ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ኣበጊሶም

ቅዱስ ኣቦና እቲ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ዘቕረበላ ሕቶ እናሓሰቡ፡ ኣብዚ ፍቕሪ’ዚ ትኣምኑዶ እንክብሉ ነቶም መንእሰያት ሕቶ ኣቕሪቦም፡ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ኣብ ማሕጸንኪ ከተንብርዮ ትፈቕዲ ዶ፣ ሕይወት ክህልዎ መታን፡ ስግው ክኸውን መታን ቢሉ ይሓትታ

ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተን ርብዕን ብናይ ፓናማ ከኣ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ስዓት 11 ርብዕን ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ ዛዚሞም ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ብምዃድ ኣብኡ ምሳሕ ተቛዲሶም ድሕሪ ሓጺር ዕረፍቲ ብወግዒ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንምኽፋት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት 10፡45 (ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 04፡45 ምዃኑ እዩ) ክፍለ ከተማ ቺንታ ኮስተራ ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ቅድስተ ማርያም ዘኣንቲጉዋ ተበጊሶም ኣኣብኡ ድርሒ 45 ደቓይቕ ምስ በጽሑ ሰላምታኦም ንምቕራብ ንኣስታት 6 ኪሎ ሜትር ዝግመት ዑደት ፈጺሞም ብቐጥታ ናብቲ ዝተሰናደወሎም ናይ ክብሪ ቦታ በጺሖም፡ ናይ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ወግዓዊ ሰንደቕ መዝሙር ምስ ተሰምዐ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ዶሚንጎ ኡዮኣ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃሎም ምስ ኣስምዑ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ሓሙሽተ መንእሰያት ንቕዱስነቶም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ናይ ዝተፈላለያ ክፍለ ዓለም ባህሊ ዝገልጽ ገጸ በረከት ምስ ቀረበሎም፡

ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1-11 ምስ ተነበ፡ ቅዱስነቶም ነቶም 250 ሺሕ መንእሰያት፥ “መምሃራንን ኣንጠረይናታት ናይ ርክብ ባህሊ ሓነጽትን ናይቲ ኢየሱስ ዝብል ናይ ሓባር ሕልምናን ርእየትናን ንኽንዕቅብ እትገብሩን ኢኻትኩም” ዝብል ሓሳብ ዘብገስዎ ቃለ ምዕዳንብምቕጻ፥

እዚ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ተዛዚሙ ናብ ቤት ምስ ተመለስና እቲ ኣሕዋት ዝገብረና ሕልሚ ንዓቅቦ ሓድራ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንረኸብን ንሃሉን፡ ንላዕሊ እናጠመትና፡ ኦ ጐይታ ከምቲ ንስኻ ዘፍቀርካኒ ገይረ ከፍቅር መሃረኒ ንበሎ፡ እንክብሉ ነቶም ካብ 250 ሺሕ ንላዕሊ ንዝግመቱ ኣብ ዙርያኦም ንዝተኣከቡ መንእሰያት ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 34-35 ዝተጻሕፈ ኢየሱስ ካብ ሓዋርያቱ ክሰናበት እንከሎ ዝበሎምን ዘቕረበሎም ሓድሽ ትእዛዝ፥

… እወ ንሓድሕድኵም ክትፋቐሩ፡ እወ ከምቲ ኣነ ዘፍቅርኩዅም ጌርኩም ንሓድሕድኵም ምእንቲ ክትፋቐሩ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኵም ኵሉ ኪፈልጥ እዩ!

ይጠቕሱ።

ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ማርያማዊ ሰንደቕ መዝሙር፡ “ከም ዝበልካኒ ይዅነለይ”

እቲ ኣደባባይ ቅድስተ ማርያም ዘኣንቲጉዋ በቶም ኣብ ዙርያ ቅዱስ ኣቦና ዝተኣከቡ መንእሰያት ካበይ ከምዝበጹ ዝሕብር ብዝተፈላለየ ብዘንበልብልዎ ሰንደቕ ዕላማን፡ ባህልታቶምን ሓጐሶምን ህብረ ሕብራዊ ኰይኑን ሓሴት ዝቃልሓሉን፡ በቲ ከም ዝበልካኒ ይዅነልይ ዝብል ናይቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሰንደቕ መዝሙር ጥዑም ቅንይት ተመሊኡን ክዝመርን ቅዱስነቶም እናተዘዋወሩ ሰላምታኦም የቕርቡ፡ ድሕሪ ካብቶም ሓሙሽተ መንእሰያት ዝቐረበሎም ገጸ በረከት፡ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ትእምርቲ ዝዀነ ዓቢይ ምስቀልን ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም መድሕን ሕዝበ ሮማ ብዝብል ስም እትፍለጥ ምስሊ ማርያም ዝተሰከሙ መንእሰያት ክሳብ እቲ ናይ ክብሪ ቦታ ዑደት ፈጺሞም ምስ ኣብቅዑ እቲ ዓቢይ መስቀልን ምስሊ ቅድስቲ ማርያምን ምስ ተነብረ፡

ብፁዕ ኣቡነ ኡዮኣ፥ እቶም ድኻታት መንእሰያት ምስ ካልኦት መንእሰያት ይራኸቡ

ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ዶሚንጎ ኡዮኣ መንዲየታ፡ ንቕዱስ ኣቦና ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃሎ ኣቕሪቦምን ምዅሎም ነቶም መንእሰያትን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኢሎም፡ ንቅዱስ ኣቦና እዚ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ምግባሮም ንመላእ መንእሰያት ማእከላይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብፍላይ ነቶም ዝተነጸሉን ኣብ ድኽነትን ሕሰምን ንዝርከቡ መንእሰያት ምስ ካልኦት መንእሰያት ክራኸቡ ዕድል ስለ ዝፈጠርሩ ኣመስጊኖም፡ ሕልምታትን ውጥናትን ብድሆታትን ብምክፋል፡ መንእሰይ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ሕዳሴ ምዃኖም ዝሕብር ቃሎም ምስ ዛዘሙ፡

ብጉናስ ደቀባት ፓናማ ብኢድ ዝተኣልመ ጠሊሳን ገጸ በረክት ቀሪቡሎም ካልኦት ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ኣውን ዝተፈላለዩ ገጸ በረኸት ንቕዱስነቶም ከቕርቡን፡ እቲ ናይ 2000 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሮማ ኣማኑኤል ዘርእስቱ ሰንደቕ መዝሙር ብሽዱሽተ ድምጺ ክዝመርን፡ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ሕጻን ሓድሽ ኪዳን ሓፍ ኣቢላ ዝሓዘትን፡ ኣርባዕተ መንእሰያት ካብ ቅዱስ ሮመሮ ክሳብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ናይ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሓለውቲ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ዘዘንትዉ ትርኢት ምስ ቀረበ፡ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 2. 1-11 መርዓ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዘዘንትው ቃል ምስ ተነበ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብ ቃለ ምዕዳን ክልግሱ፡  ኣብዚ ዝተኣከብና ምስታ ዘላትና ቤተ ክርስቲያን ካልእ ማዕረ ማዕሬኣ እትኸይድ ቤተ ክርስቲያን ንኽንከውን ኣይኰነን ምስ በሉ ምልስ ቢሎም እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ዝዘተየ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጠቒሶም፡ ብሓባር ምሳዅም ኰይንና እቲ ቀጻሊ ሕዳሴን ውዕዉዕ መንፈስ መንእሰይን ዝዓሰላ ቤተ ክርስትያን ክንረክብን ነበራብርን፡ እዚ ክኡል ዝኸውን ግና ብሓባር እንጓዓዝን ንሓድሕድና ጽን ንበሃሃልን ንሰማማዕን ሓድሕዳዊ ተማላእነትን ነሕዋት ኣብ ምግልጋልን ወንጌል ንምስክር እንተድኣ ኰይና ኢዩ፡ ኣገልግሎት ብተግባር ንረኣዩለይ ዘይፍጸም ተግባር።

ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ደቀባት ማእከላይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብጹሕፍ ዘቕረብዎን ዝነበረ ቃለ ምዕዳን ሓዲጐም ነቶም ደቀባት ላቲን ኣመሪካ እናሓሰቡ፡ ንሳቶም ኣብቲ ከባቢ ቀዳሞት ተጓዓዝቲ ምዃኖም ገሊጾም፡ ቀዳሞት ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣብዚ ርክብ ቀዳሞት፡ ቀዳሞት እግሮም ዘበገሱ እንክብሉ እዚ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ቅድሚ ምክፋቱ ቁሩብ መዓልታት፡ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ቀዳሞት ተወለድቲ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሶሎይ ከምዘካየዱ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድሜና ነዚ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መእሰያት ዘበገሱ እያቶም እንክብሉ ይገልጽዎም።

ንስኻትኵም ናይ ምርኻብ ባህሊ መምሃራን ኢኻትኵም

ንዅላትንኩም ናብዚ ንምምጻእ ቀሊል ኣይነበረን፡ ይዅን ደኣ እምበር ከም እውነተይና ደቀ መዛሙርቲ ንኽትጓዓዙን ንስግኣት እውን ከይፈራሕኩም ዝመጻእኩም ኢኹም፡ ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ሕዝብታትን ዝመጻእኩም፡ ብዙሕ ዝፈላልይ ዘለኩም እውን እንተዀነ እዚ ፍልልይ’ዚ ግና ንኸይንራኸብን ብሓባር ንኽንሕጐስ ኣይዓገተናን፡ ስለምታይ ኣሕዋት ንኽንከውን ዝገበረና ስለ ዘሎ።

ክቡራተይ ንኽትራኸቡን ናብዚ ንኽትመጹን ብዙሕ መስዋዕትነት ከፊልኩም ኢኹም፡ በዚ መገዲ እዚ ኢኻትኩም እውነተይና መምሃራንን ናይ ምራኻብ ባህሊ ሰራሕትን እትዀኑ፡ ብኵለንተናኹም ብፍላይ ከኣ ብዘለኩም ርህሩህ መንፈስ ነቲ ንምግምማዕ ኣሚቱ ዝንዛሕ ዝንጽልን ነቲ ከማኻ ዘይኰነ ዘርሕቕ ዲስኩር እተሕፍሩን እተሕስሩን ኢኻትኩም፡

በነዲክቶስ መበል 16፥ እውነተይና ፍቕሪ ፍልልያት የሳንይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲቶስ መበል 16 ዘኪሮም፡ ብተለቪዥን ይከታተሉና ኣለዉ፡ ብሓባር ፍቕርና ብጣቕዒትንግለጸሎም ምስ በሉ ኵሎም መንእሰያት ፍቕሮም ብጣቕዒት ምስ ገለጹ፡ እውነተይና ፍቕሪ፡ ፍልልያት ናብቲ ዝለዓለ ሓድነት የሰንይ እንክብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም፡ ሰይጣን ናይ ሓሶት ኣቦ እዩ፡ ብሓባር ካብ ዝዓዪ ህዝቢ ዝተገማመዔን ዝተባእሰን ሕዝቢ እዩ ዝደልይ፡

ናይ ሰብ መለዪ ሚዛኑ ካብ ፈላላይ መናድቕ ዘራኽብ ድልድል ሓናጽነቱ እዩ፡ እቶም ምግምማዕ ዝደልዩ ፍርሒ ዝዘርኡ ፈላላይ መናድቕ ዝሓንጹ እያቶም፡ ኩሉ ተፈራሪሑ ክነብር ዝገብሩ። ንስኻትኵም ግና ዘራኽብ ድልድል ንምሕናጽ እትደልዩ ኢኻትኵም።

ኢየሱስ እተሰምየ ናይ ሓባር ሕልሚ

ብዙሕ ፍልልያት ዘሎናን ዝተፈላለየ ቋንቋ እንዛረብ ኢና፡ ኵላትና ዝተፈላለየ ራእይ ዘሎና ኢና፡ ይዅን ደኣ እምበር ናይ ሓባር ሕልሚ ይሃልወና ሓደራኹም፡ እቲ ኢየሱስ ክሳብ ኣብ መስቀል ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበሉ፡ ኣዚ ሕልምና ይኹን፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ብእማኖት ዝዘረኦ ዝጥጥዕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ዝነብር፡ ኢየሱስ እተሰምየ ናይ ሓባር ሕልሚ፡ ኣብ መትንትትና ዝውሕዝ፡ ልባትና ዘዋዓውዕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ክንሰምዖ እንከሎና ልብና ብሓሴት ዝመልእ፡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ክሰናበቶም እንከሎ ዝሃቦም ቃል ኑዛዜ፡ ዮሓንስ ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 34-35 ከምዝገልጾ

እወ ንሓድሕድኵም ክትፋቐሩ፡ እወ ከምቲ ኣነ ዘፍቅርኩዅም ጌርኩም ንሓድሕድኵም ምእንቲ ክትፋቐሩ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኵም ኵሉ ኪፈልጥ እዩ!

ዝብል እዩ።

ቅዱስ ሮመሮ፡ ክርስትና ሓደ ሰብ እዩ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ዘኪሮም፡ ሮመሮ፥ ክርስትና ክትኣምኖ ናይ ዝግብኣካ ሓቅታት ወይ ክትፍጽሞ ናይ ዝግብኣካ ሕግታት ወይ ግብር ኣይትግብ ናይ ዝብል ትእዛዝት ጥርናፈ ኣይኰነን፡ ስለዚህ ከምዚ ስለ ዘይኰነ ከኣ ማራኺ እዩ፡ ክርስትና ዘፍቀረንን ፍቕሪ ዝምነንን ዝሓትትን ሓደ ሰብ እዩ፡ ክርስትና ክርስቶስ እዩ ዝበልዎ ዓሚዩቕ ትምህርቲ ጠቒሶም፡ እቲ ስለይ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ ዝብል ሓቂ ወትሩ ሒዝካዮ እትጓዓዝ ሕልሚ ክኸውን ኣለዎ፡ በቲ ንሱ ዘፍቀረኒ ፍቕሪ ከፍቅር ዝብል ሕልሚ።

ፍቕሪ ክርስቶስ ውሁዳት ይገብረና

ቅድስነቶም ኣስዒቦም፡ እንታይ እዩ እቲ ኣብ ሓድነት ዘንብረና፡ እንታይ እዩ ንኽንራኸብ ዝደረኸና፡ እንክብሉ ነቶም መንእሰያት ይሓትቱ እሞ፡ መን እዩ ዝምልሰለይ …  መልሱ እምበኣር ከስ፡ እቲ ኣቐዲምናን ኣብ ምፍቓርና ዘሎና ርግጸይናነት እዩ፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ከኣ ነቲ ምፍቓርና ብተራና እውን ብምፍቃር ንኽንነብሮ ይድርኸና፡ ብጸቕጢ ዘይቐርብን ዘይዕበጥን ፍቕሪ፡ ዘይንጽል ኣፍ ዘይዓብስ፡ ዘየዋርድ ዘይዕብልል ፍቕሪ፡ ናይ ጐይታ ፍቕሪ፡ ዕለታውን ምቕሉልን ኣኽባርን እዩ፡ ፍቕሪ ናይ ናጽነትን ንናጽነትን ዝፍውስን ክብ ዘብልን ፍቕሪ።

ካብ ምውዳቕ ምትንሳእ ኣብዚሑ ዝፈልጥ። ናይ ዕርቂ እምበር ግበር ኣይትግበር ዝብል ስርዓት ዘይኰነ፡ ካብ ምውጋዝን ምዅናንን ካልእ ዕድል ዝልግስ፡ ናይ መጻኢ እምበር ዝሓለፈ ዘይጥምት፡ ንምግልጋልን ንምውፋይን ኢድ ዝዝርግሕ ፍቕሪ፡ ንምፍቃር ኣይትፍርሑ፡ እቲ ጭቡጥ ዝዀነ ለዋህን ሓላይን ዘገልግልን ሕይወቱ ዝህብ ፍቕሪ ኣየፍርሕኩም።

ማርያም ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ሕይወት ሃበት

ቅዱስ ኣቦና እቲ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ዘቕረበላ ሕቶ እናሓሰቡ፡ ኣብዚ ፍቕሪ’ዚ ትኣምኑዶ እንክብሉ ነቶም መንእሰያት ሕቶ ኣቕሪቦም፡ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ኣብ ማሕጸንኪ ከተንብርዮ ትፈቕዲ ዶ፣ ሕይወት ክህልዎ መታን፡ ስግው ክኸውን መታን ቢሉ ይሓትታ ንሳ ከኣ፥

እኔዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፡ ከምቲ ዝበልካኒ ይዅነለይ፡ ቢላ መለሰት፡ ልክዕ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና እቲ መልኣኽ ዘቕርበልና ዘሎ ሕቶ እዩ፡ ሕዚ ሕልሚ’ዚ ሕይወት ክህልዎ ትደልዪ/ትደልይ/ንደል ዶ? ክስገውን ኢድን እግርን ዓይንን ክህልዎ ትደሊ ድ? ርእየት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓድሽ ኩርናዕ ዝኸፍት ዝሕስብን ብርሑቕ ዘሎን ዝሕለምን ገና እትጽበዮን ዘይኰነስ፡ ልቢ ዘወዓውን ብሓሴት ዝመልእን ፍቕሪ ክኸውን ትደል ዶ?

ኣሕዋት ዝገብርና ሕልሚ፡ ከምቲ ጐይታ ዘፍቀረና ገርና ምፍቃር

ክቡራት መንእስሰያት፡ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳኖም፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ናይ ሓደ ሓድሽ ስምምዕ ንዝገበረሉን እትምርሓሉን ሕግን መርሓ ግብርታት ንዝተብሮ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘቕርብ ተስፋ ዘይኰነስ እቲ ተስፋ ዘቕርብ ወጅሂታትኵምን ጸሎትኩም እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ምስ ካልእን ምስ ጐይታን ክንራኸብ እንከሎና ዝውለድ ሓድሽን ውዕዉዕን ሓይሊ ሒዝና ኢና ካብዚ እንኸይድ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣሕዋት ዝገብረና ሕልሚ ሒዝናን ኣብ ልባትና ንኸነደስክሎ ኣይኰነ።

ኣብ ዝዀነ ይዅን ቦታ ንረኸብ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕዮታትና ንሃልው፡ የዕንትና ንላዕሊ ገርና፡ ኦ ጐይታ ከምቲ ናትካ ምፍቃርን ኣፈቓቕራን መሃረኒ ንበሎ፡ ብሓባር እዛ ቃል ክትደግምዋ ትደልዩ ….  ኦ ጐይታ ከምቲ ናትካ ምፍቃርን ኣፈቓቕራን መሃረኒ!

ምስ በሉ ቅዱነቶም ደጊሞም ነዚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብውዕዉዕን ብዓቢይ ሓጐስን ዘሰናደዉ አመስግን፡ ንናይቲ ደቁ ሓቢሮም ክርእይ ዝብል ንናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ሕራይ ብምባልኩም አመስግን፡ ነቶም እዚ ሎሚ ኣብ ፓናማ እንነብሮ ዘሎና ካብ ዝፈላልይ መናድቕ ኣቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ካልኦትን ብዙሓትን መራኸብታት ዝረኸበሉ ነቲ ኩሉ ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ዓለም ዘሎ ዝነቐጸ መሬት ዘመስንው ዘራኽቡ ድልድን ንኽንከን እዚ ኸኣ ኣብ ፓናማ ንኽፍጽም ንዘሰናደኹም ንኣኹም ብፁዕ ኣቡነ ኡዮኣን ንዅሎምተሓባበርትዅምን አመስግን የቐንየለይ።

እንክብሉ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ኣበጊሶም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብወግዒ ኣበጊሶም
25 January 2019, 17:59