ድለ

ዝቀደሙ ዓገባት ፈጺሞም ክድገሙ የብሎምን ቤተክርስትያን ውሑስ ቦታ ይኹን! ኣቡነ ኮለሪጅ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣደራሽ ረጂያ ናይ ቅድስት መንበር መዛዘሚ ጉባኤ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቅዱስነቶም ኣብ ዝመርሕዎ ቅዳሴ ዝሰበኹ ናይ ብሪስበን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኣውስትራላይ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦ መንበርን ዝኾነ ብፁዕ ኣቡነ ማርክ ኮለሪጅ ቅድሚ ሕጂ ንዝተፈጸሙ በደላት ዘርዕዱ ቢሎም ድሕሪ ሰምይምዎ እዚኦም ፈጺሞም ከይድገሙን ቤተክርስትያን ምሉእ ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ይኹን ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ሰፊሕ መግለጺ ክህቡ ስለዝነበሮም ኣብ መንጎ ቅዳሴ ነቲ ስብከት ናይ ብሪስበን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኣውስትራላይ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦ መንበርን ዝኾነ ብፁዕ ኣቡነ ማርክ ኮለሪጅ ንክገብርዎ ኣፍቀዱ።

እዚ ዓለም ምሉእ ልቡን ቀልቡን ኣምቢሩ ክከታተሎ ዝቀነየ ጉባኤ ነቲ ናይ ቤተክርስትያን ዝጸልመትን ኣሰቃቅን ክፍሊ ንእሽቶ ብርሃን ንምሃብን ኩሎም ተሳተፍቲ ግባኤ ጳጵሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምስቶም ክሕግዝዎም ዝቀነዩ ብሓባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ነቲ ኩሉ ዝተዘርበን ዝቀረበን ሓሳብትን ክትዓትን ርእቶታትን ኣብ ወሰን ኣቀሚጦም ምሉእ ሃሞምን ቀልቦምን ናብታ እንኮ ቃል ዝኾነ ሓቀኛን ሕይወት ዝህብን ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ ጽን ክብሉ ዝዓደሙ ብፁዕ ኣቡነ ኮለሪጅ ነቲ እግዚኣአብሄር ንህንጸት ዝዓደሎ ጸጋ ንዕንወት ንምድሃን ካብ ስምዒት ስልጣን ምህዳምን ካብ ኣገልግሎት ዘይምፍላዩን የድሊ ኢሎም።

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ዳዊት መዘምር ብሳዖል ክህደን እንከሎ ነቲ ክቐትሎ ዘሰጒጎ ዝነበረ ኣብ ድቃሱ ምስ ረኸቦ ኢደይ ኣብ ቅቡዕ እግዚአብሔር ኣይዝርግሕን ንዝበሎ ብዝምካር ኩሎም ብእግዚአብሔር ዝተሓርዩ ጓሶት ሥልጣን ኣገልግሎት እምበር ሥልጣን ጒይትነት ከምዘይሃቦም ብምግንዛብ ምስ መጉሰኦም ንመጓሰኦም ክሰርሑ እምበር ክጒይትቱሎም ከምዝይኮነ ክግንዘቡ ዘኻኺሮም። ሥልጣን ጉይትነት ሓደገኛ እዩ ከመይ ንጥፍኣት ክኸውን ይኽእል። ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ከም ዘስተንተናዮ ከኣ ሥልጣን ካብ ኣገልግሎት ምስ ዝፍለ ክንዲ ንልምዓት ንዕንወትን ንጥፍኣትን ይኸውን ካብ መንገዲ ፍቅሪ ምስ ወጻእካ ንሥልጣን ጥራይ ምስ ጠመትካ ንጥፍኣትን ንዕንወትን እዩ።

ውሕስቲ ቤተክርስትያን ትሃልወና!

ኣብዚ ቅንያት እዚ ክዝረብ ንዝቀነየ ብምዝካር ሰባኺ ናይ ዕለቱ እዚ ኩሉ ጸገም ኣብ ሥልጣን ጥራይ ምትኳርን እዚ ከኣ እቶም ብሥልጣን ዝዓወሩ ኣብ ቅቡዓት እግዚአብሔር ኢዶም ክዝርግሑስ ይኹን ኣብቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ዓመጽ ክፍጽሙ ድሕር ኣይበሉን። እቲ ዝገደደ ከኣ ነቲ ዝተፈጸመ ክፍኣተ ግብሪ ንምሽፋን ዘየድሊ ካልእ ክፍኣተ ግብሪ ብምፍጻም እቶም ንቤተክርስትያን ከፍቅርዋን ስለኣ ክዋግኡን ዝነበሮም ባዕሎም ጸልእታን ኣዕነውታን ኮይኖም ተረኺቦም። ናይ ገዛእ ርእሶም ጸላእቲ ኮይኖም ማለት እዩ። እቲ ዝገደደ ከኣ ነቶም ክባርኽዎምን ከፍቅርዎምን ዝነበሮም ግዳይ ናይ’ዚ ዓመጽ እዚ ብድርብ በዲሎሞም። እታ እንኮ ፍታሕ ኮይና ትረኤ ኣብ ቃለ ወንጌሉ ዝሰማዕናዮ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም መሓሪ ዝኾነ መሓርቲ ኩኑ ዝበለና ምሕረት ተኣንጊብና ንማንም ዘይተፍርህ ብሓቂ ውሕስቲ ዝኾነት ቤተክርስትያን ንምትካል ንተዓጠቅ ነዚ ንምግባር ከኣ መሠረታዊ ዝኾነ ለውጢ ምግባር የድሊ። በዚ ከኣ ሓዲስ ዘመን ስብከተወንጌል ንፈጥር ነዚ ከኣ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነ ጭቡጥ ስጉምቲ ፍትሕን ሕውየትን ብምዝውታር እዚ ነገራት እዚ ፈጺሙ ዘይድገመሉ ሜላ ብምምሃዝ ሓቀኛ ለውጢ ነተኣታቱ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። 

 

24 February 2019, 17:42