2019-01-07 ምልክት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣብ ሞሮኮ! 2019-01-07 ምልክት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣብ ሞሮኮ! 

ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ኣብ ሞሮኮ ናይ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ መርሓ ግብር ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ከምዝገለጽናዮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ዕለት 30ን 31ን ኣብ ሞሮኮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ምዃኖም እንክምለት ኣብ’ዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ቤትጽሕፈት ካሪታስ ናይታ ሰበኻ ምስ ስደተኛታት ምስ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ከምኡ እውን ቤትምኽሪ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ካተድራል ራባት ክራኸቡ ምዃኖም ተመልኪቱ።

ናይ ቅድስት መንበር ናይ ሕትመት ክፍሊ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰበሥልጣን ሞሮኮ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ ራባት ንክከውን ኣጽዲቆም። በዚ ከኣ ቅዱስነቶም ዕለት 30 መጋቢት ካብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ፍዩሚችኖ ከተማ ሮማ ነቂሎም ንራባት ዋና ከተማ ሞሮኮ ክበጽሑ እዮም። ኣብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ራባት ምስ በጽሑ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መስተአንግዶ ምስ ተገብረ ቅዱስነቶም ንንጉሥ መሓመድ ሻድሻይ ናይ ክብሪ ምብጻሕ ንኽገብሩ ናብ ቤተመንግሥቲ ከምዝበጽሑ ብድሕሪኡ ምስ ሕዝቢ መሮኮን ሰበሥልጣንን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ኣካላት ዲፕሎማስን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ናይ ዕለቱ መደብ ንሃውልቲ ንጉሥ መሓመድ ሓሙሻይን ተቊዋም ንጉሥ መሓመድ ሻድሻይን ኣብ ቤትጽሕፈት ካሪታስ ናይታ ሰባኻ ምስ ስደተኛታት ምርኻብን የጠቃልል።

ብድሕር’ዚ ሰንበት ዕለት 31 መጋቢት ኣብ ተማራ ዝበሃል ማእከል ንዝግበር ሕዝባዊ ኣገልግሎት ምብጻሕን ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ቤትምኽሪ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያንን ኣብ ካተድራል ራባት ናይ ምርኻብ መደብ ወጺኡ አሎ፣ ድሕሪ ምሳሕ መደብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንመንበሮም ንክምለሱ ካብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ራባት ዝግበር ናይ ምስንባት ሥነ ሥርዓት ምዃኑ ተመልኪቱ።

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
09 February 2019, 17:49