር ኣብ እንልምነሉ ግዜ ብካልኣይ ኣካል ንስኻ ንብል። ስምካ ይቀደስ መንግስትኻ ይምጻእ ፍቃድካ ይኹን ንብል። በዚኸስ ስመይ መንግስተይ ፍቃደይ ዝብል የለን። ካብኣ ስግር ኢሉ ከኣ ናብ ንሕና ትብል ቃል ይሓልፍ። ካልኣይ ክፋል ናይ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር በዛ ንሕና ትብል ቃል ትልምን። ዕለታዊ እንጌራና ሃበና በደልና ሕደገልና ናይ ፈተና ክንኣቱ ኣይተፍቅድ ካብ ክፉእ ሰውረና ይብል። ክሳብ እተን መሠረታውያን ድሌታት ደቂ ሰባት ጥሜት ንምዕጋስ ምግቢ ምሕታት ብንሕና ዝብል እዩ። ኣብ ጸሎት ክርስትያን ማንም ሰብ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ኣይልምንን ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና ክብል ንኲልና ንኩሎም ድኻታት ናይ ዓለም ይልምን። ሃየኸስ ነዚ ኣይትረስዑ ኣብ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ኣነ ትብል ቃል የላን፣ ንሕና እናበልካ ነቲ ንስኻ ኢልና ብቀረባ ንልምኖ ኣምላኽ ንጽሊ። ነዚ ኣይትረስዕዎ ጽቡቅ ትምህርቲ ኢየሱስ እዩ።

ስለምንታይ ኢልካ ክትሓትት ግድን ስለዝኾነ ስለምንታይ እንተቢልና ኣብቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝግበር ዘተ ግላውነት የለን! ንሕና ንበይናን ጥራይ ኣብ ዓለም ከምእንሳቀ ገርካ ብምሕሳብ ጸገማትካ ጥራይ ምውራይ የለን። ከም ማሕበር ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኑ ዝቀርብ ጸሎት ጥራይ እዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ንሕና ዝብል ከም ማሕበር ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ጸላዪ ሕዝቢ ኢና ናብ እግዚአብሔር ብጸሎት ንቀርብ። ሓደ ግዜ ናይ ሓደ ቤትማእሰርቲ ኣገልጋሊ ዝነበሩ ካህን ነዛ ትስዕብ ሕቶ ኣቅሪቦምለይ። ‘ነታ ኣነ ትብል ቃል ተጻያ ዝኽዕነት ሕቶ ኣየነይቲ ምዃንዶ ምሓበርኩምኒ’! ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ብገርህነተይ ንስኻ ትብል ቃል እያ ኢለዮ። ንሱ ግን ‘ ኣባ እዚኣስ ናይ ውግእ መጀመሪት እያ። ነታ ኣነ ትብል ቃል ተጻያስ ንሕና ትብል እያ ኣብዚ ከኣ እዩ ኩልና ብሓባር ሰላም ንረኽበሉ`። እዚኣ ትምህርቲ እዚኣ ካብቲ ካህን ዝረኸብክዋ ዝበለጸት ትምህርቲ እያ።

ሓደ ክርስትያን ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎት ንጸገማት ናይቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ ሒዙ ይኸይድ፣ ጸሓይ እንክትዓርብ ኣብቲ ዕለት እቲ ንዘጋጠሞ ጸገማት ንእግዚአብሔር የዘንቱ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብዙሕ ገጻት ናይ ኣዕሩኽትን ተጻረርትን ብማዕረ የቅርብ፣ ከም ኣጸጋሚ ናይ ሓሳብ ምህውታት ኣይገድፎምን። ኣብ ጐድኑ ብዙሓት ዝሳቀዩ ሰባት ከምዘለው ዘይዝክር ሰብ በቲ ካብ ድኻታት ዝውሕዝ ንብዓት ዘይርሕርሕ ሰብ ንኩሉ ሸለል ዝብል ሰብ ልቡ ! ከመይ እዩ ልቡ እንተበልና ደሪቁ ክትብሉኒ ትኽእሉ ግን ካብኡ ዝኸፍኤ እዩ፣ ናይ እምኒ ልቢ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንኩሉ ገዲፍና ጐይታ ንልብና ብመንፈስ ቅዱስ ከለምልመልና ምጽላይ ይሓይሽ። ኦ ጐይታ ልበይ ኣለስል ኢልና ንጸሊ። ኦ ጐይታ ንኩሉ ጸገማትን ንኩሉ ስቃያትን ካልኦት ንክርዳእን ንክጾሮን ልበይ ኣለስልሰለይ ኢልና ንጸሊ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጸገማት ዓለም ሱቊ ኢሉ ኣይሓለፈን ንበይኑ ብብሕትውና ዝተዋሕጠ ሰብ ክርኢ ከሎስ ይኹን ብነፍስን ብሥጋን ዝሳቀዩ ሰባት እንክርኢ ከም ሓንቲ በቊባቊ ወላዲት ይርሕራሓሎም ነሩ። ነዚ ኣይትረስዑ ርሕራሔ ክስመዓካ የድሊ። እዛ ቃል እዚኣ ናይ ወንጌል መፍትሒት እያ። ከም መንቀሊ ከኣ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብነት ንዘክር። ነቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ናብ ወሰን ምድሪ ከይዱ ነቲ ጽጉም ክረድኦ ዝደፋፍኦ ርሕራሔ እዩ። እቶም ካልኦት ክልተ ግን ተሪር ልቢ ነበሮም።

ናብ ሕልናና ምልስ ንበል እሞ! ክጽሊ ከሎኹ ንልበይ ንገዓር ናይቶም ኣብ ርሑቅን ኣብ ቀረባን ዘሎውዶ ክፉት ይገብሮ! ወይውን ክጽሊ ከሎኹ ከም መደንዘዚ ኰይኑ ካብ ኩሉ ነጻ ኰይነ ክቅመጥ ዶ እጥቀመሉ! ነዚ ሕቶ እዚ ነፍሲ ወከፍ ብልቡ ይመልሶ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ክልተ ክልተ ክኸውን ይኽእል። ከመይ ጸሎተይ ጸሎት ክርስትያን ኣይኮነትን። ምኽንያቱ እታ ኢየሱስ ዝመሃረና ንሕና ትብል በይነይ ተዓጽየ ብሰላም ክነብር ኣይትሓድገንን። ሓላፍነት ናይቶም ማሕበረይ ዝኾኑ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ክወስድ የንቀሳቅሰኒ።

ብማዕዶ ክትርእዮም ንእግዚአብሔር ዘይደልዩ ዝመስሉ ሰባት ኣለው ኢየሱስ ግን ስለኦም እውን ክንጽሊ ይደልያና ከማይ እግዚአብሔር ልዕሊ ኩሎም ነዞም ሰባት እዚኦም እዩ ዝደሊ። ኢየሱስ ስለእቶም ጥዑያት ኣይኮነን ዝመጸ እንታይ ደኣ ስለ እቶም ሕሙማት ስለ እቶም ሓቲኣተኛታት እዩ መጺኡ (ሉቃ 5,31)። እዚ ማለት ስለ ኩሎም ደቂሰባት ኩሎም ንክጥዕዩ ከመይ እቶም ጥዑያት ዝመስሎም ጥዕና ይጐድሎም እዩ። ስለፍትሒ እንተደኣ ሰሪሕና ካብ ካልኦት ዝበለጽና ኰይኑ ክስመዓና የብሉን ከመይ እግዚአብሔር ጸሓዩ ኣብ ልዕሊ ጥዑያትን ዘይጥዑያትን የብርቅ (ማቴ 5.45)። እግዚአብሔር ኣቦ ስለዝኾነ ንኩሎም የፍቅር። ተጻይ ናይቶም ምስቶም ምሳና ዝሰማምዑ ወይውን ጽቡቕ ዝገብሩልና ጥራይ ሕያዎት ክንከውን እንደሊ ካብቲ ንኩሎም ሠናይ ዝኾነ እግዚአብሔር ንመሃር።

ኣሕዋተይን ኣሓተይን፣ ቅዱሳንን ሓጥኣንን ኩልና በቲ ሓደ እግዚኣአብሔር ኣቦ ዝተፈቀርና ኢና። ኣብ ዓራርቦ ሕይወትና ከኣ ብዛዕባ ፍቅሪ ኢና እንፍረድ ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቀርና ኢና ክንሕተት። እዚ ፍቅሪ እዚ ስምዒታዊ ፍቅሪ ጥራይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ጭቡጥን ርሕራሔ ዝመልኦን ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ሕጊ ወንጌል ዘመልክቶ `ኩሉ እቲ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርክምዎ ንዓይ ኢኹም ጌርክምዎ` (ማቴ 25.40) ኣይረሰዓዮ። ጐይታ ነዙይ እዩ ዝብለና። እግዚኣብሔር ይሃበለይ

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ`ዚ ጠውቑ!
13 February 2019, 17:52