ር.ሊ.ጳ.፥ መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ

እምነት ኣብ ምንባሩን ምክፋሉን ሰጉሙ፡ ጽባሕ ወይ መጻኢ ዘይምዃንኩም ወትሩ ዘክርሩ፡ ንስኻትኩም ናይ እግዚኣብሔር ሎሚ “ሕጅነት እግዚኣብሔር” ኢኻትኩም!

ንስኻትኵም መንእስያት መጻኢ ኣይኰንኵምን እንታይ ደኣ ናይ እግዚኣብሔር ሕጃውያን ኢኻትኩም ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸሞንተ (ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቐትሪ) ኣብ ደንበ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ፓናማን ኮስታ ሪካን ኮሎምቢያን ሆንዱራስን ፖርቱጋልን ሳልቫዶርን ርእሳነ ብሔር ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥

         ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ መጽሓፍ ነህምያ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 2-4,5-6, 8-10

                                      ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ.12, ካብ ፍቕዲ 12-30

                                      ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 1-4, ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 14-21

ኣሞርኵይዞም፥ ነቶም ምሉእ ለይቲ ድሕሪ እቲ ዕለት 26 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ጸሎተ ዋዜማ ተሳቲፎም ንጽባሒቱ ኣብቲ ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ምሉእ ለይቲ ኣብቲ ደንበ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝሓደሩ በማኢት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእስዅም ሕይወትን ምእንቲ ካልኦት ኣብ ምግልጋልን ብሓባር ምስ ማሕበረሰብኩም ቤተ ክርስቲያናዊ መክበብ ሓቢርኩም እትጓዓዙ ቀንደይና ተዋሰእቲ ኩኑ ሓደራ ቢሎም፡ እግዚኣብሔር ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ዘቕርበልና ጸዋዕታ ቅልጡፍ መልሲ ዝሓትት እዩ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ናብ ሙክራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ኣትዩ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዝተነግረን ሎሚ ዝሰማዕክሞን እነሆ ኵሉ ተፈጺሙ እንክብል የረጋግጽ፡

እግዚኣብሔር ኣብዛ ሰዓት’ዚኣ ይጽውዓና

ኢየሱስ ተልእዀኡ ብውግዒ ይጅምር፡

ኢየሱስ ናይቲ ንኽራከበናን ንኣና እውን ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂነት ንክንዋሳእ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂነት ይገልጽ፡ እዚ ኸኣ ንድኻታት ሓድሽ ብስራት ንምቕራብን እታ ዝተቐደሰት ሕርይቲ ናይ እግዚኣብሔር ዓመት ጸጋ ንምብሳርን።

ናይ እግዚኣብሔር ጭቡጥ ፍቕሪ ምቕባል ዋጋ ዘኽፍል እዩ

ቅዱስነቶም ብዙሕ እዋን እግዚኣብሔር ጭቡጥን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ህልውነቱ ንዝንግዕ ንኸውን፥

ኣንሕና እውን ከምቶም ጐረባብትና ሰብ ናዝሬት ርሑቕ ምዕሩግ ዝዀንን ሕያዋይን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን ምቻኤናን ዘየሰናኽል ኣዚዩ ኣብ ርሑቕ ዝቕመጥን ብኸምዚ መልክዕ ዘዘቤየትናዮ እግዚኣብሔር ንኣምን ንኸውን፡ ስለምንታይ ቀረባ ዝዀነ እግዚኣብሔር ዕለት ብዕለት ህልውን ዓርክን ሓውን ቅርበትን ቀረባ ምዃን ክንመሃር ብፍላይ ሕውነት ንኽንነብር ዝሓትተና ስለ ዝዀነ።

ምድዕዓስን ንዝቤታውነትን ኢድኵም ኣይትሃቡ

እግዚኣብሔር ጭቡጥ እዩ! ስለምንታይ ፍቕሪ ጭቡጥን ክውንን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ማሕበረሰብና ወንጌል ክነብር ዝፍትን ነቢይ ክኸውንን መንግስቲ ኣምላኽ ከበስርን ዝተወልደ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሔር ምጥዕዓምን ምምላኽን ዓቢይ ፈተና እዩ፡ መንእሰያት እውን ኣብ መጸበይ ቤት ቕሙጣት ናይ ምዃን ፈተና ከጋጥሞም ዝከኣል እዩ፡ ዝተዓሸገ ጥዕናኡ ዝተሓለወን ሳዕቤን ዘይብሉ መጻኢ፡ እዚ ዓይነት ምጻኢ ሓጐስን ፍስሓን ልበ ወለድ ዝዀነሉ ስፍራ እዩ፡

በዚ ዓይነት እመለኻኽታ’ዚ የደዓዕስኹምን ትኹሳት ይገብርኵም፡ ስለምንታይ ዘይትሓቱን ምእንታዅምን ምእንቲ ካልኦትን ድምጽኹም ዓው ኣቢልኩም ዘይተስምዑን ገዛእ ርእስኹም ኣብ ሕቶ ዘይተእትዉን ኣብ ከምዚ ክሳብሽዑ ዝብል ዓይነት ኩነት’ዚ ሕልምታትኩም ኵሉ ይበንን

ክቡራተይ መንእሰያት ተልእኾኹም ሕጃዊ እዩ

ሓደ ካብቲ ሓደ ንኽመሃር ኣብ መንጐ ትውልድን ሓድሕድን ጽን ምብህሃል ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥ ነቶም መንእሰያት መጻኢ ኣይኰንኩምን ንስኻትኩም ሎማዊ ናይ እግዚኣብሔር ኢኻትኩም፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕጅነት ምዃንኵም ክስምዓኵም ኣለዎ፥

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝረአይ ዘሎ ልምሰት ብዙሓት የዕንትን ራእይን ብፍርሕን ስለ ዝተነጸሉ ብግብረ ምጽንጻንን ጠዋዋይን ዘልምስ ኵነት ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ኣብታ ተኣምራዊ ምግፋፍ ተስፋን ፍቕርን ምትሕብባርን ሕውነትን (ኣብ ቃልን ህላዌን ኢየሱስ ኣሚኖም መረቦን ዝፈነዉን ብዙሕ ዓሳ ከምዝገፈፉ) ምስታፍ ዓቢይ ሓጐስ ይፈጥር፡

እምነትን ትብዓት ማርያም

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ከምዝበልካዮ ይዅነለይ ዝብል ነዚ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘሰነየ መርሕ ቃል እናሓሰቡ፡ ማርያም ንመንእሰይ ኣርኣያ ከምዝዀነት ከብርሁ እንከለዉ፥

ማርያን ኣብ እግዚኣብሔር ኣሜን ዝበለት ጥራሕ ዘይኰነስ ቃሉን ካል ኪንዳኑን ተኸዋንነቱ ብምስትውዓል እውን ንእግዚኣብሔር ኣሜን ዝበለትን ከምዝበልካዮ ይዅነለይ ቢላ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕጅነት ንኽትዋሳእ ትብዓት ዝዓሰላ እውን እያ፡ ተልእኾ ከምዝተውሃባ ኣመነት፡ ምስቲ ተልእኾ ፍቕሪ ሓዛ፡ ወሰነት እውን፡ ንስኻትኩም እውን ተልእኾን ዕላማን ዘለኵም ምዃንኩም ክስምዓኵም ኣለዎ፡ ፍቅሪ ክሕዘኵም ፍቐዱ ካልእ ኵሉ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣለዎ።

ንፓናማን መላእ ዓለምን ነዝነዝ ዘበልኩም

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምዝዛም ስርዓት ቅዳሴ እዚ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ዝከኣል ንኽኸውን ብዝተፈላለየ መዳይ በሰናዳእነት ድዩ ብኻልእ ሓላፍነትን ወለንተይናነትን ንዝዓየዩ ኣመስጊኖም እቶም ነዘን ዝሓለፈ ጽኑዓት መዓልታት ብምልኣት ተመክሮ ንዝገበሩ መንእሰያት ኣመስጊኖም፡ እቲ ኣብዚ ቅነ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ዝተሰመዓኵም ውዕዉዕ መንፈስ ክታኸስን ክቕህምን ንኽቐዝሕ ኣይትፍቀዱ ቢሎም፡

እምነትኩምን ሓሴትኩምን ሃገረ ፓናማ ክፍለ ዓለም ኣመሪካን መላእ ዓለምን ነዝነዝ ኣቢሉ እዩ፡ መንፈሳውያን ነጋዶ ኢና፡ እዚ መንፈሳዊ ንግደት’ዚ ብሓባር ተመክሮ ገርና ኢና፡ ኣብ ጉዕዞ ኢና፡ ጉዕዞና ዝቕጽል እዩ፡ እምነት ኣብ ምንባሩን ምክፋሉን ሰጉሙ፡ ጽባሕ ወይ መጻኢ ዘይምዃንኩም ወትሩ ዘክርሩ፡ ንስኻትኩም ናይ እግዚኣብሔር ሎሚ “ሕጅነት እግዚኣብሔር” ኢኻትኩም!

እንክብሉ ስብከቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡

መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኡዮኣ መንዲየታ ቅድሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ንቕዱስ ኣቦና ስለ ዘፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ኣብ ፓናማ ስለ እቲ ዝተኻየደ መበል 34 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ቃል ኣቕሪቦ ንመልእ ተሳተፍቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እውን ከምዘመስገኑን፡  ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል እውን ነቶም መንእሰያት እቲ ተመክሮ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ህልው ግብርዎ መስክርዎን ቢሎም ንቕዱስነቶም ቃለ ምስጋና ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

 

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ
28 January 2019, 10:30