ንጸላኢኻ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ንለውጢ ምሕረት ወሊዱ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓምፈ መዕጸዊ ናይቲ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ምኽልኻል ትሕቲ ዕድመ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ንመላእ ዓለም ዝኸውን መልእኽቲ ምስ ኣሕለፉ ናብቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ነቲ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ዝብል ቃል ጐይታ ምርጫ ዘይኮነስ ትእዛዝ እዩ እሞ ኩልና ነኽብሮ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

አብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃስ 6፡27-38 ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይመጠን አድላይን ቀንድን ስብከት ብዛዕባ እቶም አብ ክርስትያናዊ ሕይወትናን ተግባራትናን ዝሕግዙን መምርሒታትን ነገራት ሰቢኹ። ሓዲስ ትእዛዝ እዩ ነጊርዎም ምኽንያቱ ነቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ትእዛዝ ንዝበደለካ ሕነ ክትፈዲ ዘፍቅድ ጨሪሹ ገልቢጥዎ። ብርግጽ እዚ ትምህርቲ ኢየሱስ ብሰብአዊ ርድኢት ክንርእዮ ከሎና ክትቅበሎን ክትርድኦን ከቢድ እዩ። ነዚ ከኣ ር.ሊ.ጳ ምርጫ ዘይኮነስ ግድን ክንፍጽሞ ዘሎና ትእዛዝ ምዃኑ ዝገለጹ።

ንዘየፍቅሩና ምፍቃርን ሕማቅ ንዝገበሩና ምፍቃርን ጽቡቕ ምፍዳይን ክንዮ ክእለትና ይኸይድ እሞ በቲ ንሱ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ናብ ኢየሱስ ስለ እንልወጥ ኣርድእቱ ንኸውን ነዚ ዘይከኣል ዝመስል ከኣ ንኽእሎ ኢሎም። ንዓኹም ነዞም እትሰምዑኒ ክብል ዝጅምር ስብከት ኢየሱስ ንጹር መልእኽቲ ንንጹር ማሕበር ብንጹር ቃላት ይገልጾ። በዚ ከኣ ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ጽልእን ቂመ በቀልን ክዕወት ድላዩ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ክንዮዚ ክህሉ ዝኽእል ካብዚ ዝዓብን ዝበስልን ፍቅሪ የልቦን ከመይ እዚ ፍቅሪ እዚ ንወዲሰብ ንምሉእ ክብሩ ሓልዩ ይሃንጾ በንጻሩ ጽልእን ኣተለ በቀልን ሕነኻ ክትፈዲ ምድላይ ክብሩ የትሕት ነቲ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ጽባቄ ፍጥረቱ እውን የዋርድ። እዚ ንጸርፍን ጉድለት ፍቅርን ብፍቅሪ ንምምላስ ዝብል ትእዛዝ ሓዲስ ባህሊ ይፈጥር ኣዚ ባህሊ እዚ ከኣ ናይ ምሕረት ባህሊ ፈጢሩ። ነዚ ናይ ምሕረት ባህሊ እዚ ከኣ ጽቡቕ ገርና ክንመሃሮን ክንሕዞን ኣሎና። ብዝበለጸ ከኣ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ አሎና። እዚ ናይ ምሕረት ባህሊ እዚ ሕይወት ይህበና እዚ ሕይወት እዚ ግን ዝተለወጠ ዝተሓደሰ ሕይወት እዩ። እዚ ከኣ ለውጢ ፍቅሪ ኮይኑ ነዚ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ከኣ ሰማዕታት ናይ ኩሉ ግዜ ናይ ትማልን ናይ ሎምን እዮም። በዚ ከኣ መኻዚኖ ናይ ኣብ ልዕለና ዝጐደለ ፍትሒ ኰና ንከይንነብር ይምዕደና።

ኣዋህለልቲ ናይ ዘይፍትሓውነት ክንከውን የብልናን!

አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንዝገጥመና ነገራት አብ ግምት አእቲና ብኸመይ ንርትዕን ፍትሕን ሓቅን ምሕረትን ርሕራሔን ንርድኦም? አብዚ እንነብሮ ዘሎና ዓለም ብሓደ ወገን ርትዕን ፍትሕን ክግበር ንዛረብ በቲ ሓደ ወገን ከአ ኩሉ ከከም ግብሩ ክፍረድን መቕጻዕቲ ዝግብኦ እንተ ኾነን ክቕጻዕ ወይ ማዕረ እቲ ዝበደሎ ክኽሕስ አለዎ ንብል። እዚ ወላ ናይ ሞት ፍርዲ ነቶም ዝበደሉና ዝርኢ እዩ። እግዚአብሔር ግን ወትሩ ይምሕር። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ከኣ እንተዘይመሓርና ምሕረት ክንረክብ ኣይንኽእልን። ልብና ንምሕረት ክንከፍቶ እንከሎና ይብሉ ቅዱስነቶም ንዓለም ምሉእ ንክፍኣት ብሠናይ ክነሸንፎ ንኽእል ኢልና ንእውጅ ኢሎም። ካልእ ዘቃጽል ቃል ኢየሱስ ዝበልዎ ከኣ ምንም ካሕሳ ወይ ሠናይ ግብረ መልሲ ከይተጸበኻ ኣለቅሕ ሠናይ ግበር ዝብል እዚ ከኣ ናይ ፍቅሪ ዓወት ምዃኑ ገሊጾም።

ሓንሳእ ሓንሳእ ንኣና ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝተገበረ በደልን ሕማቅ ነገራትን ክንዝክር ቀሊል እዩ ነቲ ዝተገብረልና ሠናይ ነገራት ክንዝክር ይከብደና። ብዙሓት እዚ ዓይነት እዚ ልማድ ዘለዎም ዳርጋ ናብ ሕማም ይቅየር። ናይ ቂመ በቀል መኻዚኖ ኮይኖም ነቲ ኣብል ልዕሊዖም ዝተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ነገራት ክዝክሩ ይነብሩ። እዚ ግን መንገዲ ኣይኮነን። ተጻዩ ክንገብር ከምዘሎና ኢየሱስ ይሕብረና። ክንዲ ነቲ ሕማቅ ንጽቡቅ ነገራት ምዝካር ሓደ ሰብ ክሓሚ ክመጸና ከሎውን ክንዲ ብዛዕባ እቲ ሰብ ሐሕማቁ ምዝራብ ሠሠናዩ ምዝራብ ጽቡቅ እዩ። በዚ ከኣ ነቲ ዕላል ንገማጥሎ። እዚ ከኣ ለውጢ ምህረት እዩ ኢሎም።

ክንዲ ንዓመጽ ንቀዳደም ለውሃት ይሃልወና!

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ነቲ ናይ ደቂ ሰባት ባህርያዊ ግብረ መልሲ ዝኾነ ንዓመጽ ብዓመጽ ምምላሽ ካልእ ክርስትያናዊ ናይ ግብረመልሲ ሓዲስ ሕጊ ይህበና ኢሎም።  

ብዙሕ ግዜ ክንገብሮ ወይ ክንብሎ ኢልና ዘይሓሰብናዮም ነገራት ክንገብርን ክንብልን ንኽእል ምናልባት ከሕፉሩና እውን ይኽእሉ ኮይኑ ግን ኣብ ኣማስያኡ ሓጐስን ሰላምን ይህቡና። ስለዚ ሓይልና ክነርኢ ዓመጽቲ ክነከውን ኣድላዪ ኣይኮነን ኣብ ክንዳኡ ለውሃትን ሕያውነትን ዝህበና ሰላምን ሓጐስን ንሕሰብ እዚ ኩሉ ከኣ ካብኡ እምበር ካባና ክመጽእ ዘይክእል ይስመዓና እዩ ስለዚ እንንየተሉ ጉዳይ የለን እንታይ ደኣ ነቲ ነዚ ጸጋ እዚ ዝዓደለ ክነመስግን ጥራይ እዩ ዘሎና እንክብሉ ኣስትምህሮኦም ፈጺሞም ጸሎተ መልአከ እግዚእዚአብሔር ደጊሞም። 

 

24 February 2019, 17:29