ማንም ሰብ በይኑ ኣይኮነን! ከመይ እግዚአብሔር ፈጺሙ ክርስዓና ኣይኽእልን እዩ። ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 20 ለካቲት 2019ዓምፈ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ብገለ ጸገም ወለድና እንተዘየፍቀሩና ዋላ ኩሉ ኣብ መሬት ኣሎና እንብሎ እንተጠለመ ንኩልና እቲ ወትሩ ዘይጠልም ናይ`ቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ኣቦና ፍቅሪ ኣሎና’ እንክብሉ ነቲ ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ቀጺሎም።

ቃል ኣምላኽ፥ 'ጽዮን ግና፡ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሐዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒ፡ በለት። ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ? ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ። እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።'(ኢሳ 49.14-16)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ናይ ሎሚ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ክልተ ቦታ ክከታተልዎ እዮም። ቅድሚ ናብ`ዚ ምምጽኤይ ምስ ምእመናን ሰበኻ በንኤቨንቶ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኺበ ጸኒሔ ሕጂ ከኣ ምሳኹም ኣሎኹ። ንዓኹም ኣብዚ ክትኰኑ ዝወሰነ መስተናብር ቤተጳጳስ ቊሪ ከይሃርመኩም ብዝብል ጥንቃቄ እዩ በዚ ከኣ ነመስግኖም።

እምበኣር ሕጂ ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ዝጀመርያ ትምህርተ ክርስቶስ ክንቅጽል ኢና። ቀዳማይ ስጒምቲ ናይ ነፍሲወከፍ ጸሎት ክርስትያን ኣብ ሓደ ዓቢ ምስጢር ምእታው እዩ እዚ ከኣ ኣቦነት እግዚአብሔር እዩ። ከም ሕንጻይ ቃላት ጥራይ ብምድግጋም ክንጽሊ ዘይከውን እዩ። ወይ ኣብዚ ዓቢ ምሥጢር ማለት እግዚኣአብሔር ኣቦኻ ምዃኑ ኣሚንካን ተቀቢልካን ጸሊ ወይውን ብሱሩ ጸሎት ግደፎ፣ ናብ እግዚአብሔር ኣቦይ ክጽሊ እንተደኣ ደሊ ኣብዚ ምሥጢር እዚ ብምእታው እየ ዝጅምሮ። እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ እዩ ኣቦና ንምርዳእ ብዙሕ ግዜ ኣምሳል ወለድና ንሓስብ ኰይኑ ግን እንደገና ክትሕደስን ክትጸርን ዘለዋ መዔቀኒት እያ። ነዚ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ይብሎ ‘ናይ ጸሎት-ጐይታ ቀዳማይ ንዝኾነ ቃል፤ ናትና ቓል ገቢርና ቅድሚ ምድማጽና፤ “ካብ’ዚ ዓለም’ዚ” ሰሊኹ ካብ ዝኣተወና ገሊኡ ግጉይን መጋገይን ዝኾነ ሥእልታት፤ ንልብና ብትሕትና ከነንጽሖ ይግባእ። ትሕትና ድማ፣ ነዚ ዚስዕብ ክንግንዘብ ትሕግዘና፥ “ብዘይካ ኣቦ ንወልድ ሓደ’ኳ ዚፈልጦ የልቦን፤ ነቦ
ድማ ብዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን” ማለት “ንኡሳን ሕፃናት” “እንተዘይኮይኑ ሓደ’ኳ ዚፈልጦ የልቦን”። ናይ ልባትና ምንጻሕ ብወገን ውልቃውን ሕንጸተሰባውን ታሪኽ ካብ ዚፍልፍልን፣ ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ ምስ ዚጸሉ ናይ ኣቦ ወይ ኣደ ሥእሊ ዝተኣሳሰረ እዩ። እግዚኣብሔር-ኣቦና ካብ ናይ’ዚ ፍጡር ዓለም መደባት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ “ብዛዕባኡ” ዚህልወና ናትና ሓሳባት ምምሃዝ ማለት ንኸተምልኾም ወይ ንኸተፍርሶም ጣዕታት ምስራሕ እዩ። ናብ እግዚኣብሔር-ኣቦ ምጽላይ ማለት ከምቲ ዝኾኖን፤
ከም’ቲ ወልድ’ውን ዝገለጸልና ናብ ውሽጥ’ቲ ምሥጢሩ ምእታው ማለት እዩ።’ (ቚ። 2779) ይብል።

ካባና ማንም ሰብ ፍጹማት ወለዲ የብሉን! ዋላ ሓደ። ከምቲ ንሕና ኣብ ግደና ፍጹማት ወለዲ ወይውን ፍጹማት ጓሶት ክንኮኖ ዘይንኽእል እዩ። ኩልና ጉድለታት ኣለውና ኲልና! ናይ ፍቅሪ ርክባትና ብትሕቲ ምልክታት ድሩትነትና ከምኡ እውን ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ዝንባሌና ንነብሮ ስለዝኽዕነ ከኣ ንክትውንን ብምድላይ ወይ ንካልእ ብምትላል ዝተለኽፉ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ስለፍቅሪ ዝገበርናዮም ውዑላት ኣብ ቚጥዓን ጽልእን ይልወጡ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዘጋጥመና ፍጻሜታት ‘ዋእ ረኣዮም እስከ እዞም ክልተ ዝሓለፈ ሶሙን ክሳብ ክንደይ ይፍቀሩ ነሮም ሎሚ ከኣ ዳርጋ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ጽልኢ ኣማዕቢሎም! ንብል! እዚ ዕለት ዕለት ዘጋጥመና እዩ። ስለዚኸስ ኩልና መሪር ሰራውር ኣብ ውሽጥና ስለዘሎና ሓንሳእ ሓንሳእ ንደገ ገጹ በለቅ ይብል እሞ ብርቱዕ ጉድኣት የውርድ።

እነሆ እምበኣር እግዚአብሔር ኣቦና እዩ ኣብ እንብለሉ ግዜ ናይ ወለድና ምስሊ እናሓሰብና ምናዳ ናይቶም ዘፍቀሩና ወለዲ ክነሰላስል ንኽእል ኮይኑ ግን ማዕረ ማዕረ እዚ ሓሳብ እዚ ክንዮ ክንሰግር ኣሎና ከመይ እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ፍቅሪ ናይቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር እግዚአብሔር ኣቦና እዩ። ነዚ ኸኣ በቲ ኢየሱስ ዝዓደመና እዩ። እዚ ከኣ ምሉእ ፍቅሪ ኮይኑ ኣብዚ ምድራዊ ሕይወትና ጽላሎቱ ጥራሕ ኢና ክንዕዘብ ንኽእል ክመይ ፍጹም ኣይኮነን። ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ዘለዓለም ለመንቲ ፍቅሪ እዮም! ንሕና ኩልና ለመንቲ ፍቅሪ ኢና! ፍቅሪ የድልየና እዩ። በዚ ከኣ ደቂ ሰባት ብፍጹም ዝፋቀሩሉ ኩነት ሃሰስ ክብሉ ይነብሩ ግን ኣይረኽብዎን። ኣብ ዓለምና ክንደይ ዕርክነትን ክንደይ ፍቅርን ማይ ዓሚኾም ዘይተረፉ ብዙሓት እዮም።

ኣብ ሚቶሎጂ ኣምልኾ ጣዖት ግሪኽ እቲ ናይ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝብልዎ ካብ ኩሎም ዝሓሰመ ትራጀዲ ዝፍጽም እዩ። መልኣኻዊ ፍጡር ድዮም ዝሓስብዎ ወይስ ኣጋንንቲ እንድዒ። እቲ ጽውጽዋዮም ከምዘዘንትዎ ወዲ ፖሮስን ፐንያን ኣዩ ይብሉ ማለት እቲ ቀዳማይ ጐራሕን መጠፋፍእን ክኸውን እቲ ካልኣይ ከኣ ድኽነት እዩ። ኣምላኽ ፍቅሪ ግሪኽከስ ካብዞም ክልተ ወለዲ ገለ ዝሓሸ መልክዕ እንተረኸበ ኢሉ እዩ ካብኦም ዝውለድ። ምስ’ዚ ብምውድዳርከስ ብዙሕ ገጻት ፍቅሪ ደቂሰባት ክንግምት ንኽእል ማለት ኣብ ሓንቲ ዕለት ዓምቢቡ ብትዕቢት ነቢሩ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ናይ ሓደ መዓልቲ ብኡ ንብኡ ዝቅምስልን ዝመውትን ክትርእዮ ዝጸናሕካ ካብ ኢድካ ይመልቚ ይሃድም (ፕላቶ ኣብ ሲምፖስዮ ዝብል ጽሑፉ 203)። ነዚ ዝገልጽ ሓደ ጥቅሲ ናይ ነቢይ ሆሴእ ኣሎ ‘ፍቅርኹም ከምቲ ኣንጊሁ ዚጠፍእ ኣውሊ ከም ደበና ጊሓት እዩ።’ (6,4) ይብል። እነ እምበኣር ብዙሕ ግዜ ፍቅርና እንታይ ከምዝመስል ተመልከቱ! ቃል ኣቲኻ ንክትሕልዎ እትጽገሞ ሠናይ ክትገብር ዝግበር ተበግሶ ግን ብኡንብኡ ዝነቅጽን ዝበንን፣ ከምቲ ነቢይ ዝበሎ እቲ ንመሬት ሸፊኑ ዝጸንሐ ኣውሊ ጸሓይ ምስ ወጸት ዝበንን እዩ።

በዚ ከምዚ ድኹምን ዘይውዕልን ዘይሓድርን ፍቅሪ ክንደይ ግዜ ዘይፍቀርና! ኩሉ ትንኣስ ትዕበ ተመኲሮ ናይዚ ኣሎና! ሓንሳእ ኣፍቂርና ነርና ደሓር እዚ ፍቅሪ እዚ ወዲቊ ወይውን ደኺሙ። ክነፍቅር ሃረር ንደሊ ኰይኑ ግን ድሩትነትናን ድኽነት ሓይልታትናን  ነቲ ብመዓልቲ ጸጋ ቀሊል ኮይኑ ተራእዩና ዝኣቶናዮ መብጽዓ ምፍጻም ይጽግመና። ኣስተውዕል ኣቢልና እንተጠመትና ሓዋርያ ጴጥሮስ ፈሪሑ ክሃድም ከኣ ፈቲኑ። ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ፍቅሪ እሙን ኮይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ድኻምነት እዚ ወትሩ የሰንየና ከምእንወድቅ ከኣ ይገብረና። ብሓቂ ለመንቲ ኢና ከምቶም ነታ ዝደልይዋ ኅብእቲ ሉል ሃለው ዝብሉ እሞ ዘይረኽብዋ ኢና እዛ ሉል ከኣ ፍቅሪ ኣያ።

ኮይኑ ግን ካልእ ፍቅሪ ኣሎ እዚ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ኣቦና ፍቅሪ እዩ። ናይ’ዚ ፍቅሪ ተቋደስቲ ምዃና ማንም ክጠራጠር የብሉን። የፍቅረና እዩ። የፍቅረኒ እዩ እውን ክብንል ንኽእል። ዋላውን ኣቦናን ኣደናን እንተዘየፍቀሩና ታሪኻዊ ምናልባት እዩ ኣብ ሰማያት ኮይኑ ማንም ኣብዚ ምድሪ እዚ ዘየፍቀረና ወይውን ከፍቅረና ብዘይክእለሉ መንገዲ ዘፍቅረና እግዚአብሔር ኣሎ። ፍቅሪ እግዚአብሔር ቀጻሊ እዩ። ነቢይ ኢሳያስ ‘ኣደዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ? ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ። እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።’ (49,15-16) ይብል። ሎሚ ዘመና ዳርጋ ዘመነ ውቃጦ ክንብሎ ኣብ እንኽእለሉ ዘመን ‘ኣብ ኢደይ ወቒጠካ ኣሎኹ’ ዝብል ድምጺ ምስማዕ ክንደይ ደስ ይብል። ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ተወቂጠ ነዚ ከኣ ክኣልዮ ዝኽእል የሎን። ፍቅሪ እግዚአብሔር ከም ፍቅሪ ወላዲ ክትርስዖ ዘይከኣል እዩ። ወላዲት እንተረሰዓት እውን ኣነ ፈጺመ ኣይርስዓካን ይብለና ኣሎ እግዚአብሔር። ኩሎም ምድራውያን ፍቅርታትና ፋሕ ፋሕ ኢሎም እንተጠፍኡ ኣብ ኢድና ከኣ ብዘይካ ሓሙዂሽቲ ምንም ኣብ ዘይተርፈሉ ግዜ ወትሩ እቲ እንኮን እሙንን ዘቃጽል ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣሎ።

ኣብ’ቲ ንኩልና ዝስመዓና ጥሜት ፍቅሪ ዘየሎ ነገር ኣይኮናን ሃረር ንብል ዘሎና። ፍቅርስ ንእግዚኣአብሔር ከም ኣቦ ንክንፈልጦ እትዕድም ሓይሊ እያ። ንኣብነት ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ምልዋጥ በዚ መንገዲ እዚ እያ ተረኺባ። ከም መንእሰይ ክኢላን ሥነጥበባውን ዝነበረ ኣጎስጢኖስ ማንም ፍጡር ክህቦ ዘይክእል ነገር ሃሰው ይብል ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግን ጠመተኡ ንላዕሊ ሓፍ ኣበለ እሞ በቲ ዕለት እቲ ነቲ ኣፍቃሪ ዝኽዕነ እግዚአብሔር ረኸበን ፈልጠን።

እታ ኣብ ሰማያት እትነብር ትብል መግለጺት ርሕቀት ኣይኮነን ተመልክት እንታይ ደኣ ሓደ ብሱር መሠረቱ ፍሉይ ዝኾነ ፍቅሪ ናይ`ዚ ዓለም`ዚ ዘይኮነ ዘይደክም ንዘለዓለ ዝኸውን ፍቅሪ ወትሩ ኣብዛ ጥቃና ዝኽዕነ ፍቅሪ የመልክት። ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ጥራይ በል እምበር እዚ ፍቅሪ እዚ ብኡ ንብኡ ከመጽእ ኣዩ።

ስለዚኸስ ኣይንፍራህ ካባና ዋላ ሓደ እኳ በይኑ ኣይኮነን። ምናልባት ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ምድራዊ ኣቦኻ እንተረሰዓካ ንስኻ ከኣ ምሳኡ ኣብ ቅርሕቲ እንተሎኻ እታ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾን ፍቅሪ እትዕድለካ ናይ እምነት ክርስትያን ኣባታዊ ፍቅሪ ኣሎካ። ንሳ ከኣ ብእግዚኣአብሔር ኣዚኻ ዝተፈቀርካ ውሉድ ኢኻ ነዚ ነዳዲ ውሉዳዊ ፍቅሪ እዚ ከጥፍኦ ዝኽእል ማንም ሓይሊ ኣብ ሕይወት የሎን። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
20 February 2019, 16:57