መደብ ሓዋርያዊ መገሻቅ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገራት ኢሚራት ዓረብ

እምነት ኣብ እግዚኣብሔር የሕብረና እምበር ኣይገማምዕን፡ ኣብ ርሕቐት እውን ንሃሉ ዘራኽብ፡ ካብ ጽልእን ተጻብኦነትን የርሕቐና

“ዝተፈላለና እውን እንተዀንና ኣሕዋት ኢና” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያ ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸወን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ናብ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዱባይ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እምነት ኣብ እግዚኣብሔር የሕብረና እምበር ኣይገማምዕን፡ ኣብ ርሕቐት እውን ንሃሉ ዘራኽብ፡ ካብ ጽልእን ተጻብኦነትን የርሕቐና፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኤሚራት ዓረብ ብዘካይድዎ ሓዋያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ዘመሓለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር እቲ ዝካየድ ርክብ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ናይ ዝካየድ ርክብ ሓድሽ ታሪኽ ዝጽሕፍ ኰነት እዩ ኢሎም፡

ምኽባር ፍልልያት

ፍልልያት እውን ይሃልወና፡ ዝተፈላለና እውን እንተዀንና ኣሕዋት ኢና፡ ዝብል ሓሳብ ብምቕዳምን ኣል ሳላሙ ኣላይኩም - ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን፡ ነታ  ብዙሓት ኣብ ምኽባር ፍልልያትን ብስራሕ ድዩ በነጻነት ንኽነብሩላ ቦታ ዝረኽቡላ ናይ ሓባር ናብራን ሰብኣዊ ሕውነትን ኣብ ርክብ ዝተፈላለያ ስልጣነታን ባህልታን ተሳምሊት ንኽትከውን ብዙሕ ጻዕሪ ተሳልጥ ንዘላ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ክበጽሕ ደስታ ይስምዓኒ።

ኣብ ሰብኣዊ ፍጡር ዘሎ እውነተይና ሃብቲ

እቲ ዝራኸብ ሕዝቢ ንመጻኢ እናማዕደው ህልው ኵነት ዝነበር እዩ፡ እንክብሉ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና እዚ ኸኣ ናይ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት መስራቲ ሸኽ ዛይድ ጠቒሶም፡ እውነተይና ሃብቲ ኣብ ንዋታዊ ሃብትታት ዝተነብረ ዘይኰንስ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ እዚ ኸኣ ኣብቶም ናይ መጻኢ ሃገሮም ኣብ ዝሃንጹ ሰባት እዩ ኢሎም።

ሰብኣዊ ሕውነት

ቅዱስ ኣቦና ንሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ቢን ሱልጣን ኣል ናሕያን፥ ኣብቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ሰኑይ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ናይ መስረትቲ ቤተ ተዘክሮ ኣብ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ንኽሳተፍ ንዝገበሩለይ ዕድመ አመስግን ቢሎም፡ ነዚ መንጽር ዝገበረ ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋያዊ መገሻ መርሖ ኦ ጐይታ ናይ ሰላምካ መሳርሒ ገበረኒ ዝብል ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጸሎት ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ሓቢሮም፡ ኣስዒቦም ንመላእ ናይ ኢሚራት ዓረብ ሃገራት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ሰበ ስልጣናትን ነቲ ምብጻሕ ክውን ንምብጋር ንዘቕርቡለይን ንዘርእይዎን ምትሕብባርን ንዝገብሩለይ ለጋስ እንጋዶን ሓውነታዊ ኣቀባብላን ኵሉ ብኣድናቖት አመስግን ኢሎም።

ንዓቢይ መምህር ናይ ኣል ኣዝሓር

ኣስዒበ እውን ንዓርክን ክብር ሓው ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ዶክተር ኣሕመድ ኣል ጣይብን ነቶም ነዚ ናይ ሓባር ዘተ ንምስንዳውን ንምኽዋንን ብትብዓትን ብጽቡቕ ድላይን እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ዘተሓባብር እምበር ዝገማምዕ ከምዘይኵነ ኣሚኖም ንምምስካር ኣስተዋጽኦ ንዘበርከቱ ኵሎም አመስግን፡ ብዓቢይ ሓጐስ ንዐያል ዛዪድ ፊ ዳር ዛይድ -  ንደቂ ዛዪድ ኣብ ቤት ዛይድ ናይ ብልጽግናን ሰላምን ናይ ጸሓይን ስኒትን ናይ ሓባር ናብራን ርክብን ዝዀነት መሬት መጺአ ክራኸብን ሰላም ክብልን እሰናደው እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

መደብ ሓዋርያዊ መገሻቅ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገራት ኢሚራት ዓረብ
31 January 2019, 11:12