ድለ

ቅዱስ ኣቦና ንውፉያንን ዓለማውያን ምእመናንን፥ ኣብ ተስፋ ኣይትድከሙ ኣንክብሉ ምዒዶም

ክሳብ ሓይልኻ ኵሉ ዝጽንቀቕን ልባትካ እውን ዘህልኽ ኵሉ ሓዲግካ ከተዕርፍን ክትዕንገልን ናብ ቤትካን ስድራ ቤትካን ተብል፡ ድሕሪ እቲ ዅሉ ድኻም፡ ድኻምካን ጽምእኻን ናብቲ ከርውይ ዝኽእል ቦታን ኢየሱስን ምባል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለት 26 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ነቲ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት 23፡30) ዝተጀመረ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ብዝለገስዎ ስብከት ምስ ተዛዘመ ንምሕዳሮም ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ብምኻድ ናይ ዕለቱ መርሓ ፍጻሜ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 26 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ክልተን ፈረቓን) ናብታ ናይ ፓናማ ሓላዊት ቅድስቲ ዝተወከፈት ካተድራላዊት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኣንቲጉዋ ነቒሎም ኣብኡ ሰዓት ትሽዓተ ምስ በጽሑ ብናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኡዮኣ መንዴታን ምእመናንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ውፉያን ሕይወትን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ነቲ ናይታ ዳግማይ ዝተሓደሰት ካቴድራል መንበረ ታቦን ባሪኾም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብዙሓት ካህናትን ኣባላት ውፉያን ሕይወትን ዓለማውያን ምእመናን ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ንስነ ስርዓት መንበረ ታቦት ብፍልዩ ዝተሓርዩ ምንባብት

ቀዳማይ ምንባብ ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ መቃብያን ምዕ. 4, 52-59

                       ዕብራውያን ምዕ. 13, 8-15

                      ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 4, 19-24

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኢየሱስ ብነዊሕ ጉዕዞታቱ ምኽንያት ደኺሙን ኣብ ጥቓ ዒላ ያዕቆብ ከዕርፍ ከፎ ይብል፡ ኣብዚ ድኻም’ዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ናይ ኵሉ ሕዝብን ናይ ማሕበረሰብን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድኻምን ዝወርድ ጸቕጥን ጭቆናን ኵሉ ቦታ ይረክብ፡ ድኻምና ንኸዕርፍ።

ክትጻወሮ ዝግብኣካ ጾር

ኣብ ጉዕዞ ካህናትን ውፉያን ሕይወትን ምንቅስቓሳት ዓለማውያን ኣባላትን ኣብ ጉዕዞኦም ድኻም ዘስዕበሎም ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ዕዮን ስራሕን ጥዕና ዝጐድእ እውን ናይ ጉልበት ስራሕ፡ ክሳብ ሓይልኻ ኵሉ ዝጽንቀቕን ልባትካ እውን ዘህልኽ ኵሉ ሓዲግካ ከተዕርፍን ክትዕንገልን ናብ ቤትካን ስድራ ቤትካን ተብል፡ ድሕሪ እቲ ዅሉ ድኻም፡ ድኻምካን ጽምእኻን ናብቲ ከርውይ ዝኽእል ቦታን ኢየሱስን ምባል።

ናይ ተስፋ ምግባር ድኻም

ዘልምስ ሓደ ዓቢይ ድኻም ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ይብሉ ቅዱስ እቦና ከምቲ ኣብ ወንጌል ተመልኪቱ ዘሎ፡ ጸሓይ ትዓርብ ኩሉ ጽልግልግ ይብል እሞ ጉዕዞኻ ክሳብ ዝሰናኸልን ንቕድሚት እውን ክሳብ ምጥማት ዝሰኣንካ ትኸውን፡ ጭቡጥ ኩነት ክወቕዓካ እንከሎን ኣብ ገዛእ ሓይልኻን ዘለካ ሃብትን እቲ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እትጥቀመሉ ኣገባብ ኩሉ ኣብ ሕቶ ብምእታው ክትጠራጠር ይገብረካ።

ግራጫዊ ተግባራውይነት

ኣብ ተስፋ ምድካም ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ነቲ ጐይታ እቲ ዝረአይ ማህሰይትን ቁስልታትን ናቱ ገዓር ገይሩ ናብ ሰማየ ሰማያት ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ እናበለ ክብ ዘብሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ዘይትሰምዕን ጽን ዘይትብልን ናታ ኣቑሳል ምስ ዘይተግብር ዘጋጥማ ከቢድ ድኻም እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘይተረጋገጸን ዘይግመትን መጻኢ ብዝደኸመ ተስፋ ምንባር ምልምማድ ዘጋጥም እዩ፡ ነዚ ስዒቡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝመሓደር ዓለም፡ ጐይታ ኰነ ማሕበረሰብና ዝብሎን ዘቕርቦን የብሉን ቢልካ ምንባር፡

ማይ ኮታ ኣስትይኒ

ኣብቲ ዝተነበን ዝሰማዕናዮን ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ማይ ኮታ ኣስትይኒ ይብል፡ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ንኣና ኣውን ዘቕርበልና ሕቶ እዩ፡ ማይ ኮታ ኣስትየኒ! እዚ ናይ ኢየሱስ ሕቶ’ዚ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንማሕበራትና ዝዓደሎ መንፈሳዊ ህያብ ኣብ ገዳማዊ ሕይወት ጥራሕ ዝውሰን ዘይኰነስ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርቦ ሕቶ እዩ፡ ኣብ ሎማዊ ዓለም ብዝተፈላለየ መገዲ ዝግለጽ እዩ፡ ዝስተይ ማይ ምቕራብ።

ማይ ኮታ ኣስትይኒ፡ ወይ ኣስትየኒ ማለት፡ ሕይወት ሰባት ዝልውጥ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ምፍላጥን ምቕባልን ናይ ጉዕዞ ዝኽሪ ምግባርን እዩ፡ እዚ ጉዕዞ’ዚ ከኣ ናይ ኣግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብ እዩ፡ ናብዚ ጉዕዞ’ዚ ዝድርኽ ምሕዳስ፡ ጐይታ ከምቲ ትማሊ ዝገበሮ ሎሚ ኣውን ዝፍጽም ምዃኑ ምእማን፡ ህልው ኩነት ብምልኣት ንምንባር ናብ ኣናስር ምምላስ፡ ኣብ ህልው ኩነት ወሲጥና ኣብ ታሪኽ ዝዓዪ ተልእዀ ንምንባር ንዝቐርበልካ ጸዋዕታ ብዘይ ፍርሒ ዝተካኸሎ መልሲ ምሃብ። ናይ ፍቕሪ ዝሓዞ ማለት ናይ ዘፍቀረ ተምሳጥ ምንባር፡

ድግማይ ምክፋት እታ ካቴድራል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ስብከቶም እታ ስፓይናዊት ድቀባታዊትን ኣፍሪቃዊ ላቲን ኣመሪካዊትን ካተድራላዊት ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዘኣንቲጉዋ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ናይ ሕዳሴ ሕንጸት ኩሉ ዝተጠናቀ፡ ናይ መላእ ፓናማ ካቴድራል፡ ናይቶም ቀደም ዝነበሩን ሎሚ ዘለዉን ቤት እያ፡ ኣብ ዝሓለፈን ናይ ዝሓለፈን ኰይና እትተርፍ ዘይኰነስ ህልው ጽባቔ እውን እያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ካቴድራላዊት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኣንቲጉዋ ናይ ፓናማ ሰበኻ ኤጲስ ቆጶሳዊ መንበር ከምዝዀነትን፡ ሕንጸት ናይዛ ባዚሊካ ኣብ 1608 ዝተበገሰን ኣብ 1716 ዓ.ም. ምስ ተጠናቀ፡ በቲ ኣብ 1882 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ክምዝዓነወትን በዚ ምኽንያት’ዚ ምሉእ ብምሉእ ተሓዲሳ ዝተሃንጸት እያ፡ እታ ምስሊ ቅድስቲ ማርያን ዘኣንቲጕዋ ኣብ 1510 ብግዝኣት ስፓይን ነቲ ኣብ ካቴድራል ሲቪሊያ ዘላ ቅድስተ ማርያም ምስሊ ዘምጽእዋ ቅዳሕ ከምዝዀነትን ካብ 2001 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ረፓብሊካዊት ፓናማ ዕለት 9 መስከረም እትበዓል ሓላዊት ቅድስቲ እውን ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ስርዓት ኣምልዀን ቅድሳት ምስጢራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ፓናማ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ንኡስ ባዚሊካ ዝብል ስያሜ እውን ከምዝሃባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ቅዱስ ኣቦና ንውፉያንን ዓለማውያን ምእመናንን፥ ኣብ ተስፋ ኣይትድከሙ ኣንክብሉ ምዒዶም

 

Photogallery

ካተድራላዊት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዘኣንቲጉዋ
27 January 2019, 11:33