መንፈስ ቅዱስ በዚ ወሪዱና ዘሎ ፈተና ንክንልወጥን ንክንነጽሕን ዝሕግዘና ጸጋ ይዓድለና! ር.ሊ.ጳ

ኣብ መላእ ዜናታት ዓለም ክዝረብ ከምዝቀነየ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 21 ለካቲት 2019 ዓምፈ እቲ ብዙሕ ምስንዳእን ትጽቢትን ዝተገብረሉ ጉባኤ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበራትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኩርያ ሮማናን ዝሳተፍዎ ብዛዕባ ‘ንትሕቲ ዕድመ ጾታዊ ዓመጽ ከይወርዶም ምክልኻል’ ዝዝቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዕሊ ከፊቶሞ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከምቲ ልማዶም ቅዱስነቶም ንኩሎም ብጵጵስና ኣሕዋቶም ዝኸበርኩም ኣሕዋት ደሓንዶ ሓዲርኩም ምስ በሉ ነቲ ሓባእ ቊስሉ ሓባእ ፈውሱ ዝብል ምስላ ዝተጠቅሙ እንክመስሉ ነቲ ዘሎ ቊስሊ ከምዘሎ ኰፍ ምስ ኣበልዎ

“`ከምዚ ዝበለ ሽንካር ናይ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ሰባት ቤተክርስትያን ኣብ ርእሲ ትሕቲ ዕድመ ምብጽሑ ንዓኹም ንፓትርያርክታት ካርዲናላት ኣቡናት ኣሕሉቅ ገድማውያንን ካልኦት ሓለፍትን ንከጋብእን ኩልና ብሓባር ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኢልና ንመሪሕነቱ እናተመለኽና ነቶም ፍትሒ ዝሓቱ ዘለው ትህቲ ዕድሚ ዘስምዕዎ ገዓር ጽን ኢልና ክንሰምዕ ክንክእል ንክዕድመኩም ወሲነ። ጒስነታዊ ሓላፍነት ናይ’ዚ ኣብ ዝባንና ኮይኑ ከም ቤተክርስትያን ብሲኖዶሳዊ መልክዕ ንጹሕን ዓሚቚን ዘተ ብሓባር ክነካይድ የገድደና። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነዚ ንቤተክርስትያንን ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለምናን ዝገርፍ ዘሎ ሓለንጊ ክንገጥሞን ፍታሕ ክነናድየሉን ፍትሒ ክንወጽእን ኢና። ቅዱስ ሕዝቢ እግዚአብሔር ከው ኢሉ እዩ ዝጥመተና ዘሎ ካባና ዝጽበዮ ከኣ ብላዕሊ ላዕሊ ነቲ ኩነት ምውጋዝን ምኩናንን ዘይኮነ ዝጭበጥ ስጉምታትን መምርሒታትን ኣውጺእና እዚ እከይ እዚ ከይድገም እዩ። ጭቡጥ ነገር ይድለ ኣሎ።`”

እንክብሉ ብቀንዱ ነቲ ገዓር ናይቶም ኣደዳ ናይዚ ዓመጽ እዚ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ንምስማዕን ፍትሒ ንምውጻእን ተጊሆም ክሰርሑ ተማሕጺኖም፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ብዕንቅፋት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝወረደ ቚስልታት ክነሕዊ ክንጅምር ኢና እውን ኢሎም።

ብዕንቅፋት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝወረደ ቚስልታት ነሕዊ፣

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ ጉባኤ ብዝለዓለ ግሉጽነት ትብዓት ጭብጥን ንምግጣሙ ኣጽዋር እምነትን ብርሃን መንፈስ ቅዱስን ክለብሱ ተላብዮም። ነዚ ቊስልታት እዚ ንምፍዋስ እንታይ ኮን እንተተገብረ ይሓይሽ ካብ መበገሲ ሓሳብ ናብ ኩለን ኮሚሽናትን ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳትን ንዝለኣኽዎ ምሕጽንታ ዝተዋህበ ለበዋታትን መልስታትን መበገሲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ኣሚቶም። ንእግረ መንገዶም ከኣ ነዚ ጉዳይ እዚ ካብ ዝተኸስተሉ ዕለት ክሳብ ሎሚ ብዓቢ ትግሃት ዝከታተሎን ንኩሎም ኣካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከተሓባብር ዝጽዕር ዘሎ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመን ንጉዳይ ሃይማኖት እትከታተል ማሕበርን ነቶም ነዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ምስንዳው ዝጸዓሩ ኣካላትን ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም።

“ኣብ መወዳእታ ንመንፈስ ቅዱስ ዝልምኖ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ክድግፈና እሞ ነዚ ሕማቅ ኣጋጣሚ ናብ ናይ ኣስትብሆሎን ንጽሕናና ዕድል ክልውጠልና ኣዩ። እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ዓበይቲ ቊስልታት ኣብ ንኡሳን ዝዕድሚኦምስ ይኹን ኣብ ምእመናን ዘኸተለ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝተፈጸመ ዓመጽ ንምፍዋስ ከተብርሃልና ንለምና እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።”

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ ናይ መጀመርያ ዕለት ነቲ እዚ ጉባኤ እዚ ክበጽሖ ዘለዎ ኣቅዋም ዝእምት ካብቲ ብመብዛሕትኦም ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳትን ኮሚስናትን ዝቀረበ ለበዋታት ዝተዋጽኤ 21 ዝኸውን ነጥብታት ተጋባእቲ ኣበው ንከስተንትንዎምን ንክዛተዩሎም ተጻሒፉ ከምዝዕደል ገሮም።

ቀዳማይ ነጥቢ ናይዚ ዝርዝር ንኩሉ ግዜ ዝኸውን መምርሒ ክሕንጸጽ ምናልባት ሓደጋ እንተኣጋጠመ እውን ብከመይ ይፈታሕ ንዝብል ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ፍታሕ ዘቅርብ እማሜ ምቅራብ ብዝብል ጀሚርካ ንግዳይ ናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ሓደጋ ዝኾኑ ሰባት ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ዘጸናንዕ ብቚዕ ትምህርትን ተመኲሮን ብዘለዎም ሰባት ዝቆመ ጉጀለ ምሥራዕ ከምኡ እውን ጳጳሳት ኣብ ሰበኻታቶም ጸገም ምስ ኣጓነፈ ነቲ ጸገም ብከመይ ከምዝኣልይዎ ምስ ሰበሥልጣን ናይ ሃገራቶም ኣብ ምዝታይን ምሕባርን ዘድሊ ሕጋዊ ስጒምቲ ንምውሳድን ክኽተልዎም ዘለዎም መምርሒታት ምጥቃስ ዝብል ይርከቦ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብስም ተዓሚጸ ኢሎም ዝኸሰስዎ ነቲ ክሱስ ዓገበኛ ገርካ ቅልጡፍ ፍርዲ ካብ ምሃብ ነቲ ጉዳይ ዘጻርዩ እሞ ብዝተኻእለ መጠን ስለ ሓቅን ፍትሕን ዝሰርሑ ነቲ ጉዳይ ዝምርምሩ ሓቅነቱ ንምርግጋጽን ገበኑ ንምግምጋምን ዘድልዩ ሰባትን ረቋሒታትን ብኣጋኡ ብምስንዳእ  ነቶም ግዳያት ንምክልኻልን ናይቶም ተኸሰስቲ ርእሰምክልኻል መሰልን ኣብ ግምት ዘእቱ ንሕገ ቆነና ዝድግፉስ ይኹን ብሲቪላዊ ሕጊ ዝድገፉ ነጥብታት ምምልካት ዝብሉ ይርከብዎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
21 February 2019, 16:42