2019.02.27 ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ 2019.02.27 ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ 

ክፍኣት ቊጹራት ዕለታት ተሪፎንኦ ከመይ ኢየሱስ ካብኡ ስለዝሕይል! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፡ - ‘ስለዚ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካ ንቤት እስራኤል ንገሮም፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝአተኽምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፣ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ፣ ኣብ ማእከሎም ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፣ እቶም ህዝብታት ኣነ እግዚኣብሔር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። (ሕዝ 36.22-23)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም

ክረምቲ ዝሓልፍ ዘሎ ይመስል ኣሎ በዚ ከኣ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሊስና። እንቛዕ ናብዚ ቅርዓት ብደሓን መጻእኩም። ኣብቲ ንጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ብዝበለጸ ንምርዳእ እንገብሮ ዘሎና ጒዕዞ ሎሚ ካብተን ሸውዓተ ልመናታት ነታ ‘ስምካ ይቀደስ’ ትብል ቀዳመይቲ ክንምልከት ኢና።

ልመናታት ኣቡነ ዘበሰማያት ሸውዓተ እየን። ቅልል ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብ ክልተ ናኣሽቱ ጒጅለታት ይምቀላ። እተን ቀዳሞት ሰለስተ ንእግዚአብሔር ብካልኣይ ኣካል ኣታ እናበልና ነቅርበን ኮይነን እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ከኣ ንሕና እናበልና ሰብኣዊ ድልየታትን እንልምነለን እየን። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ድላዩ ከም እንኣቱ ይገብረና ኩልና ከኣ ናብ ኣቦና ቊሊሕ ኢልና ስምካ ይቀደስ መንግሥትካ ትምጻእ ፍቃድካ ኣብ ሰማይ ከምዝኾነ ኣብ ምድሪ ይኹን’ ንብል ኣብታ ካልኣይቲ ክፍሊ ከኣ ንሱ ኣብ ድላይና ኣትዩ ንዘድልየና ነገራት የቅርበልና ዕለታዊ እንጌራ ምሕረት ሓጢኣት ኣብ ግዜ ፈተና ረድኤትን ካብ ክፉእ ሓራ ምውጻእን ንክንሓትት ይዕድመና።

ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ኩሉ ንክርስትያን ዝምልከት ኣሎ ንኩሎም ደቂ ሰባት ትኸውን ጸሎት ክንብላ ንኽእል። በቲ ሓደ ወገን ንእግዚአብሔር እናስተንተንካ ማለት ምሥጢሩ ጽባቄኡ ሕያውነቱ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ገርሀይናን ተባዕን ልመና ናይቲ ንክነብር እኳ ደኣ ብጽቡቅ ንክነብር ዘድልየና ነገራት ንልምን። በዚ ከኣ በቲ ዘቅርቦ ገርህነትን መሠረታዊ ነገራት ምልማንን ኣቡነ ዘበሰማያት ነቲ ዝልምን ተኣምር ምብዛሕ እንጌራ ዘይኮነ ከምቲ ኢየሱስ ባዕሉ ዝብሎ ‘ሰማያዊ ኣቦኹም ገና ንስኹም ከይሓተትክምዎ እንታይ ከምዘድልየኩም ይፈልጥ’ (ማቴ 6,8) እዩ ነገሩ።

ምስ እግዚኣአብሔር እንክንዘራረብ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ንክንገልጸሎ ኣይኮነን እንገብሮ ከመይ ንሱ ካባና ብዝበለጸን ዝለዓለን መንገዲ ኣብ ልብና እንታይ ከምዘሎ ስለዝፈልጥ። እግዚአብሔር ንዓና ምሥጢር ካብ ኮነ ንሕና ንኣኡን ኣብ ቅድሚ ዓይኑን ዘይንፍለጥ ኣይኮናን። ከምቲ ዘመራይ ዝብሎ

‘ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ’ (139.1-4) እዩ ነገሩ። እግዚአብሔር ከምተን ኩነታት ደቀን ቆብ ንምባል ሓንቲ ጠመተ ትኣኽለን ኣደታት እሞ ደቀን ሕጉሳትዶ ሕዙናት ቅኑዓት ወይስ ገለ ዝሓብኡ ዝፈልጣኦም ከም ኣደ እዩ።

ቀዳመይቲ ስጉምቲ ናይ’ዛ ጸሎተ ክርስትያንከስ ንኩለንትናና ኣብ ሓልዮት እግዚኣአብሔር ምንባር እዩ። ‘ኦ ጐይታይ ንስኻ ንኩሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ዘሎኒ ሥቃይ ከዘንትወልካ እውን ኣየድልን እዩ። ኣብ ጐድነይ ክትከውን ጥራይ እየ ዝልመካ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ` ከም ምባል እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ መሃሮም ብኡ ንብኡ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ነገር ከይንጭነቅ ይምሕጸን። ብዛዕባ ዘድልዩና ነገራት ከይንሓስብ የዘኻኽር። ክትሓስቦ እንከሎኻ ስግንጢር ይመስል መጀመርያ ዕለታዊ እንጌራና ሎሚ ሃበና ኢልኩም ጸልዩ ይብለና ኣተሓሒዙ ከኣ ‘ስለዚ እንታይ ክንበልዕ ወይስ እንታይ ክንሰቲ ወይ እንታይ ክንክደን ኢና` እናበልኩም ኣይትጨነቑ’ (ማቴ 6,31) ይብለና። ኮይኑ ግን እቲ ምግርጫው ዝመስል ብደገደገ ጥራይ እዩ እምበር እቲ እነቅርቦ ልመና ኣብ ኣቦና ምሉእ ምትእምማን ከምዘሎናን ነቲ ዘድልየና ነገራት ብዘይምግናንን ምጭናቅን ንክንልምን ዝደፋፋኣና ከኣ እዚ ምትእምማን እዚ እዩ።

ስለዝኾነ ከኣ `ስምካ ይቀደት ክንብል ንጽሊ። ኣብዛ ስምካ ይቀደስ ትብል ልመና እቲ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ ስለ ሕያውነቱን ስለ ዕብየቱን ዘለዎ ኣድናቆት እንክገልጽ ነዚ ከኣ ኩልና ክንፈልጦ ስለ እዚ ከኣ በቲ ሓቀኛ መንነቱ ክነፍቅሮን ይደሊ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ስሙ ኣብ ልዕሌና ክቅደስ ኣብ ሥድራቤትና ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስትያንን ኣብ ልዕሊ ምሉእ ዓለምን ክቅደስ ይደሊ። ቀዳሲ ዝኾነ እግዚአብሔር ከኣ ብፍቅሩ ይልውጠና ኮይኑ ግን ማዕረ ማዕረ እዚ ንሕና እውን ብእንህቦ ምስክርነት ቅድስና እግዚኣአብሔር ኣብ ዓለም ምሉእ ከምዝኸውን ንገልጽ። እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ ኮይኑ ግን ንሕና እንተጐደልና ሕይወትና ቅዱስ እንተዘይኮነ ዓቢ ዘይምስምማዕ ወይ ምግርጫው ኣሎ። ቅድስና እግዚአብሔርከስ ኣብ ተግባራትናን ኣብ ሕይወትናን ከንጸባርቅ ኣለዎ። ኣነ ክርስትያን እየ እግዚአብሔር ከኣ ቅዱስ እዩ ኮይኑ ግን ኣነ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት እገብር እናበልካ ብኣፍካ ለለይ ምባል ኣይሰርሕን እዩ። ከመይ እዚ ይዕንቅፍ ኣይሕግዝን እውን።

ቅድስና እግዚኣአብሔርከስ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዘሎ ሓይሊ ኮይኑ ንሕና ከኣ እዚ ቅድስና እዚ ናይ ዓለምና መከላኸሊታት ፈናጢሱ ብቅልጡፍ ኣብ ግብሪ ክውዕል ንምሕጸን። ኢየሱስ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ እቲ ብቀዳምነት ዝቅጻዕ እቲ ንዓለም ዘሳቂ ዘሎ ክፍኣት እዩ። ርኹሳት መናፍስት ገና ብማዕዶ ክርእይዎ እንከለው ‘ኦ ኢየሱስ ናዝራዊ ንኣናን ንኣኻን እንታይ ኣራኸብና? ከተጥፍኣና እምበር መጺእካ! መን ምዃንካ እፈልጥ እየ! እቲ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢኻ!’ (ማር 1.24) እናበሉ ይጭርሑ ነሮም። ብዛዕባ ገዝእ ርእሳ ብዙሕ ዘይትግደስ ኮይኑ ግን ነቲ ብደገ ዘሎ ትገርፍ ከምዚኣ ዓይነት ቅድስና ተራእያ ኣይትፈልጥን። ናይ ኢየሱስ ቅድስናኸስ ከምቲ እምኒ ኣብ ማይ ምስ ተደርበየ ዝገበሮ ናብቲ ተዓሪዱ ዝነበረ ቦታታት ትዝርጋሕ።  ክፉእ ነገር ዘለዓለማዊ ኣይኮነን። ክርብሸና እውን የብሉ። ከመይ እቲ ንገዛኡ ዝቆጻጸር ሓያል ሰብኣይ ድሮ መጺኡ እዩ (ማር 3,23-27)። እዚ ሓያል ሰብኣይ እዚ ከኣ ኢየሱስ እዩ። ንዓና እውን ነታ ውሳጣዊት ገዛና ንክንቆጻጸር ሓይሊ ይህበና እዩ።

ጸሎትከስ ንዝኾነ ፍርሓት ትሰጐልና። እግዚአብሔር ኣቦ የፍቅረና እዩ! እግዚአብሔር ወልድ ማዕረ ኣእዳና ኣእዳው እናዘርግሔ ይህግዘና። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምሥጢራዊ ብዝኾነ መንገዲ ንድሕነት ዓለም ይሠርሕ ኣሎ። ንሕናኸ! ነዚ ርግጽነት እዚ ተኣንጊብና ዝኾነ ምጥርጣር ከጥቅዓና የብሉን። ከመይ ዓቢይ ርግጽነት ኣሎና! እግዚአብሔር ኣቦ የፍቅረና ኢየሱስ ስለና ሕይወቱ በጃ ሂቡ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ልብና ኮይኑ ይሰርሕ። እታ ዓባይ ርግጽነት ከኣ እዚኣ እያ። ክፍኣትከ! በዚ ይርዕድ ይፈርህ። እዚ ብጣዕቢ ደስ ዝብል እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
27 February 2019, 15:51