2019.02.15 ጉባኤ ሳክሮፋኖ - ካብ ፍርሂ ነጻ 2019.02.15 ጉባኤ ሳክሮፋኖ - ካብ ፍርሂ ነጻ 

ክርስቶስ ኣብ ድኻታትን ስደተኛታትን ንከይንረኽቦ ካብ ዝኽልክል ፍርሒ የናግፈና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሳክሮፋኖ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ክሳብ ዕለት 17 ለካቲት `ካብ ፍርሒ ነጻ ንኹን` ብዝብል መሪሕ ንስደተኛታ ኣብ ምቅባል ዘተኮረ ዓውደመጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለው ጉባኤኛታት ቀዲሶም ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ናይ ሎሚ ንባባት ሃብቲ ጥቅልል ብዝበለ መንገዲ `ኣይትፍርሁ’ ብእትብል ሓረግ ክግለጽ ይከኣል። ካብ ኦሪት ዘፀኣት ዝተወስደ ንባብ ሕዝበ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ብቅድሚት ብቀይሕ ባሕሪ ተሓጺሮም ብድሕሪት ብግብጻውያውን ወተሃደራት ፈርዖን ተኺቢቦም ኣብ ራዕዲ እንከለው የዘንቱ። ብዙሓት ኣብዛ ሁመት እዚኣ ኣትኲሮም እንክሓስቡ ኣብ ግብጺ ምትራፍ ምሓሾም ከመይ ኣብ ምድረበዳ ካብ ሙማት ባርያ ኰንካ ምንባር ይሓይሽ ኢሎም። ሙሴ ግን ነቲ ሕዝቢ ‘ኣይትፍርሁ’ ከመይ እግዚአብሔር ምሳና ኣሎ። ‘በርትዑ ናይ እግዚአብሔር ምድሓን ከኣ ክትርእዩ ኢኹም ሎሚ ጐይታ ስለኹም ክሰርሕ እዩ’ (ዘጸ 14.13) ኢልዎም። ናብታ ምድሪ ተስፋ ንምብጻሕ ዘቋረጽዎ ነዊሕ ናይ ምድረ በዳ ጒዕዞ በዛ ቀዳመይቲ ፈተና እዚኣ ይጅምር። ሕዝቢ እስራኤልከስ ክንዮ ግዝያዊ ጸገማት ከማዕዱን ንፍርሓት ኣሸኒፉ ኣብታ ምሥጢራዊት ሥራሕ ጐይታ ዝኾነት ተግባር ድሕነት እምነቱ ከንብርን ነርዎ።

ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 14.22-33 እንተተመልከትናውን እቲ ምእንቲ ክጽሊ ንእምባ ገጹ ክኸይድ ዝሓደግዎ ኢየሱስ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ብማየ ማይ ናብኦም ገጹ ክመጽእ ምስ ረኣዩ ሓዋርያት ምትሓት መሲልዎ ብዙሕ ይፈርሁን ይርበሹን የእውዩ እውን። ከመይ ምስ እዚ ኩሉ እታ መርከቦም ከኣ ብሓያል ንፋስን ብማዕበልን ትናወጽ ነራ! ኢየሱስ ምዃኑ ከለልይዎ ኣይከኣሉን።  ኢየሱስ ግን ኩነቶም ተዓዚቡ `ኣጆኹም ኣነ እየ ኣይትፍርሁ’ (27) ይብሎም። ኢየሱስ ይጽውዖም። እቲ ወትሩ ተጠራጣሪ ዝኾነ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓቂ ንስኻ እንተኾንካስ ኣነ ብማየ ማይ ናባኻ ክበጽሕ ኣዝዝ ይብሎ እሞ ጐይታ ምስ ኣዘዘ ይብገስ ኰይኑ ግን ቊሩብ ምስ ሰጐመ ብርታዔ ናይቲ ንፋስ ይድህሎን የፍርሆን እሞ ክጥሕል ይደሊ። ኢየሱስ ብኢዱ ኣልዒሉ ከድሕኖ እንከሎ ‘ኣታ በዓል ቊሩብ እምነት ስለምታይ ትጠራጠር’ (31) ኢሉ ይገንሖ።

በዚ እነስተንትኖ ዘሎና ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ገይሩ ጐይታ ሎሚ እውን እንተኾነ ይዛረበና ኣሎ ካብ ፍርሓትና ኩሉ ሓራ ከውጽኣና ክነፍቅደሉ ከኣ ይሓተና ኣሎ። ኣብ`ቲ ጉባኤኹም ከም መሪሕ ቃል ወሲድኩምዎ ዘሎኹም ከኣ `ካብ ፍርሓት ሓራ ምውጻእ` ዝብል እዩ።

ኣብ ቅድሚ ናይ ዘመንና ክፍኣትን ሕማቅ ነገራትን ንሕና እውን ከም ሕዝበ እስራኤል ነቲ ናይ ሓርነት ሕልምና ክንጥንጥኖ ክንፍተን ዚከኣል እዩ። ኣብ ቅድሚ መውጽኢ ዝርከቦ ዘይመስል ኩነታት ክንርከብ እንከሎና ግድን እዩ ፍርሃት ክስመዓና። ናይ እግዚአብሔር ህላዊ ኣብ መንጎና ክንሰምዕን ኣብ ሓልዮቱ ንኩሉ ክነንብርን እንተዘይክኢልና ናይ ሓደ መራሒ ቃላት ወይውን ናይ ሓደ ነቢይ ቃላት በይኑ ኣይኣኽለናን እዩ። እንተዘየሎ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ተኣፋፊ ብዝኾነ ናይ ደቂሰባት ውሕስነት ክንረክብ ኣብ ዙርያ እንፈትዎም ሰባት ዕንክሊል ንብል።  ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ንምድሪ ተስፋ ዝግበር ጒዕዞ ረጥሪጥና ናብ ባርነት ግብጺ ንምለስ።

እዚ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተጠዊኻ ምምላስ እዚ ምልክት ስዕረት ኮይኑ ፍርሒ ናይ ካልኦት ናይቶም ዘይንፈልጦም ኣብ ዓሌትና ዘይኮና ጓኖት ይወረና። እዚ ኩነት እዚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ዘመንና ስደተኛታት ክመጹናን ዝከላኸለሎም ደልዮም ውሕስነትን ዝበለጸ መጻእን ንምርካብ  መዓጹ ገዛውትና ክኩሕኩሑ ከለው የፍርሁና። እዚ ዝኾኖሉ ምስ ካልኦት ንክትራኸብ ስንድው ዘይምዃን እውን እዩ። ነዚ ነገር እዚ ዓሚ እውን ኢለዮ ነረ፣ ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ‘ኣብ ባህሊ ካልኦት ክትጽንበር ቀሊል ኣይኮነን! ካብኻ ብጣዕሚ ፍሉያት ምስ ዝኾኑ ሰባት ክትጽምበር ሓሳቦትምን ተመኲሮኦምን ንክትርዳእ ቀሊል ኣይኮነን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ብዙሕ ነቲ ምስ ካልኦት ምርኻብ ንሓድጎ እሞ ዝከላከሉልና ሓጹራት ወይ መናድቅ ንሃንጽ` ኢለ ነረ።

ኮይኑ ግን ንፍርሓት ክነሸንፍ እሞ ምስ ካልኦት ንክንራኸብ ልብና ክንከፍት ዝተጸዋዕና ኢና። ነዚ ንምግባር ከኣ ቅቡል ምኽንያታትን ጸብጻብትን ይኣኽሉና። ሙሴ ንሕዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ብርቱዕ ጸላኢ ኣብ ድሕረኡ ከቢብዎ እንከሎ ‘ኣይትፍርሑ’ ይብሎም ከመይ ጐይታ ንሕዝቡ ፈጺሙ ኣይሓድግን እዩ ኣንታይ ደኣ ንመድብ ድሕነቱ ከረጋግጽ ኣብ ታሪኽ ምሥጢራዊ ብዝኾነ መንገዱ ይሰርሕ። ሙሴ ከምዚ ኢሉ ዝዛረበሉ ምኽንያት ከኣ ብእግዚአብሔር ስለዝተኣማመን እዩ።

ንካልእ እንክትረክብ ንክርስቶስ እውን ትረክብ። ንሱ ባዕሉ ከምኡ ኢሉና እዩ። ኣብ ኣፍደገና ጠምዩን ጸሚኡን ጓና ኮይኑን ዓሪቁን ሓሚሙን እሱር ኰይኑን ንክትረኽቦን ንክትሕግዞን ዝኩሕኩሕ ንሱ ባዕሉ እዩ። ምናልባት ገና ንጠራጠር እንተሊና እተን ንጹራት ቃላቱ እነሀዋ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣኅዋተይ ዝገበርኩምዎ ዘበለ ንኣይ ከምዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ’ (ማቴ 25,40) ይብል።

እቲ ኣብ ማቴ 14.27 ‘ኣጅኹም ኣነ እየ ኣይትፍርሁ` ዝብል ዘተባብዕ ቃላት መምህር ንኣርድእቱ እውን በዚ መንገዲ እዚ ክንርድኦ ንኽእል። ሽሕ’ኳ ጨርቀ መርቂ ለቢሱ ረሳሕ ኣእጋር ሃልይዎ ገጹ ተደዊኑ ሰውነቱ ቈሲሉ ቋንቋና ክዛረብ ምኽኣል ስኢኑ ኣዕይንትና ከለልዯኦ እንተዘይከኣላ ብሓቂ ንሱ እዩ። ንሕና’ውን ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ኣብ ፈተና ክነእትዎ ሓደ ምልክት ክንሓቶ ዝከኣል እዩ። ኮይኑ ግን ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ገለ ስጒምቲ ክጠራጠር ዝጀመረ ንሕና እውን ብግስ ከይበልና ከምብሓዲስ ናይ ፍርህና ግዳይ ክንከውን ንኽእል። ኮይኑ ግን ጐይታ ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ። ወላውን ሰብ ውሑድ እምነት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን እንተኾና ክርስቶስ ንከድሕነናን ናባኡ ንከቅርበናን  ወትሩ ኢዱ ምስ ዘርገሔ እዩ፣ እዚ ርክብ እዚ ከኣ የድሕነና ኣርድእቱ ናይ ምዃና ደስታ ከኣ ዳግም ይልግሰልና።

ዘሎና ታሪኽ ሎሚ ከም ሎሚ በዚ መንጽር እዚ ክነንብቦ እንተኽኢልና ነዚ ርክብ እዚ ንክንፈጥር ምኽንያት ንዝኾነና ክነመስግኖ ክንጅምር ኢና፣ በዚ ከኣ ነቶም ካልኦት እንብሎም ኣብ መዓጹ ገዛውትና ዝኩሕኩሑ ነቲ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ፍርሂ ስዒርና ክንክእል እሞ ክንረኽቦም በዚ ኣቢልና ከኣ ንኢየሱስ ብኣካል ክንቅበሎን ክንሕግዞን ከም እንኽእል ይገብሩና።

ካብዚ ፍርሒ እዚ ሓራ ንክከውን ሓይሊ ዝረኸበን በዚ ርክብ እዚ ንዝርከብ ሓጐስ ዘስተማቀረን ሎሚ ኣብ ናሕስታት ወጺኡ ብግልጺ ንክእውጆ ንሓቶ ከመይ ካልኦት ከምኡ ንክገብሩ ንኢየሱስ ምስ ድሕነቱ ንክረኽቡ ስንድዋት ንክኾኑ ክሕግዝ እዩ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

15 February 2019, 17:40