ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ኣባላት ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ

ዕለት 24 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ ናይ ዓቢይ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ተሳቲፎምን ቃለ ምዕዳን ለጊሶምን ምስ ኣብቂዑ እቲ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ምስ ተዛዘመ ልክዕ ብናይ ኢጣኢያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ኸኣ ሰዓት ሸውዓተ ምሸት ተሰናቢቶም ናብቲ ዝተኣንገድሉ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ንምሕዳሮም ከምዝኸዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ካብ ሓይቲን ፓናማን ሆንዱራስን ዝመጹ ኣባላት ናይቲ ብቕዱስነቶም ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ፡ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ምትእስሳር ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ተሳታፍነት ተመክሮ ምስ ዘለዎም መንእሰያት ንሰላሳ ደቓይቕ ዝኸውን ተራኺቦምን ኣባታዊ ቃሎም ከምዝልገሱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ኣገዳስነት ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን

ቅዱስነቶም ነቶም ጭቡጥ ኩነት መንእሰያትን መንእስይ ዘጋጥሞ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ኣደጊፍኵም ሓበሬታ ንዝሃብዎም መንእሰያት ሓይቲን ፓናማን ሆንዱራስን ኣባላት ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ ኣመስጊኖም፡ ኣብ መንጐ መንእሰያት ኣገዳሲ ዝኸነ ሕድሕዳዊ ዘተ ክንየው መንእሰይ ወለዶን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ዘተን ዓሚይቕ ርክብን ኣዚዩ እገዳሲ ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ የዘኽኽሩ።

መዝሙር

እቶም ካብ ሆንዱራስ ዝተመጹ ኣባላት ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ማሕበራዊ መርበባትን ኣብ ማሕበረሰብ ውሽጢ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግለጽ ግብረ ዓለቐይናነት (bullism) ኣደጊፎም ዝጸሓፍዎን ዘመሓላለፍዎ ምዕዳንን ኣደጊፎም ዝደረስዎ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ንቕዱስነቶም ከምዘስምዑን ነዚ ዝሰምዑ ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ ልቦም ከምዝተተንከፉን፡ ኣስዒቦም መንእሰይ ኣብ ፍቕርን ስምምዕን ዘተን ምቅርርባን ምትሕልላይ ምስ ዝሕነጽ ሰላማዊ ማሕበረሰብ ይህልወና ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ኣባላት ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ

Photogallery

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንእሰያት ኣባላት ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ
26 January 2019, 10:16