ኣብ ዋዜማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ኣብ ዋዜማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ  

ኣብ ዋዜማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብታ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እተእንግድ ሃገረ ፓናማ ኣብ ምንቃሎምን

ሎሚ ዕለት 22 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ዋዜማን ኣብ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንገድ ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ መድሕን ሕዝበ ሮማ ኣብ እተሰምየ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዝፍጽምዎ ጸሎት ምኽንያት ነጊዶም ሓዋርያዊ መገሻኦምን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ነማላዳነት ቅድስተ ማርያም ኣወኪፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብታ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እተእንግድ ሃገረ ፓናማ ኣብ ምንቃሎምን ኣብቲ እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መእሰያትን ዋዜማ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ነጊዶም፡ ናይ ግሊ ጸሎት ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ካብ ዝሃብዎ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ረቡዕ ዕለት 23 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተን ሰላሳን ሓሙሽተን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉን ኣስታት ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ኣብ ፓናማ ተኵመን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር፡ ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ፓናማ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ መበል 26 ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ዕለት 5 መጋቢት 1983 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ፓናማ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናብታ ሃገር ሓዋርያው መገሻ ዘካይዱ ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ኣብ ፓናማ ዘካይድዎ ቀዳማይ ወግዓዊ ርክብ ምስ ናይ ፓናማ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ሰበ ስልጣናትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ቀጺሎም ኣብ ፓናማ ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ክኸውን እንከሎ፡  ሓሙስ ዕለት 24 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብቲ “እነዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” (ሊቃስ ምዕ. 1 ፍቕዲ 38) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክሳተፉ እዮም። 

ኣብ ዋዜማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ
22 January 2019, 17:14