2019.01.11 ደብረ ቅዱስ ጴጥሮስ 2019.01.11 ደብረ ቅዱስ ጴጥሮስ  

ጒጅለ ልኡኽ ሃገረ ቨነዝወላ ኣብ ከተማ ቫቲካን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሕቡራት ኢሚረይት ሃገራት ዓረብ ኣብ ኣቡዛቢ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም እንክምለሱ ካብ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ኩነታት ቨነዝወላ ንዝቀረቦም ሕቶ እንክምልሱ ኩነታቱ ብሓቂ ዝተሓላለኸን ከቢድን ምዃኑ ብምግላጽ መራሕቲ ናይ’ታ ሃገር ንዘቅረቡሎም ዕረቚና ዝብል ልመና ብምሉእ ልቦም ከምዝቅበልዎን እግዚአብሔር ከብርሃሎም እሞ ፍታሕ ክርከበሉ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም ነሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ካብ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘመልክቶ ሓደ ጉጅለ ተወከልቲ ሃገረ ቨነዝወላ ናብ ከተማ ቫቲካን ከምዝመጸ እንክምልከት ኣብ’ቲ ርክብ ‘ቅዱስነቶምን ቅድስት መንበርን ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ቨነዝወላ ምናዳ ከኣ ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ቨንዝወላ ምዃኖም ገሊጾም። ብዛዕባ ጉዳይ ቨነዝወላ ከኣ ዓቢ ሻቅሎት ከምዘለዎም፣ ብዝተኻእለ መጠን ቅልጡፍ ፍትሓውን ሰላማውን ፍታሕ ንክርከብ እሞ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምስጋርን ክብርን መሰልን ናይ ኩሎም ደቂሰባት ዝኽበረሉን ንኩሎም ነበርቲ እታ ሃገር ድማ ጥቅሞም ዝሕልወሉ መንገዲ ክርከብ እዚ ኩሉ ከኣ ብዘይ ምፍሳስ ደም ክኸውን ተላቢዮም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 February 2019, 18:22