በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሎሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ምልቃቕ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሎሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ምልቃቕ 

በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሎሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ምልቃቕ

ስልጣን ብገዛእ ፍቓዶም ምልቓቕ ዝብል ጉዳይ ነቲ ስልጣናዊ ትምህርቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከየንብሮ የስግእ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፡ ዕለት 11 ለካቲት 2013 ዓም. ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፡ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ለቒቖም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ዝዀኑሉ ዝኽሪ መበል ሻድሻይ ዓመት፡ ኣብ ጐድኒ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ብዝብል ኣገላልጻ ጥራሕ ክዝከሩ ከምዘይብሎም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዕድመን ብጥዕና ጉድለት በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 11 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ምዝዛም ሻምናይ ዓመት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ክለቑ ከምዝወሰኑን፡ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍነት ንምስካም ዓቕሚ ከምዘይብሎም እውን ገሊጾም፡ ብሓቂ ከም ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንእዋናዊ ብድሆታት ክገጥሙን ርክባትን መገሻታን ከካይዱን መደረታት ከስምዑን ብሓፈሻኡ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ዘቕርበሎም መርሓ ግብርታት ንምፍጻም ዓቕሚ ከምዘይብሎም ገሊጾም ብገዛእ ፍቓዶም ገዛእ ርእሶም ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ስልጣኖም ከምዘልዓሉ ይዝከር።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ምልክታ ሓዲጉ ዝሓልፍ ካብ ስልጣኖም ምልቃቕ ብዙሕ ተጻሒፉን ተባሂሉን እዩ፡ ካብ ስልጣን ብገዛእ ፍቓዶም ምልቓቕ ዝብል ጉዳይ ነቲ ስልጣናዊ ትምህርቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከየንብሮ የስግእ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዝትይ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ጉባኤ ክንሓስብ እንከሎና፡ ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ብምርኻብ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኵሉ ተጊሁ ከዓዪ ዘነቓቕሑ በነዲክቶስ መበል 16 ምዃኖም ዘይዝንጋዕ እዩ።

እቲ ንኽካየድ ዝተጸውዓ ዓውደ ጉባኤ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዝረሓቐን ኣብ ምስማዕን ጸሎትን ናይ ምልዋጥ እዋን እዩ፡ ኵሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት፡ ብሓባር እቲ ዓቢይ ስቃይን መዓትን ዝዀነ ዓመጽ ንምውጋእን ንምውጋድን ምስቶም ኣደዳ ዝዀኑን ኣባይቲ ስድራኦምን ብምርኻብ ክዝትዩ እዮም። በቲ ናይቶም ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ቍስሊ ክትንከፉ ገዛእ ርእሶም ዝፈቕድሉ እዋን እዩ፡ ብርግጽ እዚ መዓት’ዚ ብሕግን ስርዓት ጥራሕ ምውጋእ እዅል ከዘይኰነ ምስትዓል ዝግበረሉ ናይ ምልዋጥ እዋን እዩ።

ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ስልጣናዊ ትምህርቲ፡ ኣናኢስካ ምንባብን ብናይ መረብታዊ ዓይነት ርክባታት ብምጥዋቕ ዝርአይ ምስ ዝኸውን እቲ ዘለዎ ልዑል ክብሩን ስፍሓቱን ዕምቆቱን ንናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተኣማንነቱን ንምስትውዓልን የጸግም፡ ባዕሎም ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ክለቁ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ እቲ መስራቲኣ፡ ብገዛእ ርእሳ እትውንኖ ሓደ’ኳ የብላን፡ መጋበርያ ናይ ድሕነት ምዃንን ብቓሉ ክትምላእን ዓለም ምስ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ሕብረት ክህልዎ እትመርሕ እያ፡ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ.ም በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ፍራይቡርግ ኢም ብራይስጋው ማሕበር ፊት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ገዛእ ርእሳ እትኸውን ኣብ ጉዕዞ ምስ እትህሉን ኣብ ምግልጋል እቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበለቶ ተልእዀ ምስ እትነብር እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ንናይ ዓለም ሻቕሎት ርህውቲ ክትከውንን ኣብ ዓለም እውን ስለ ዘላ እቲ ሻቕሎት ናታ ገይራ እቲ ብትስብእቲ ኣቢሉ ባዕሉ ቀዳማይ ተበግሶ ዘንቀለ ባርኰት ህልው ትገብር”።

ኣብዚ ቃል’ዚ በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ርእሳን ኣብ ገዛእ ርእሳ ዝዓገበት ቤተ ክርስቲያን ከይትህሉ የጠንቀቑ፡ ኣብ ህልው ዓለም ገዝእ ርእሰ እተእትው፡ እቲ ናብ እግዚኣሔርን ካብ ዓለምን ብጻይን ክፍትቲ ናይ ምዃን ጸዋዕታኣ እትነብር ክትከውን ከምዘለዋ የመላኽቱ፡ ምእንቲ’ዚ በነዲክቶስ መበል 16 እምነትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ ሕይወትን ካብ ስነ ትምህርትን ዘወግድ ኣመለካኽታ ብሓደ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሳ ክትምርምርን ክትሕደስን ደሪኽዋ እዩ፡ ካብ ሸኽምን ካብ ፖለቲካዊ ሓለፋነትን ናጻ ዝዀነትን ብጽኑዕ ክርስትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓመለም እትጽመድ ክትከውን ዝብል እዩ፡ በዚ መዳይ’ዚ ኣቢላ ስግደትን ኣምልዀን ንእግዚኣብሔርን ምግልጋል ብጻይን ንኽትነብር ዝተወሃባ ጸዋዕታ ኣወሕሊላ ብዘይ ምትሕልላኻት ትነብሮ።

(Andrea Tornielli)

በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሎሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ምልቃቕ
11 February 2019, 16:59