ድለ

ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ምስልምናን፡ እናበርትዔ ዝኸይድ ምሕዝነት ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ምስልምናን፡ እናበርትዔ ዝኸይድ ምሕዝነት 

ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ምስልምናን፡ እናበርትዔ ዝኸይድ ምሕዝነት

ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ሸኽ በን ዛየድ እቲ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህርን ኣል ጠይብ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ክኽሰት እዩ ቢሉ ማንም ዘይገመቶ ዝነበረ ልዑል ክብሪ ዘለዎ ተግባር ምዃኑ

ድሕሪ ዕስራ መዓልታት ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ናይታ ሃገር ጉጅለ ልኡካን ኣብ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዱ ናይቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ናይ ኣል-ኣዝሓር ዓቢይ መምህርን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ቀዳማይ ውጽኢቱ ዝተራእየሉ ከምዝነበረ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሸኽ ኣብዳላህ በን ዛየድ ኣል ናሕያ ካብ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዕስራ ቅዳሕ ከምእተበርከተሎምን እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ እቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ምስልምናን ዘሎ ርክብ ሓድሽ ቅርጽን መልክዕን ዘተሓዘ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብቲ ናይቲ ሰነድ 20 ቅዳሕ ገበር ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ዓቢይ መምህር ኣል-ኣዝሓር ኣሕማድ ኣል-ጣይብ ብሓበር ነቲ ሰነድ እናተፈራረሙ እንከለዉ ዘርእይ ስእሊ ዝተነብሮ ከምዝዀነ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፡

እቲ ብሸኽ በን ዛየድ ዝተመርሔ ጉጅለ ልኡካን ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ዕለት 25 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሰዓት 12.30 ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን፡ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ናይ 45 ደቓይቕ ዘተ ብሓባር ምሳሕ ተቛዲሶምን ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከምእተኻየደን፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ 17 ክፍለ ዘመን ናይ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሕዳሴ ሕንጸት ዘርእይ ስእልን ካልኦት ንርእሰ ብሔርን ምኽትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ዝወሃብ ቅዱስነቶም ኣብ ኢሚራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዝትርኽ ስእላዊ ሰነድ እውን ገጸ በረከት ከምዝሃቡ ኣፍሊጦም።

ናይ ምክእኣልን ምቅብባልን ማዕዝን

ካብቲ ጉጅለ ልኡካን ንቕዱስ ኣቦና ዝተወሃበ ገጸ በረኸት ንእሽቶ ብወርቅን ብሩርን ዝተለበጠ መሶብ ብዛዕባ ፍቕርን ምክእኣልን ምቅብባልን ዝብል ኣብ ቁርዓን ኣስተንፎ ዝገበረ ጽሑፍ ዝተነብሮ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ቤተ ምስልምናን ዝተበጽሔ ጽኑዕ ምሕዝነት ንምምስካር ዝኣመተ ምዃኑን፡ ብፍላይ ነቲ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝውክል ከምዝዀነ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።

ክትግምቶ ዘይእትኽእል ዘደንቕ ተግባር

ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ሸኽ በን ዛየድ እቲ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህርን ኣል ጠይብ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ክኽሰት እዩ ቢሉ ማንም ዘይገመቶ ዝነበረ ልዑል ክብሪ ዘለዎ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣኽራርነት ዝሰብኽ ፖለቲካ ስምብራት ኣብ ዝሓድገሉ ዘሎ ዓለም እቲ ሰነድ መሰናኽላት ክስገር ዝድግፍን ጽልእን ዓመጽን ከይሁሉ ዝመርሕ ናብ ዕርቂ ዘብል እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፡

እንኰ መገዲ ተተሓሒዝካ ምጉዓዝ እዩ

እቲ ጽንዓት ኣብቲ እተን ክልቲኣተን ሃይማኖታት ዝተኻፈልኦን ናትና ዝበልዎ ክብሪ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ብፍላይ ብኣጽዋር ዝተሰነየ ምንጽጻግን ናይ ብዙሕት ንጹሓን ደም ዘፍስስ ዘይምክእኣል ወግድ ዝብልን መንግስታት ናጽነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከኽብሩ ዝጽውዕ ምኽባር መሰልን ክብርን ደቀንስትዮን ሕይወትን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ንምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ዝጽውዕ ኣብ ናይ ሓባር እምንቶ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ካብ ሃገራት ኤሚራት ዓረብ ናብ ሃገረ ቫቲካን ንኽምለሱ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝበልዎ ሓሳብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝናን ተሓቛቝይፍና ንጓዓዝ ምዃንና ብግብሪ ዘይመስከርና እነዳ ኲይንና ጸሎትናን እምነትና እውን እዩ ዝሰዓር ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ምስልምናን፡ እናበርትዔ ዝኸይድ ምሕዝነት

 

 

26 February 2019, 17:05