ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስቓይ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝስርዓሉ ስፍራ ብምዃን ኢኻ እትርደኦ ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስቓይ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝስርዓሉ ስፍራ ብምዃን ኢኻ እትርደኦ  

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስቓይ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝስርዓሉ ስፍራ ብምዃን ኢኻ እትርደኦ

ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ከቢድ ስቓይ ንምስትውዓል ኣብ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝሰርዓሉ ስፍራ ምዃን ብሓቂ የድሊ፡ እተን ጽንሲ ዝነጸለ ምስቲ ከይተወልደ ዝተረፈ ውላደን ክዕረቓ ክሕገዛ ኣለወን፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓናማ ብምኽንያት መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘካየድዎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ወግዓዊ ሓዋርይዊ መገሻ ኣጠናቒቖም ናብ መንበሮን ንኽምለሱ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ካብ ቶኩመን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጸራ ሰዓት ሽዱሽተን ርብዕን ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጸራ ዕለት 28 ጥሪ ምዃኑ እዩ ፍርቂ ለይትን ርብዕን ብነፋርቲ ናይ ኮሎምቢያ መገዲ ኣየር ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ምስቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዜና ማዕክናት ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበርን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ከቢድ ስቓይ ንምስትውዓል ኣብ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝሰርዓሉ ስፍራ ምዃን ብሓቂ የድሊ፡ እተን ጽንሲ ዝነጸለ ምስቲ ከይተወልደ ዝተረፈ ውላደን ክዕረቓ ክሕገዛ ኣለወን፡ ንህዝቢ ምስማዕ የድሊ፡ ኣብቲ ዝካየድ ርክብ ገዛእ ርእስኻ በቲ ናይቲ ሕዝቢ ቁስሊ ክትቖስልን ናትካ ምግባርን፡ እዚ ኸኣ እቲ ዅሉ ስቓይ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንምቕራብ እዩ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ሕጻን ብሓቂ ኩነቱ ብምፍላጥን ኣብቲ ከቢድ ስቓይ ናይቲ ሕጻን ንምዃን ዝድግፍ እዩ።

ኣብ ቨነዝወላ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ናብ ከቢድ ደም ምፋሳሲ ኵነት ከየብል ብዓንተውኡ መሰረታዊ መፍትሒ ንኽረክብ ምዕያይ የድሊ፡ ምስ በሉ ኣስዒቦም እቲ ኣብ ፓናማ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብሓቂ ብዘይ ርእሰ ብቃቐ ምሉእ ኩለንተናውነት ዝተነብሮ ከምዝዀነን፡ ኣብቲ ንሓምሳ ደቃይቕ ንመጀመሪያ ጊዜ በቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ንኽዀኑ ብቕዱስነቶም ዝተሓርዩ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ተመሪሑ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

ናይ ፓናማ ተልእዀኹም ዘለዎ ማሕታ እንታይ ይመስል፡ ወይ እንታይ ማሕታ ኣለዓዒሉ?

ተልእዀይ ኣብ ፓናማ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት፡ ጴጥሮሳዊ ተልእዀ እዩ፡ ኣብ እምነት ንምጽናዕ፡ ብዘይ ቀዝሕን ኣብ ስርዓተ ግብረ ገብ ብዘይ ምትኳር፡ ኣብ እምነት ንምጽናዕ እዩ፡ ናይ ሓሳብ ወይ ናይ ኣዕምሮ ጉዳይ ጥራሕ ኰይኑ ዝተርፍ ርክብ ክኸውን ቢልካ ዘይሕሰብ እዩ፡ ኩለተናኻ ዘዋስእ እዩ፡ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ናይ ብዙሓትን ጸጋማቶምን ይትንክፈካ፡ ናብ ሮማ ንኽነቕሉ ምስ ናይ ፓናማ ርእሰ ብሔር ሰላምታ ክለዋወጡ እንከለዉ ሓደ ጸሊም ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ ሕጻን ሰላም ንኽብሎም የቕርብዎ እሞ፡ ሕጽር ብዝበለ ኸኣ ምስ ኣዲኡ ኰይኑ ዶብ ኮሎሚያን ከከቛርጽን ናብ ስደት እናበለ እንከሎ ኣብ መገዲ ኣዲዩ ብሞት ምስ ተፈለየቶ ኣብዚ ነበይኑ ዝተረፈ ሕጻን እዩ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት፡ ካበይ ሃገር ኣፍሪቃ ይምጻእ ዝፈልጥ ሓደ እውን የሎን፡ ቋንቋ ፈረንሳ ፖርቱጋልን እንግሊዘይናን እውን ኣይዛረብን፡ ዝዛረቦ ቋንቋ ናይቲ ዝመጻሉ ሃገር ናይ ብሔሩ ቋንቋ እዩ።  እዚ ምስ ተነገሮም ቅዱስ ኣቦና ክህንደይ ሕጻናትን መንእሰይ ሕዝቢ ኣብ ስቓይ ከምዘሎ ትርዳእ ምስ በሉ፡ እዚ እዩ ልብኻ ዝወግእ ተመክሮ፡ ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ኣብ እምነት ናይ ምጽናዕ ተልእዀ ቀሊል ኣይኰነን፡ ነቶም መንእሰያት እውን ኣብ ሕይወት ክጐዓዙ እየ ዝመዓድኩ፡ ናይ ዘካየድክዎ ተልእኾ ጸብጻብ ወይ ውድን ምቕራብ ኣኽእሎት የብለይን፡ ይዅን ደኣ እምበር ነቶም መንእሰያት ገዛእ ርእሱኹም ጽን በሉ እቲ ጽን ዝበልክምዎ ፈጽምዎ እቲ እትፍጽምዎ ኣስተውዕልዎ እየ ዝበልክዎም፡ እትሓስቦ እውን ጽን ምባል የድሊ፡ ጽን እንተድኣ ዘይበልካዮ ናብ ጌጋ እውን ክመርሓካ ዝከኣል እዩ፡፡ ብሓጺሩ ተልእዀይ ኣብ እምነት ምጽናዕ ዝብል እዩ እንክብሉ ይምልሱ።

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ ከምዝተጸበኽምዎ ዶ ረኺብኵምዎ_

እወ፡ ናይዚ መዕቀኒ ከኣ ድኻም እዩ፡ ብሓቂ ሓይልኻ ኩሉ ዝተጸንቐቐ ኰይኑ ክሳብ ዝስምዓካ ዝገብር ድኻም፡ ስለዚህ እወ ካብ ዝተጸበኽዎ ንላዕሊ እውን እዩ።

ንመላእ ላቲን ኣምሪካ ዝምልከት፡ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ተመክሮ እውን ክበሃል ዝከኣል፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ዘጋንፈን ኣብ ንኡስ ዕድመዔም ጽንሲ ምሓዝ ዝብል ዘጓንፍ ጭቡጥ ኵነት ኣሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ፓናማ ልዕሊ 10 ሽሕ ዝግመታ ደቀንስትዮ ትሕቲ ዕድመ ዝምልከት እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ (ስነ ሩካቤ ስጋ) ትምህርቲ ምቕራብ ዝብል ሓሳብ ትቃወም ይበሃል፡ ንስኹም እንታይ ትብሉ?

ብርግጽ ኣብ ኣባይቲ ትምህርት ስነ ጾታዊ ርክብ ትምህርቲ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ፡ ሩካቤ ስጋ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ፡ ስለዚህ ዘፍርሕ ጉዳይ ኣይኰነን፡ ንኸተፍቅር ዝሕግዘካ ጸጋ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር መጋበርያ እቶትን ምዝመዛን ክኸው የብሉን፡ ብግብኡን ብሓቅን ከመሓደር ዝግብኦ ጸጋ እዩ፡ ብዘይ ስነ ርእየት ባዕዳዊ መግዛእቲ ብቑዕን ትኽክለይናን መሰረት ዘለዎ ስነ ሩካቤ ስጋ ትምህርቲ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ፡ ጾታዊ ርክብ ሕንጸት የድልዮ፡ … ብዙሕ ዓይነት መጻሕፍቲ ሕንጸት ጾታዊ ርክብ ኣሎ፡ ከምእተዓዘብክዎ፡ በሳል መጻሕፍቲ ኣለዉ፡ ገዳእቲ እውን ከምዘለዉ ኣስተውዒለ እየ፡ ናብ ናይ ፓናማ ፖለቲዊ ጸገም ከይኣተዅ ብሓጺሩ፡ ንሕጻናትን መንእሰያትን ስነ ጾታዊ ሕንጸት ከምዘድሊ ክሕብር እፈቱ፡ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ እዚ ሕንጸት’ዚ ከም ወለዲ ናይ ምቕራብ ብቕዓት ዘይብሎም እያቶም፡ ቤት ትምህርቲ ነዚ እዩ ዘድልይ፡ እንተዘይኰነ ባዶን ዝተፈላለዩ ርእየት ዓለም ዘእንግድ ርእሰ ጉዳይ ከይኑ እዩ ዝተርፍ።

ኣብ ፓናማ ቅነ መንእሰያት ምስ ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝኣምኑን ምስ ዘይኣምኑን እውን ተራኺብኩም ኢኹም፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝረሓቝ እውን፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቝ ዝድርዀም እንታይ እዩ ትብሉ?

እቲ ዘርሕቖም ምኽንያት ብዙሕ እዩ፡ ግላዊ እውን ኽኸውን ዝከኣል እዩ፡ ብሓፈሻኡ ግና ጉድለት ሓቀይና ምስክርነት ክርስቲያን ምዃኑ ክሕብር እፈቱ፡ ሓቀይና መሰኻኽር ክርስቲያንን ካህናትን ጳጳሳትን ምጉዳሉ ዘመላኽት እዩ፡ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ክብል ኣይክእል ይኹን ደኣምበር ንሱ እውን ሓደ ምኽንያት ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ሓደ ጓሳ ኣዋፋሪ ትካል ወይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣዋዳዲ እንተድኣ ኰይኑ፡ እዚ ዓቢይ ጸገም እዩ ዝኸውን፡ ንሕዝቢ ቀረባ እንተድኣ ዘይኰነ ጓሳዊ ምስክርነት ዘይየቕርብ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፡ ጓሳ ምስ ሕዝቢ፡ ኣብ መንጐ ሕዝብን ቅድሚ ሕዝብን፡ ናይ ሕዝቢ ሽታ ዘለልይ፡ ሕዝቢ ሕዝቢ ዝሽትት፡ ብውዕዉዕ ስምዒት ጉስነቱ ዘይነብር እንተድኣ ኰይኑ ግና፡ ሕዝቢ ኣላዪ ዘይብሉ ዝተሓድገ ኰይኑ ክስምዖ ይገብር፡ ዘኽታምነት ክስምዖም ይገብር፡ ናይ ጓሶት ጥራሕ ተዛሪበ፡ ክርስቲያን  ካቶሊካውን እውን ምስሉይ ተዋጋዪ ሕይወት ዝነብር ናይ ሰንበትን ኣቐዳስን ክርስቲያን ጥራሕ ኰይኑ ምስ ዝነብር፡ ንሰራሕተይናታቶም ግቡእ ደሞዝ ዘይኸፍሉ፡ ካብ ግብሪ ንኸምልጡ ቢሎም ብጸሊም ዝኸፍሉ፡ ዝምዝምዙ ክርስቲያን እውን ክህልዉ ዝከኣል እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ካብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ዘርሕቕ ምኽንያት እዩ፡ ዘይትምስክር እንተድኣ ኰይንካ ካቶሊክ እየ ኣይትበል፡ ዘይትምስክሮ እንተድኣ ኰይንካ ካቶሊካዊ  ትምህርቲ ዝተመሃርኵ እየ ግን ኣይነብሮን እንተበልካ ይሓይሽ፡ ንገዛእ ርእሶም ፍጹማን ገርይሮም ዝሓስቡ ካቶሊካውያን የፍርሑኒ፡ ከምቶም ሓጥኣተይናታት ስለ ዘይገበርካኒ አመስግነካ ዝብል ክርስቲያን የፍርሓኒ፡ ኢየሱስ ነቶም ናይ ሕጊ መምህራን ከምዝበሎ እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፡ መንእሰያት ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ኣበርቲዖም ክጽልዩ ተዓዚብና፡ ብዙሓት ክህነታዊ ድዩ ወይ ገዳማዊ ሕይወት ጸዋዕታ ዝስምዖ ክኸውን ይኽእል፡ ንምውሳን ገና ኣይ ዝብል፡ ስለምታይ ካህን ምስጢረ ተክሊል እውን ዘይኣስር፡ እዚ ሓደ መልሲ ክኸውን ዝከኣል ይኸውን ዶ፡ ንስኹም ር.ሊ.ጳ. ትፈቕዱ ዶ ትዀኑ፡ ካህናት ክምርዓዉ? ልክዕ ከምቲ ኣብ ገለ ገለ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ከምዘሎ፡ ኣብ ስርዓት ላቲን’ከ ትፈቕዱ ዶ ትዀኑ?

ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ድንግልና ወይ መርዓ ኣብ ክህነት ዝብል ምርጫ ኣሎ፡ ኣብ ስርዓት ላቲን ግና፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ድንግልና ዝምልከት ሕጊ ቅድሚ ምቕያረይ ኣቐዲመ እንተሞትኵ ክሕሸኒ እዩ፡ ዝበልዎ ሓሳብ እዝክር፡ እዚ ኣብ 1968 ክሳብ 1970 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ጽንኩር እዋን ዝበልዎ ቃል ትብዓት ዝሓትት እዩ፡ ብግለይ ድንግልና ንቤተ ክርስቲያን ጸጋ ምዃኑ እየ ዝኣምን፡ ስለዚህ ድንግልና ሕይወት ከም ኣማራጺ ገርካ ምውሳድ ኣይድግፎን፡ ብምኽንያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክሕሰበሉ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ ቢለ እኣምን፡ ይዅን ደኣ እምበር ጓሳ ንምእመናን እዩ ክሓስብ ዘለዎ፡ ኣባ ሎቢንገር ብዛዕባ ድንግልና/ንጽሕና እተዛረብ ዝደረስዋ ኣግዳሲት መጽሓፍ ኣላ፡ ኣብ መንጐ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውነት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ዘካየድዎ ክትዕ እተቕርብ እያ፡ ቅድሚ ድቁና ድንግልና ዲኻ እትመርጽ ወይ መርዓ ዝብል ድንግልና ከም ኣማራጺ ዘቕርብ ኣገባብ ብግለይ ኣይቅበሎን፡ ፓሲፊክ ደሴት ሕስብ እሞ ነብል፡ ብርግጽ ኣብቲ ቅዱስ ቁርባን ማሕበረ ክርስቲያን እውን ዘይብሉ፡ ኣባ ሎቢንገር፥ ኣብኡ መን ቅዱስ ቁርባን ይስራዕ ቢሎም ይሓትቱ፡ … ኣስዒቦም እንክምልሱ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት’ዚ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ በዓል ሓዳር ማዕርገ ክህነት ምሃብ ዝብል ሓሳብ ከም መልሲ የቕርብዎ፡ እዚ ናቶም ኣመለኻኽታ እዩ፡ ምስጢረ ክህነት ቅዱሳት ምስጢራት ንምስራዕን ዝመርሕ ጓሳን  ዝምህር ጓሳን ቀዳስን ንምዃን፡ ሓደ ጳጳስ ንኽትቅድስ ዘብቅዕ ፍቓድ ክህብ ይኽእል፡ እዚ ናይ ኣባ ሎቢንገር ሰረተ ሓሳብ እዩ፡ ስለዚህ ብሓቂ ዘገድስ መጽሓፍ እዮም ዝደረሱ፡ ምናልባት ነቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላስ ዝድግፍ ይኸውን፡ ብዋሕዲ ክህነትን ጸዋዕታን ኣብቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘይረክብ ከባቢ፡ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ይኹን እምበር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ክመያየጥሉን ክሓትሉን ክተሓተትሉን ኣለዎም እብል፡ ኣብ ናይ  ሓምሳታት ሶውራ ብዙሓት ጳጳሳት ዋሕዲ ክህነት ስለ ዝነበረ ንብዙሓት ሓረስቶት ማዕርገ ክህነት ይሰርዑ ነይሮም፡ ደሓር ግና እቲ ኩሉ ጸገም ሓሊፈ፡ ብሓቂ እቶም ሓረስቶት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ክትርእይ ኣእዳዎም ብማሕረስ ዝተረረ ዝሓርፈፈን፡ መሳጥን ጥልቂ መንፈሳውነትን ዝነበሮ ኵነት ዘንብር ምዃኑ ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ኣባል ምስ ዝነበሩ ኣብ ሓደ እዋን እንክነዋግዕ ንሶም ዘዘንተዉለይ ሓቂ እዩ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዝተራእየ ሓቂ እዩ፡ ምጽላይ የድሊ ምስ በሉ በነዲክቶስ መበል 16 Anglicanorum coetibus - ጉጅለ ኣንጊሊካውያን  ብዝብል ኣርእስቲ ነቶም ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝምለሱ ንዝነበሩ ኣብ ካህናትን (ምስጢረ ተክሊል እውን ዝነብሩ) ነቲ ኣብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመርዓወ ግና ካህናት ኰይኖም ዝነብርዎ ዝነበረ ሕይወት ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ተጸንበሩ ዘይቕየርን ከምቲ ዝነበርዎ ከይኖም ክቕጽሉ ዝፈቅድ ውሳኔ እዩ፡ ልክዕ ከም ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተሉ፡ ሓደ እዋን ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቕረብክሉ ዕለት ብዙሓት ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመልሱ ኣንግሊካውያን ካህናት ዝነበሩ፡ ናይ ክህነት ልብሶም ዝለበሱ ምስ ሓደራርም ደቃቶም ተረኺቦም ከምዝነበሩ ይዝክሩ፡

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስቓይ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝስርዓሉ ስፍራ ብምዃን ኢኻ እትርደኦ

ሓደ ካብቶም ኣብ ፍኖተ መስቀል ዝቐረቡ ጽሎት፡ እቲ ካብ መቓብር ናብ እግዚኣብሔር ነቲ ጨካን ናይ ሰብኣዊ ገበን ዝግዕር ድምጺ፡ ኣብ ማሕጸን ኣዴታት ዝኽፈት መቓብር፡ እግዚኣብሔር ብጽንዓት ሕይወት ናይ ምክልኻል ቆራጽነት ይጸግወናን እቶም ሕይወት ዝቕንጽሉ ሕግታት ሓንሳብ ንሓዋሩ ክስረዝ ይግበር፡ ዝብል ጸሎት ኣሎ፡ እዚ ብሓቂ ሱር ነቀል መርገጺ ዝተነብሮ እዩ፡ ስለዚህ ናይተን ጽንሲ ዝንጽላ ኣዴታት ስቓይ የኽብር ዶ? ምስቲ ንስኹም እተመሓላልፍዎ መልእኽቲ ምሕረት ዝሰማማዕ ድዩ?

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፥ መልእኽቲ ምሕረት ንኹሉን ናብ ኵሉን እዩ፡ ድሕሪ ውድቀት ምሕረት ወትሩ ህልው እዩ፡ ቅድምን ደሓርን፡ ይዅን ደኣ ኣምበር ኣብ ቅድሚ ንሕይወት ዝምልከ ጉዳይ፡ ምሕረት ከይድ እዩ፡ እቲ ጸገም ይቕረ ምባልን ሕድገት ምግባርን ኣይኰነ፡ ስለዚህ ነታ ጽንሲ ከምዝነጸለት እተስተውዕል ኣደ ምስናይ የድሊ፡ ከቢድ ስቓይ እዩ፡ ሓንቲ ኣደ እቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ምልስ ቢላ ክትሓስቦ እንከላ ከቢድ እዩ …. እዚ ኣብቲ ምስጢረ ንስሓ ዝስርዓሉ ቦታ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ምጽንናዕ መቕራብ የድሊ፡ ስለዚህ እየ ድማ ንካህናት ብምሕረት ጽንሲ ምንጻል ኣብ መናዘዚ ስፍራ ክፈትሑ ስልጣን ዝሃብክዎም፡ ብዙሕ ጊዜ እተን ጽንሲ ዝነጸላ ኣዴታት ምስቲ ዝነጸለኦ ዘይተወለደ ሕጻን ክራኸባ ኣለወን፡ ብዙሕ እዋን ከምዚ ምዃኑ ብምርዳእ ነተን ኣዴታት ዝብለን፡ እቲ ሕጻን ኣብ ሰማየ ሰማያት እዩ ዘሎ፡ ምስኡ ተዛረቢ፡ ከምቲ ሓንቲ ኣደ ምስ ወዳ ተካይዶ ርክብ ቃል ገይርኪ ኣዛርብዮ፡ በኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ኣቢልላምስኡ ክትዕረቕ ትኽእል። ምስ እግዚኣብሔር እቲ ዕርቂ ድሮ ከምዘሎ ኰይኑ፡ እግዚኣብሔር ወትሩ ዝምሕር እዩ፡ ስለዚህ ናታ ምትሕብባር እውን የድሊ፡ ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስቓይ ንኽተስተውዕል ኣብቲ ምስጢረን ንስሓ ዝስርዓሉ ስፍራ ምዃን የድሊ፡ ከቢድ እዩ!

ቅዱስነቶኩም ኣብ ፓናማ፥ ንሕዝቢ ቨነዝወላ ቀረባ ምዃንኵም ሓቢርኩምን ንምኽባር ናይ ኵሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቅኑዕን ሰላማውን መፍትሒ ከኣ የድሊ ኢልኩም፡ ስለዚህ እዚ ዝገለጽክምዎ መፍትሒ ነቲ ናይ ቨነዝወላ ርእሰ ብሔር እንክብሉ ገዛእ ርእሶም ዝሰመዩ ብብዙሓት ሃገራት ተፈላጥነት ዝወሃቦም ንዘሎ ዅዋን ጉዋይዶ ኣፍልጦ ብምሃብ ዝብጻሕ ዶ ይኸውን፡ ብዙሓት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሕዝባዊ ምርጫ ክካአድ ይሓትቱ ኣለዉ፡ ሕዝቢ ናትኵም ድጋፍን ምዕዳንን ምኽርን ክሰምዕ ይደልይ ኣሎ?

ቅዱስነቶም ይብሉ፡ ኣነ ንሕዝቢ ቨነዝወላ እየ ዝድግፍ፡ ስለምንታይ ምስቲ ይዅን ምስቲ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ኵነት እቲ ዝሳቐይ ዘሎ ንሱ እዩ፡ ናይቲ ወይ ናይዚ ሓሳብ እየ ዝድግፍ ቢላ ምዝራብ፡ ብዛዕባ ዘይፈልጦ ጉዳይ ርእይቶ ምሃብ እዩ ዝኸውን፡ እዚ ኸይ ግብረ ኖላዊ ጥንቃቔ ምጉዳል ይኸውን፡ እቲ ዝበልክዎን ዝገለጽክዎን ብዙሕ ዝሓሰብክሉን ዘስተንተንክዎን እዩ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቨነዝወላ ዘሎ ኩነት ከቢድ ስቓይ እዩ ዘሕድረለይ፡ ምእንቲ’ዚ እየ ቅኑዕን ሰላማውን መፍትሒ ክረክብ ጻውዒት ዘቕረብኩ፡ ደም ምፍሳስ ከይህሉ እየ ዝሰግእን ዝፍርሓንን፡ ናይ ቨነዝወላ ህልው ኩነት ብዙሕ እዩ ዘተሓሳስበኒ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኵሎምቢያ ሰላም ንምርግጋጽ ዝተኻየደን ጽተበጽሐን እወታዊ ውጽኢት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ከቢድን መሪርን እዩ፡ ሚዛኑ ዝሓለወ ሰብ ምዃን ዝብል ኣዘራባ ኣይፍተወንን፡ ኣነ ሓዋርያን ጓሳን ምዃን እየ ዝደልይ፡ ሓገዘይ ዘድልዮም እንተዀይኑ ቅሩብ እየ ኢሎም።

ምስ መንእሰያት ናይ ምሳሕ መኣዲ ክትቋደሱ እንከለዅም፡ ሓንቲ ኣመሪካዊት መንእሰይ፡ ንስኹም ግብረ ዓመጽን ዘስዕቦ ቅልውላውን ከቢድ ስቓይ ይፈጥረለይ ቢልኩም ከምዝገለጽኩምሎም፡ ሓቢራትና፡ ብዙሓት ኣመሪካውያን ካቶሊክ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ብገለ ገለ ጳጳሳትን ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝተኻሕዱ ኰይኖም ክስምዖምገይሩን ከቢድ ስቓይ እውን ከምዘሕደረሎም ይፍለጥ። ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸዋዕክምዎ ኣኼባ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነታ ዳግም ዝሓንጽ ዘንበርክምሉ ትጽቢታትኩም ተስፋታትኩም እንታይ ይመስል ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡

እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝካየድ ኣኼባ ክህሉ ዝብል ሓሳብ ካብቲ ናይ መማኽርት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ጉጅለ ትስኣቱ መማክርት ብፁዓን ካርዲናላት ርክብ ዝነቐለ እዩ፡ ስለምንታይ ብዙሓት ጳጳኣትን ጓሶትን ብዛዕባ ዓመጽ ዝምልከት ጉዳይ ከም ቤተ ክርስቲያን እንታይ ክንገርብ ብግለይ ገለ እንተሰንኩ ከይጋገይ ወይ ጸገም ከይፍጠር ካልእን ዝብሉ ንዘቕርብዎ ዝነበረ ሕቶ መልሲ ንምሃብ እውን እዩ፡ ስለዚህ ከም ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እቲ ናይ ስቓይ ምኽንያት ዝዀነ ኣስተውዕሎ ክህሉን ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ሕጻን ስቓዩ ምስትውዓልን የድሊ፡ ብዙሕ እዋን ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ብግሊ ይቕበልን የዘራርብን፡ ሓደ ብዝወረዶ ዓመጽ ምኽንያት ነርበዓ ዓመት ዝኣክል ካብ ጸሎት ንኽርሕቕ ከምዝገበሮ ዝበለኒ ቃል ይዝከረኒ፡ እዚ ብሓቂ ከቢድ ስቓይ እዩ፡ … ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸረ ዓመጽ ዝግበር ጉዕዞ ንምምልኻት እዩ፡ ጳጳስ ድዩ ሜጥሪፖሊታድዩ ኩሉ ቤት ምኽሪ ብፅዓን ጳጳሳት እውን፡ ቅድም ቀዳድም ግና እቲ ዓመጽ ምስውዓልን የድሊ፡ ስለዚህ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ቃል ምስክርነቶም ዝእንገደሉ ርክብ እውን እዩ፡ ካብዚ ብዝነቐለ ኣስትውዕሎ መሰረት ግብረ ንስሓ ምፍጻም፡ ትጽቢታትካ ክንየው ሓቅነት ዘይምሕሳብ እዩ፡ ደሓር ኣወዳድቓኻ ከይኸፍእ፡ ኣብ ዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ማሕበራዊ ጉዳይ እዩ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዘንበብክዎ ሓደ ጸብጻብ ክምዝሕብሮ፡ ካብ ዝተፈጸሙ 50 ሚእታዊ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንሕጊ ቀሪቡን ፍርዲ ዝተወሃቦም ን5 ክስታት ጥራሕ እዩ፡ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ነዚ ጸገም መፍትሒ ንኽረክብ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ንሕብረተሰብ ኣባይቲ ስድራን ንሕግዝ፡ …. እቲ ጸገም ምስትውዓል ስርዓት ዝሓለው ናይ ውሳኔ ስምምዕ ምኽዋንን የድሊ።

ስደተይናታን ተመዛበልንት ናይ ሕብረተሰብ ቅልውላው ምኽንያት እያቶም ቢልካ ምሕዛብ ብዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ምንባቦም ዓቢይ ዘሕዝን ተግባር እዩ ኢልኩ ቅድም ክብል ገሊጽኩም፡ ኣብ ኢጣሊያ ዝተፈላለዩ ማእለዪ ስደተይናታት ክዕጸዉን ንኣብነት ኣብ ካስተልኑዎቮ ዶ ፕርቶ ዝነበረ ንስኹም እውን ብቐረባ እተፈልጥዎ መእለዪ ስደተይናታ፡ ኣብቲ መእለዪ ስደተይና ኣብ ዘአንገዶ ሃገርን ሕብረተሰብን ተወሃሂዱ ንኽነብር ዘብቕዖ ኣንፈት ዝረኽበሉ ዝነበረ እዩ፡ ሕጻናት ስደተይናታት ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዝግበር ኣውን እዩ፡ ምዕጻዉ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ?

ኣብ ኢጣሊያ ብዛዕባ ዝኸውን ዘሎ ጉዳይ ክሰምዕ ጸንሔ እየ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ተዋሒጠ እየ ዝነበኩ፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ብርግጽ ብቐረባ ዝፈልጦ እውን ኣይኰነን ዝሰምዖ ዘለኹ እዩ፡ እዚ ከምዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ጸገም ኣዚዩ ዝተሓላለኸ እዩ፡ ስለዚህ ተዘክሮ ምግባር የድሊ፡ ንሎማውያን ጸገማ ንምፍታሕ ትዘክሮ ምግባር ይሓትት፡ … ነፍሲ ወከፍና ሃገረይ ናይ ስደትይናታት ውጽኢት ድያ ቢሉ ይሕተት፡ ኣንሕናር ኣርጀንቲናውያን ኵላትና ስደተይናታት ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ ዝነብሩላ ሃገር ኢና፡ ሕቡራታት መግስታት ኣመሪካ እውን ከምኡ ኵሎም ስደተይናታ፡ ንኽትቅበል ብዝተኸፈተ ልቢ ምቕባል፡ ንስደተይናታት ምስናይን ክዓብዩ ምድጋፍን ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ምስና፡ መንግስታት ጥንቃቔ ኽገብሩ ይግባእ፡ ጥንቃቔ ዓቢይን ክቡርን ተግባር እዩ፡ ኣብ 70 ስዊድን ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ምልካውያን መንግስታት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዙሓት ስደተይናታት ዘአንገደት ሃገር እያ፡ ኵሉን ምስቲ ዘአገዶም ሃገርን ህዝብን ተላልዮምን ገዛእ ርእሶም ኣላልዮን ንኽነብሩ ኩነት ትፈጢሩሎም ተወሃሂዶም ዝነብሩ እያቶም፡ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ስዊድን፡ እቶም ዝኣትዉ ዘለዉ ገና ንኽወሃሃዱ ነካይዶ መደብ ገና ስለ ዘይተጠናቀቐ ሓንሳብ ቀስ ንበል ዝብል መግለጺ ኣቕሪቡ እዩ፡ እዚ ጥንቃቔ ይበሃል፡ ጸገም ንኸይፍጠር ዝድግፍ፡ ፍቕርን ሓልዮት ምትሕብባርን የድሊ፡ ኢጣሊያ ግሪክ ቱርኪ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል፡ ካልእ ከምዝመስለኒ ናይ ስደተይና ጸገም ንኽፍታሕ ስደተይናታ ናብ ዝመጹለን ሃገራት መደብ ምዕባለን ሓገዝን ሕንጸትን ምስላጥ የድሊ፡ ታርኽ ዝምስክሮ እዩ ኣፍሪቃ ብዙሕ ምዝመዛ ዝወርዳ ሃገር እያ፡ ኣፍሪቃ ምምዝማዝ የድሊ    ! ክንደይ ዝሰንብ ኣበሃህላን ተግባርን እዩ፡ ዘሕምም እውን፡ ስለዚህ ካልእይ መገዲ ምምሃዝ የድሊ፡ ሊባኖስ ሕስብ እሞ ነል፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተይናታ ሶርያውያን ተአንግድ፡ ዮርዳኖ እውን ዝከኣለ ትገብር ኣላ፡ ትርኪ እውን ከምኡ፡ ኣንሕና እውን ኣብ ኢጣሊያ ዘአንገድናዮም ኣለዉ፡ እቲ ጉዳይ ስደተይናታት ዝተሓላለኸ እዩ፡ ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ምምልካቱ የድሊ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና በዚ ኣገባብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም፡ ንዅሎም ስለ ዕዮኦም ኣመስጊኖም፡ ኣብ ፓናማ፡ ሃገረ ፓናማ ክቡር ሃገር ምዃን ብጥልቂ ዝተሰመዓኒ መንፈስ እዩ፡ ልዕልቲ ሃገር እያ፡ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ዘይረኣኽዎ መንፈስ እዩ፡ ክቡር ምዃን፡ ወለድታት ንግሆ ተንሲኦም ንውላዶም እናመልከቱ፡ እዚ ዓወተይ እዩ፡ እዚ ኵርዓተይ እዩ፡ እዚ መጻእየይ እዩ ክብል ትሰምዕ፡ እዚ ክቡርነት’ዚ ኣብቲ ወሊድነት ትሕቲ ዘሮ ኣብ ዝዀነሉ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ክትሓስብን ከተስተንትንን ዝድርኽ እዩ፡ ኣበይ እዩ እቲ ኵርዓተይ? ኣብ መስህ በጻሕትን ዕረፍትን ሕንጻን ዘቤት እንስሳታት ወይ ኣብ ውላድ? ንሕሰበሉ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስቓይ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝስርዓሉ ስፍራ ብምዃን ኢኻ እትርደኦ
29 January 2019, 14:53