ፍኖተ መስቀል፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ሎሚ እውን ኣብ ዘይተገዳሲ ሕብረተሰብ ናይ ኢየሱስ ስቓይን መከራን ይቕጽል

ኣብ ቅድሚ እዚ እዋናዊ ስቓይ ኢየሱስ መልሲ ፍጥረት ሰብ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ሕቶ የቕርቡ

ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ሓምሳን ደቓይቕ (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ሓምሳን ደቓይቕ) ካብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየድሉ ማእከል ደ ኩምፕሊሚየንቶ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ቤት ማሕቡስ ተሰናቢቶም፡ ብሄሊኮፕተር ካብ ፓኮራ ናብ ፓናማ ወተሃደራዊ መዓርፎ ሄሊኮፕተር በጺሖምን ፍርቂ መዓልትን ዕስራን (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ኣጋ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተን ዕስራን) ኣብ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ በጺሖምን ምሳሕ ተቛዲሶምን ግላዊ ዕዮ ኣሳሊጦም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ልክዕ ሰዓት ሓምሽተን ርብዕን በቆጻጽራ ሰዓት ፓናማ (ብሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ምሸት ሰዓት 23፡15) ብመኪና ተጓዒዞም ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ስዓት ሓሙሽተም ፈረቓን (23፡30 ብናይ ሮማ) በጺሖም ብናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ምኒስትራትን ተሰንዮን ኣብ ክፍለ ከተማ ኣደደባባይ ቅድስተ ማርያም ዘኣንቲጉዋ ብቺንታ ኰስተራ ኣብ ዝካየድ ፍኖተ መስቀል ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ኣብቲ ልዕሊ 400 ሺሕ መንእሰያት ዘሳተፈ ጸሎት ፍኖተ መስቀል መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ቅዱስነቶም፡ ተነጺሎም ተረሲዖም ኣብ በይናውነት ኩነት ዝጓዓዙን ሎሚ እውን ብዝሓት ኣሕዋትና ከማና ደቂ እግዚኣብሔር ክነሶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ስቓይ ብዙሓትን በቲ ኣብ ዘይተገዳስነት ዓይነት ኣገባብ ምንባር ዝደንዘዘ ሕብረተሰብና ዘሳቐዩን ዝትንትን ብዕምቆት ፈልዩ ዘስተውዓለ ስብከት ለጊሶም።

እቲ ዘሕዝን ሎሚ እውን ኣብ ጉዕዞ በይናውነትን ብሕትውናን ኣብ ስቓይን ንስቓይን ንገዛእ ርእሶም ተሓዲጐም ዝጓዓዙን፡ ቤቶምን ንብረቶምን ሃገሮምን ዛሕዚሖም ዝስደዱን፡ ብዙሓት ሰብኣዊ ክብረን ዝተቐንጠጣ ደቀንትዮን ሕልሞምን ተስፋታቶምን ዝተመዝዑ መንእሰያትን ከም ውዳቕ ዝተሓድጉ ኣረጋውያንን ዝምዝመዙ ሕጻናትን ናይ ምውላድ መሰሎም ዝተነፍጉን ዝብሉ ማሕበራውን ሰብኣዊ ስቓያትን ዘርዚሮም፡ እዚ ዅሉ ዘይተገዳስንትን ሸለል ምባልን ባህሊ ኣብ ቅድሚ ዝስዕብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ እዩ፡

እዋናዊ ስቓይ ፍጥረት ሰብን ምህዳርን ዝትንክፍ ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዘርዚሮም፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ስቓይ’ዚ እውን እቶም ኣዕሩኽ ጐይታ ኢና ዝብሉ እውን ዘለዎም ሓላፍነት ዘመላኸቱ ቅዱስነቶም፡

ኣንሕና እውን ኵላትና አዕሩኽ ጐይታ ኢና ንብል፡ በቲ ህልው ንኻልእ ዘይምጋድስን ስለ እቶም ዝሳቐዩ ዘይምንቅስቓስ ዝብል ባህሊ ገዛእ ርስና ዝሓደግና፡ ምምስሳል ዝብል ባህሊ ዝሰዓረናን ዘልመሰናን፡ ኣብ ዝሳቓይ ኣሕዋትና ንኸነለልየካ እዚዩ ዝኸበደና፡ ንኸይንርእይ ገጽና ዝኸወልና፡ ንኸይሰምዓካ ኣብ ጫዋጫውታ ዝተዓቖብናን ናባኻ ንኸይንግዕር ኣፍና ዝዓበስናን

ኣብ ዓለቐይናነት ባህሊ ምርዅ ምዃን ቀሊል እዩ

ሎሚ ከም ቀደም ታሪኽ ይደጋገም ኣሎ፡ ኣብ ሓደ ዓይነት ፈተና፡ ናይ ተዓዋትን በዓል ዲልን ዓርኪ ምዃን፡ ናብ ዓለቐይናነትን ናብ ናይ ዓመጸይናነትን ምፍርራሕን ባህሊ ምባል ቀሊል እዩ፡ እቲ ዅሉ ዝተጠቕሱ ምርጫታት ነቲ ጐይታ ኣብ መስቀል ኰይኑን ገዛእ ርእሱ ምስቲ ዝሳቐይ እናመሳሰለ ዘቕርቦን ብቓልን ሕይወትን ዘመላኸቶ መገዲ ምንባር ዝጻረር እዩ፡ ንሑቕፎናን ንርህራሄናን ንባርዀትናን ብዝገደደ እውን ድኻታት ምዃኖም እናፈለጥና ዘይግብኦም ቢልና ርሒቕናዮም ንሓልፍ።

ናይ መስቀል ስቓይን ኣብ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረ ህልው ኰይኑ ኣሎ

ናይ ወድኻ ናይ መስቀል መገዲ ሎሚ ኣውን፡ ኣብ ገዓር ናይቶም ዝጭወዩ ሕጻናትን ንኸይውለዱ ዝንጸሉን፡ ኣብቶም ናይ ዕሸልነትን ኣብ ስድራ ቤቶ ምዕባይን ስድራ ቤት ክህልዎምን ሕንጸት ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሎን ክብሮምን ዝገሃሱን፡ ኣብተን ዝምዝመዛን መጋበርያ ዓመጽን ዝዀናን ዝቕንጠጣን ሰብኣዊ ክብረን ዝተነፍጋን፡ ኣብ እቶም መጻኢ ሕይወቶም ብዘይ ስራሕን ብዘይ ሕንጸትን ንኽነብሩ ዝግደዱ መንእሰያት፡ ኣብ ወጅሒ ብዙሓት መንእሰያትን፡ ብኢድ በቶም ዙሓት ንሕስያ ዘይብሎ ጉጅለታትን ንጐይታ ነገልግል ኢና ዝብሉ መገዶም ኣብ ናይ ዝሰሓቱ መጻወዲያ ዝወድቁን፡  መዝመዝትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ዓማጽያንን ኣብ ዝባን ሕይወት መንእሰይ ዝነብሩን ስቓይ ናይ ወድኻ ፍኖተ መስቀል ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቶም ናይ ምሕላም ብቕዓቶም ዝተሰርቁን ንምምስሳል ዝብል ባህልን ዝተማርኵ፡ ብምጥቓም ዕጸ ፋርስን ጽባሕ ዝፈጥሩን ዝምሕዙን ክነሶም ድሮ ጥሮተይናታት ንኽዀኑ ኣብ ዘተገዱ መንእሰያት ሕይወት ናይ ወድኻ ፍኖተ መስቀል ይቕጽል ኣሎ

ናይ ምንባዕ ብቕዓቱን ዘጥፍኣ ሕብረተሰብ

ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ፡ ኣብ እዋንና ናይ ጐይታ ፍኖተ መስቀል ክቕጽል ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ዓለምን ሕዝቢ ዓለምን ዝኽተሎ ከይዲ ዘርዚሮም፡ ንኣብነት ኣክንዲ ምትሕብባር ካብቲ ሕልፊ ትርፊ ዘለዎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝረኽቡ፡ ምንጻግን ስቓይን ሓሳርን፡ በቲ ዘለዎም ስቓይን መከራን ናይ ዝዀነ ይዅን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጸገም ማሕበራዊ ስቓይን ምኽንያትን ተገይሮም እውን ይሕሰቡ፡ ብሕትውና፡ ብዙሓት መንእሰያት ከምኡ እውን መሬቶም ሃብቲ መሬቶም ዝምንዝዑ ደቀባት ሃገርን ጋዕሪ ናይ ኣደ መሬትን፡ ብከላ ኣየርን ሃብቲ ማያትን ዝዓበደ ኣህላኺ ባህልን ዘስዕቦ ኵለ መዳያዊ ጸገምን፡

ኦ እግዚኣብሔር ናይ ወድኻ ፍኖተ መስቀል ሎሚ እውን ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብቲ ምሕዛንን ናይ ካልእ ስቓይ ናቱ ንምግባ ዝተሳእኖ ናይ ምንባዕ ሰብኣዊ ባህርይ ኣብ ዘጥፍኤ ህብረተሰብን፡ ኢየሱስ ሎሚ እውን ኣብዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብ ቅድመና ሸለል እናተባህሉን ዝርእዮም ኣብ ዝስእኑ ስቓዮም ስቓዩ ገይሩ ይጓዓዝ ኣሎ፡

ብሕብረተሰብ ዘይርኡያት ዘይርአዩን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ብምስትንታን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ እዋናዊ ስቓይ ኢየሱስ መልሲ ፍጥረት ሰብ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ሕቶ የቕርቡ! ኢየሱስ ብሕብረተሰብ ዓይኒ ዘይረአይን ዘይስማዕን እናዀነ፡ ኣብ ዝስደዱን ኣብቶም ሕብረተሰብ ክርእዮም ዘይደልዮም ኣሕዋት ስቓዩ ይቕጽል ኣሎ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ገበርቲ ሰላም እንተድኣ ኰይናን ፈጠርቲ ቃል ኪዳንን መባዅዕቲ ሕውነትን እንተድኣ ኰይና ዓለም ክልወጥ እዩ።

ነታ ብርትዕቲ ቅድስተ ድንግል ማርያም ነስተንትን፡ ካብኣ ኣብ እግሪ መስቀል ደው ምባል ክንመሃር ንድለይ፡ ብዘይ ዓብላልነት ብዘይ ካልእ ሕቡእ ዕላማ ብቆራጽነትን ብትብዓትን ኣብ መስቀል ጽምርቲ፡ ንሳ ከምቲ ንወዳ ኣብ ስቓዩ ሓቢራ ክተሰንዮ ዝኸኣለት፡ ኣብ ጐድኑ ብምዃኑን በዕይንታ እናጠመተቶን ብልባ እናሓለወቶን ኣብ ስቓዩ ምስኡ፡ ብርቱዕ ስቓይ ልባ ዘቁሰላ ግና ዘየምበርከኻ፡ ንሳ ናይቲ ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ሕይወት ብርትዕቲ ኣደ፡ ትሕሉን ብሑቕፎኣ ተሰንን፡ ንሳ ናይ ተስፋ ዓባይ ዓቃቢት እያ።

ማርያም፥ ኣብ ትሕቲ መስቀል ጽምርቲ

ቅዱስነቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕይወትን ኣብ መሰቓቕል ብዙሓት ናይ እዋንና ክርስቶሳት ኣብ ጐድኖም ኰይና ልክዕ ከም ማርያም እትጓዓዝ ክትከውን ከምዘለዋን ክሕብሩ እንከለዉ፥

ማርያም እመ ወድንግለ ጽሙረ፥ ካብ ማርያም እቲ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ጽንኵር ኩነት ዘይዕጸፍን ዘየንሳሕብን፡ ልክዕ ከምኡ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ዓመጽን ምዝመዛን ሕስራንን መጥቃዕትን ውሕስነትን ሓለዋን ካልእ ዕድል ንምቕራብ ዝኽእል ምሉእ ስንድውናን ፍቓድን ድላይን ክህልወና ንመሃር፡

ዕሩድ ኣልባባት ኣይሃሉ

እቶም ተሓዲጐም ዝነብሩን ዘኽታማትን ከነእንግድን ከንዕቅብን ቤቶም ንብረቶምን ሃገሮምን መበቆሎምን ስርሖምን ዛሕዚሖም ንዝስደዱ ምእንጋድ ካብ ማርያም ንመሃር።

ከም ማርያም እተአንግድን ኣትከናኸንን ዝዀነ ይኹን ስደተይና ተሰካምን ጠንቅን ማሕበራዊ ቅልውላው ተገይሩ ከይሕሰብ እተዓይን እትሓልን እተነቓቕሕን እተዋህድን ቤተ ክርስትያን ክንከውን ንደልይ፡

ብተስፋ ቋሕ ብዝበለን ብዝተኣማመንን ዓለም ክንልውጥ ንደልይ፡ ብዝተዓርዱ ኣልባባት ዘይኰነ ብኽፉትን ርህራሄ ዘኽብርን ብጥንቃቔ ምርዳእን ብዝብል ተወፋይነት ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ እግሪ መስቀል ምዃን ካብ ማርያም ንመሃር እንክብሉ ዝገለስዎ ስብከት ዛዚሞም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ መስቀል መገዲ ብመናሰያት ኣብ ዝቐረቡ ጸሎታት፡ ቅዱስ ኦስካር ሮመሮን ናይ ተስፋ ሰማዕትን ናይ ደቀባት ሃገር ስቓይ ናቱ ዝገበረን፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ስቓይን፡ ተዓጽየን ኣብ ዓመጽ ዝሳቐያን ዝምዝመዛን ደቀ ንስትዮን ዓደዳ ግብረ ሽበራን ኣደዳ ምንጻል ጽንስን ዝድህስስ ብዝተፈላለየ ኣስማት ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብእትግለጽ ቅድስተ ማርያም ኣማላድነት ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፍኖተ መስቀል፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ሎሚ እውን ኣብ ዘይተገዳሲ ሕብረተሰብ ናይ ኢየሱስ ስቓይን መከራን ይቕጽል

Photogallery

ፍኖተ መስቀል፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ሎሚ እውን ኣብ ዘይተገዳሲ ሕብረተሰብ ናይ ኢየሱስ ስቓይን መከራን ይቕጽል
26 January 2019, 17:42