በዓለ በአቱ ለእግዚእነ ጐይታ ምስ ሕዝቡ ክራኸብ ናብ ቤተመቅደስ ከምዝቀረበ የዘኻኽር! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ ዕለት 2 ለካቲት 2018 ዓምፈ ካብቲ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምልከት ዓበይቲ በዓላት ሓደ ዝኾነ በዓለ በአቱ ለእግዚእነ ዘኪራ ውዒላ። ከምኡ እውን ዓመት መጸ ኣብ በዓለ በአቱ ለእግዚእነ ዓመታዊ ዕለት ሰብ ውፉይ ሕይወት ንመበል 23 ግዜ ምስዚ በዓል እዚ ተዘኪሩ ውዒሉ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንክልቲኡ በዓላት ብጥምረት ንምብዓል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ  ፍራንቸስኮስ ሎሚ ኣጋ ምሸት ኣብ ካተድራል ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ነዚ ዚስዕብ ስብከት ከምዘቅረቡን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ከምቲ ኣርእስቲ ናይዚ ዜና ክኸውን መሪጽናዮ ዘሎና በዓለ በአቱ ናይ ርክብ በዓል ብምዃኑ እቲ ወዲ አርባዓ መዓልቲ ዝኾነ ኢየሱስ ሕጻን ምስ ህዝቡ ክራኸብ ኣብ ቤተመቅደስ ይውፈ! ምስ ባህሊ ቤተመቅደስ እውን ይላለ! ወለዱ ማርያምን ዮሴፍን ምስቶም ሽማግለታት ስምዖንን ሃና ነቢትን ይራኸቡ። ብካልእ ኣዘራርባ ኩሎም ኢየሱስ ምስ መጸ ይራኸቡ።

ቅዱስነቶም እዚ በዓል እዚ ንዓና እንታይ የመልክት ኢሎም ይሓቱ እሞ ንሕና እውን ነቲ ክረኽበና ዝመጸ ጐይታ ክንቅበሎ ጽውዓት ምዃና የዘኻኽሩ። ንጐይታ ክንራኸቦ ክንብል እንከሎና ጐይታ ካብ ምርካብና ኣየቋርጽን እዩ እንሓንሳእ ዘይኮነ ዕለት ዕለት ክረኽበና ይመጽእ። ንኢየሱስ ክትስዕብ ምውሳን ሃንሳብ ወሲና ዝተርፍ ኣይኮነን ዕለት ዕለት ክንበር ዘለዎ ፍጻሜ ኣዩ። ጐይታ ብሃሰሰ ለባም ዘይኮነ ብቀጥታ እዩ ዝርከብ ነዚ ከኣ ኣብ ሕይወትካ ብምርካቡ ኢኻ እትገብሮ። እንተዘየሎ ኢየሱስ ጽቡቕ ዝኽሪ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኮይኑ ይተርፍ። ከም ጐይታ ሕይወትና ማእከል ናይ ኩለንትናና ገርና ከምኡ እውን ህርመት ልቢ ናይ ኩሉ ተግባራትና ገር ክንቅበሎ እንከሎና ንሱ ኣባና ይነብር ንሕና ከኣ ኣባኡ ንነብር። እቲ ኣብ ቤተመቅደስ ዝኾነ ፍጻሜ ኣብ ዙርያና እውን ይፍጸም እዩ ንኣኡ ረኺብና ኣብ ዙርያኡ እንክንቀውም ሕይወት ውህደት ይህልዎ። ምስ ኢየሱስ ንቅድሚት ንክትግስግስ ትብዓት ትረክብ ጸኒዕካ ንክትቅጽል ሓይሊ ትረክብ። ምስ ጐይታ ምርኻብከስ ምንጪ ትብዓትን ሓይልን እዩ ዝኾነና። ናብቲ ዓይኒ ኩሉ ነገር ምንጪ ኩሉ ነገር ምልስ ምባልከስ ኣድላዪ እዩ። ነተን ምሳኡ ዝገበርናየን ወሰንቲ ርክባት እንዳዘከርና ነቲ ናይ መጀመርያ ፍቅሪ ናቱ እንደገና ዳግም እናነበርናን እናዘከርናን እናኣስተንተናን እንተነፋዕና ከኣ ነዚ ናይ ፍቅሪ ታርኽ እዚ እናመዝገብና ሕያው ክንገብሮ የድሊ። ምናዳ እቶም ንኣኡ ኩለንትናና ዝወፈና ሰብ ውፉይ ሕይወት በዚ መንገዲ እዚ ዕለታዊ ናብራን እንተመራሕና እቲ ኣብ ገዳማት እነሕልፈ ግዜ ብከንቱ ዝጠፍእ ዘይኮነስ ምሳኡ እንራኸበሉ ይኸውን።

ነፍስወከፍና ንሕይወትና ዝለወጠት ምስ ጐይታ ዝገበርናያ በዅሪ ርክብና እንተዘኪርና እዛ ርክብ እዚኣ ከም ግላዊ ሕቶ ናትናን ናይ እግዚአብሔርን ገርና እንተሓሲብናዮ ንጋገ፣ እዛ ርክብ እዚኣ ኣብ መንጎ አማኒ ዝኾነ ሕዝበ እግዚኣብሔር እትውልደት ምስ ኣሕዋትናን ኣሕትናን ከኣ ትዓብን ትዕብብን! እዚ ከኣ ኣብ ፍሉጥ ግዜን ፍሉጥ ቦታን እዩ ተፊጺሙ። ነዚ ወንጌል ይገልጸልና! ምስ ጐይታ ዝግበር ሓቀኛ ርክብ ኣብ ጭቡጥ ታሪኽ ኣብቲ ሕያው ዝኾነ ባህልታት ሕዝቢ እግዚአብሔር ኣብ ቤተመቅደስ ኣብ ሕጊ እግዚአብሔር ኣብ ትንቢት ነቢያት ኣብ ራእይ ኣጒባዝን ሽማግለታትን ከምዝኾነ ወንጌለ ሉቃስ 2.25-34 የመልክተልና። ማዕረ ማዕረ እዚ ሕይወት ሰብ ውፉይ ሕይወት እውን ኣብ ማእከል ቤተክርስትያን ይውለድ ይዕምብብ ይዓቢ። ከም ገለ ካብ ቤተክርስትያን ክንጸል እንተጀሚሩ ይደርቅ ይነቅጽ ይቅምስል። ሕይወት ሰብ ውፉይ ሕይወት መንእሰያትን ሽማግለታትን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ምስ ዝጐዓዙ ይዕምብብ ይበስል ከመይ መንእሰያት ኣብ ሽማግለታት ሡር መሰረቶም ይረኽቡ ሽማግለታት ብመንእሰያት ምህርቶም ይሓፍሱ፣ በይንኻ ተነጺልካ ክትጐዓዝ ምስ እትፍትን ቀስ ብቀስ ትምሽምሽ፣ ሎሚ በዚ በዓል ናይ ርክብ ምስ ጐይታ ነቲ ሕያው ጐይታ ክንረኽቦን ምስ ኣማኒ ሕዝበ እግዚአብሔር ሃቢርና ክንጐዓዝን ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ከምዝገልጾ ርክብ እግዚአብሔርን ሕዝቡን ኣብ ቤተመቅደስ ጀሚሩ ኣባኡ ከምዝፍጸም በዚ ከኣ መጀመርያ ጸዋዕታ ደሓር ከኣ ራእይ ኣብ ቤተመቅደስ ይርከብ። እቲ ጸዋዕታ ክልተ ግዝያት ኣለዎ እቲ ቀዳማይ ሉቃ 2.22 ከምዘመልክቶ ጻውዒት ናይ ሕጊ እዩ። እዚ ከኣ ማርያምን ዮሴፍን ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ንክፍጽሙ ንኢየሱስ ሕጻን ሒዞም ናብ ቤተመቅደስ ይኸዱ።  ቃል ወንጌል ነዚ ከም ኣዝማጭ ኣርባዕተ ግዜ ይደጋግሞ (ኁ 22.23.24.27) እዚ ግን ፈቲኻ እምበር ተቀሲብካ ትገብሮ ኣይኮነን፣ ማርያምን ዮሴፍን ንጻውዒት ጐይታ መልሲ ንክህቡ ናብ ቤተመቅደስ ንኢየሱስ ሕጻን ሒዞም ይኸዱ። ነዚኣ ስዒባ እትመጽእ ካልአይቲ ጸዋዕታ እታ ናይ መንፈስ እያ። እዚ ከኣ ስምዖንን ሃና ነቢትን ብመንፈስ ተመሪሖም መጺኦም ብመንፈስ ተመሪሖም ዘዕርግዎ ጸሎተ ምስጋናን ትንቢትን እዩ። (ኁ. 25..26.27.38) ክልተ መንእሰያት ብሕጊ ተጸዊዖም ናብ ቤተመቅደስ ይኸዱ ክልተ ሽማግለታት ከኣ ብመንፈስ ተደፊኦም ናብ ቤተመቅደስ ይመጹ። እዚ ናይ ሕግን መንፈስ ድርብ ጸውዒት እዚ ንኩነታት ሰብ ውፉይ ሕይወት እንታይ ይብለና ኢልና እንተሓተትና ኩልና ንድርብ ተኣዝዞ ዝተጸዋዕና ምዃና እዩ። ሕጊ መስርዕ ሕይወት እንክዕድል መንፈስ ከኣ ንኩሉ ነገራት ኣብ ሕይወትና የሐድስ። መንፈስ ንጐይታ ይገልጸልና ኮይኑ ግን ንክትቅበሎ ዕለት ዕለት ጽኑዕ እምነትን ሓለዋ ሕግን ክህሉ የድሊ። ዝተፈላለየ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ሥርዕ ሕይወት ፍረ ኣይህቡን። ስለዚኸስ ሕግን መንፈስን ወትሩ ብሓደ እዮም ዝጐዓዙ።

ነዚ ጸዋዕታ እዚ ብዝበለጸ ንምርዳእ ኣብተን ቀዳሞት ናይ ኢየሱስ ናይ ተልእኮ ዕለታት ኣብ ቤተመቅደሳትን ይኹን ኣብታ ቀዳማይ ተኣምር ዝገበረላ ቃና ዘገሊላ ምኻድ ከድሊ እዩ። ኣብ ቃና ዘገሊላ ሓንቲ ጻውዒት እኳ ደኣ ተኣዝዞ ትሓትት ጻውዒት ኣላ ማርያም ነቶ ዝለኣኸ ‘ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ’ (ዮሓ 2.5) ትብሎም። ኢየሱስ ከኣ ሓድ ፍልይ ዝበለ ነገር ክገብሩ ይሓቶም። ነቲ ተኣምር ወይኒ ሓፍ ኣቢሉ ካብ ባዶ ነገር ኣይገበሮን ሓደ ጭቡጥን ንጥፈት ዘድልዮን ነገር ክገብሩ ይሓቶም ነተን ኣባኡ ዝነበራ ናይ ኣእማን ዓታሩ ማይ ክመልእወን ይእዝዞም። ከባቢ ሽድሽተ ሚእቲ ሊትሮ ማይ ካብ ዒላ ቀዲሖም ክመልኡ ብርቱዕ ሥራሕ ይሓቶም። በቲ ሓደ ወገን ክትጥምቶ ዘይጠቅም ሥራሕ ዝገብሩ ክመስሎም ይኽእል ከመይ ዝተሳእነ ወይኒ እምበር ማይ ኣይነበረን! ግን ኢየሱስ ካብተን ማይ ዝመልኣ ዓታሩ እዩ ወይኒ ዝህብ። ኣብ ሕይወትና እውን ከምኡ እዩ። ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ይጽውዓና ንዕለታዊ ጸሎት ንቅዳሴ ንንሥሓ ንሓቀኛ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ እሙናት ክንከውን ይሓተና። ንሕግን ነሕሉቅናን ክንእዘዝ ይጽበየና። ነቲ ሕጊ ብፍቅሪ እንተፈጺምናዮ መንፈስ ኣብ ልዕልና ይወርድ እሞ ከምቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝኾነ ተኣምር ከምእንርኢ ይገብረና። እቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እንግልገለሉ ማይ ናብ ሕዳሴ ሕይወት ዝኾነ ወይኒ ይልወጥ።

ካብ`ዚ ጸውዕታ’ዚ ዚውለድ ርክብ ብራእይ ይዛዘም `ኣዕይንተይ ድሕነትካ ርእየን’ (ሉቃ 2.30) ይብል ስምዖን ነቢይ። ነቲ ሕጻን ምስ ረኣየ ንድሕነት ይርኢ። ነቲ ተኣምር ዝገብር መሲሕ ኣይኮነን ዝርኢ ዘሎ ሓደ ወዲ 40 መዓልታት ሕጻን እዩ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ግን ከኣ ነቲ ድሕነት ርእይዎ። ካልእ ነገር ኣይደለየን ካልእ ተኣምር እውን ኣይሓተተን ነቲ ሕጻን ምርኣይ ጥራይ ኣኺልዎ ነቲ ክሳብ ለይቲ ሎሚ እንደግማ ‘ይእዜ ትስዕሮ ለገብርከ’ ንባርያኻ ብሰላም ኣሰናብቶ ትብል ጸሎት ደረሰ። እዚ ራእይ እዚ ራእይ ናይ ሰብ ውፉይ ሕይወት ክከውን ኣለዎ። ገርሀይናን ትንቢታውን ራእይ እዩ። በዚ ከኣ ንጐይታ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትናን ኣብ ኣብ ኣእዳውናን ክንርእዮ ንኽእል። ንሱ ሕይወትናን ተስፋናን መጻኢናን ስለዝኾነ ከኣ ክንዮኡ ዘድልየና ነገር የለን። መግለጺ ሰብ ውፉይ ሕየት ከስ እዚ ትንቢታዊ ራእይ ኣብ ቤተክርስትያን ምስፋን እዩ። ሽሕ’ኳ ብዙሓት ዘየስተውዕልዎ እንተኾነ እግዚአብሔር ኣብ ዓለምና ከምዘሎ ርኢኻ ምኽኣል ምሳኡ ከኣ እግዚኣአብሔ እንተልዩ ይኣኽለኒ ካልእ ኩሉ ሓላፊ እዩ ዝብል ድምጺ ይስዕቦ እሞ ምስ ሃና ነቢት ኣብ ምምስጋን ንኣቱ። ትርጉም ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ሕይወትከስ እዚ እዩ ንእግዚአብሔር ዝቀርብ ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ስግደትን ኮይኑ እዚ ከኣ ንሕዝቢ እግዚአብሔር ትንቢታዊ ራእይ ኮይኑ ነቲ ቀንድን ኣድላይን ነገር ስለዝገልጸሉ ይሕጐስ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ተጻይ ኩሉ ኣምሰሉነትን መንፈሳዊ ዕንቅፋትን ፈተናታትን ኮይኑ ይዕምብብ እሞ ነቲ ዝደስከለ `ከምዚ እዩ ዝግበር ዝነበረ ዝብል ልማድ` ስዒሩ ‘እንኽእሎ ዘበልና ኩሉ ንግበር` ናብ ዝብል ኣምር ይበጽሕ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

02 February 2019, 17:14