ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንእሱራት መንእሰያት፥ እግዚኣብሔር ዘለናዮ ኵነት ዘይኰነስ ደቁ ምዃንና እዩ ዝርእይ

የቕርበልና፡ ናይ ካልእ ጾር ናቱ ናይ ዝገብር ናይ ፍቕሪ ኣጠማምታ፡ ዝልወጥ ዝፍውስ ዝምሕር መገዲ ድሕነትን ድሕነት ዝዀነ ምጥማ፡ ኢየሱስ ነቲ ምጕርምራም ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ይሰብር፡

ዕለት 25 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ግላዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ማፓና ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓደን ፈረቓን) ፈጺሞምን በቲ ዝነበሮም ሓዋርያዊ መርሓ ፍጻሜታት መሰረት ናብቲ ኣርብዓን ክልተን ኪሎ ሜትር ርሕቐት ናብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን ላ ጋርዛስ ዘ ፖኮራ ማእከል ደ ኵምፕሊሚየንቶ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ እሱራት ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን ተራኺቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ዝተጀመረሉ ካብ ርሑቕ 34 ዓመታት እቲ ሓደ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእስያት ዝዀነ ሊጡርጊያዊ መደብ፡ ስነ ስርዓት ምስጢረ ኑዛዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክስራዕ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ ናይ መጀመሪያ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም እቲ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ እሱራት ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን እሱራት በቶም እሱራት ብዝቐረበሎም ብመዝሙር ዝተሰነየ ውዕዉዕ ውሉዳዊ ኣቀባብላ ምስ ተገበርሎም፡ ስርዓት ዕርቂ ከምዝፈጸሙን፥

ቅዱስ ኣቦና ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 15 ፍቕዲ 1-17 ምስ ተነበ ፍቕዲ 2፡ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ እዚ ንሓጥኣን ይቕበል ምስኣቶም ይበልዕ እንክብሉ ኣበርቲዖም ኣጒረምረሙ … ዝብል ቃለ ጠቒሶም፡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ እቶም ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ኣብ ምጒርምራን ክተፈርፉ እንከለው ኢየሱስ ግና ነቶም ሓጥኣን ይቕበልን ካባኡ ሓሊፉ ኣውን ምስኣቶም ይበልዕ፡ እዚ ቃለ ወንጌል’ዚ ክልተ ዓይነት ኣጠማምታ ከምዘሎ ይሕብረና፡ እቲ ሓደ መኻን ዝዀነ፡ ዘየፍርይ፡ እቲ ናይ ምጕርምራምን ናይ ሕሜታን እቲ ካልኣይ ኣጠማምታ ድማ ኢየሱስ ዝነብሮ እዩ፡ ንምልዋጥን ንምጥዓስን ዝጽውዕ ኣጠማምታ።

ኢየሱስ በዚ ዝፍጽሞ ንሓጥኣን ቀረባ ናይ ምዃን ተግባር ገዛእ ርእሱ ንሓደጋ ከይቃላዕን ዘለዎ ክብርን ተኸባርነቱን ስሙን ክየጸልሙኒ ቢሉ ኣይፈረሐን፡ ንዝተሓደሰ ሕይወትን ታሪኽን ይጽውዕ፡

ፈላላይ መናድቕን ላቔባዊ መለለይን

ሕብረተሰብ ፈላላይ መናድቕ ንምቛምን ላቔባዊ መለለዪ ንምሃብ ቅልጡፍ እዩ፡ እዚ እቲ ዝቐለለ መገዲ እዩ፡ ኢየሱስ ግና ይቐርብ ሓድሽ ዕድል ይጽግው፡ ላቔባዊ መለለዪ ምክፍፋል እዩ ዘስዕብ፡ ሰብ ጽቡቕ ምግባር ኢና በሃትን ግብር እከይን ብዝብል መጸውዕ ዝቐውም መንደቕ ይፈጠር፡ እቲ ዝወሃብ ተቀጽላ ስም ኣዚዩ ቅብሉን ዝማርኽን እዩ፡ እዚ ናይ ተቐጽላ ስም ምሃብ ባህሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሕስር እዩ።

ዝተፈልየ ኣጠማምታ

እቲ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ሉቃስ ካልእ ዓይነት ኣጠማምታ የቕርበልና፡ ናይ ካልእ ጾር ናቱ ናይ ዝገብር ናይ ፍቕሪ ኣጠማምታ፡ ዝልወጥ ዝፍውስ ዝምሕር መገዲ ድሕነትን ድሕነት ዝዀነ ምጥማት፡ ኢየሱስ ነቲ ምጕርምራም ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ይሰብር፡ ተመሓሪካ ኢኻ ብምባል ነቲ ኣብቲ ሓጢኣተይና እየ ዝብል ኣብ ውሽጡ ዝነብሮ ናይ ምጥዓስን ጓህን ምጕርምራም ይበትኰ። ስለዚህ ናይ ልባትኩም መሳኹት ነዚ ናይ ኢየሱስ ምጥማት ኣርህዉ ክበጽሓኩም መታን።

ዝሓመመ ሕብረተሰብን ፍርያም ሕብረተሰብን

እቲ ምጕርምራምን ምብያን ፍርድን ተዋሂዱ ክንብርን ምውሃድን ዝብልን፡ ዝእርምን ዘዋህድን መገዲ ክስዕብ እዩ ዘለዎ፡ ስለ ምልዋጥን ምምላስን ደቁ ዓቢይ በዓል ዘይገብር ሕብረተሰብ ዝሓመመ እዩ፡ ኣብ ምጕርምራን ኣብ ምብያንን ዝተርፍ ብናይ ካልእ ኩነት ዘይትንክፍ ኣብ ምንቃጽ ልቢ ዝተርፍ እዩ፡ እቲ ፍርያም ሕብረተሰብ ግና ኣማራጺ ዕድላት ዘቕርብ፡ ዝኣበሰ ተወሃሂዱ ብሰላም ከንብሮ ዝክእል ፍርያም ዝገብሮ ዕድላት ዝፈጥር ንደቁ ሓድሽ ዕድል ዝፈጥር ከም ማሕበረሰብ መጻኢ ዝጸርግ ሕንጸንት ናይ ስራሕ ዕድልን ዝፈጥር እዩ፡ ክንየው ማሕቡስ ዝብል ፍርያም ሰብኣውነት።

ናይ ሕደ እሱር መናሰይ ቃል

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት ቅድሚ ምቕራቦም ካብቶም እሱራት መንእሰያት ምስክርነት ቃሎም ካብ ዝሃቡ ሓደ፥ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዘሎ፡ “ሓደ ለይቲ ከስተንትን እንከለዅ፡ ኣብ ውሽጠይ፡ ኵሉ ኣብዝን ብኸምዝን ዝበለ ሕይወት ኣይክድምደምን እዩ፡ ዘሎኒ ተስፋ ዘንብረሉን ትጽቢታትይ ኣዚዩ ዓቢይ እዩ፡ ዝብል ሓይሊ ጽን በልኩ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዙ ኣቦ ክምዘሎኒ እግዚኣሔር ኣብ ጕድነይ ምሳይ ከምዘሎ ብጥልቂ ኣመንኵ፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ እውን ይሃሉ ትምህርተይ ክቕጽል ተወሃሂደ ክነብር ዘኽእል መገድታት ዝሕብሩኒ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክርስቶስ ሰለ ዘቕረበለይ ዕድለይና እየ፡ …. ኣብዛ ሰዓት’ዚኣ ኣብ ውሽጥይ ዝስምዓኒ ናጽነት ንምግላጹ ይሰኣነኒ … ከምዝበለ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዝሰርዕዎ ምስጢረ ንስሓን ስርዓት ሊጡርጊያ ዕርቅን ዛዚሞም፡ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ዋና ኣመሓዳሪት ቃል ምስጋና ከምዘቕረባን፡ ንቕዱስ ኣቦና ኣመስጊነን ቅዱስነቶም ናብዚ ቤት ማሕቡስ ክበጽሑ እዮም ዝል ሓበሬታ ምስ ተወሃበና ዝተሰመዓና ሓጐስ ምግላጹ የጸግም፡ ብሓቂ ኩላትና እዞም መንእሰያትን ተባሪኽናን ተስፋ ክንሰንቕ ገይርኵምና ኢኹም፡ እግዚኣብሔር የፍቕረና የፍቅረኒ እዩ ኣብ ዝብል እምነት ስለ ዘጽናዕኵምና ዓመጽን ምጥሓስ ሕግን ዘይንበሮ መጻኢ ከነማዕድው ስለ ዝገበርኩም ብስም ኵሎም እመስግን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ኩሉ በጋጣሚ ኣብ ዘለሉ ይሃሉ ኵሉ ማዕረ ምዃኑ ስለ ዝገለጽኩምልና ነመስግን ምስ በላ ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ቅዱስነቶም ንዅሎም ሰላም ቢሎም ከምእተሰናበቱ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንእሱራት መንእሰያት፥ እግዚኣብሔር ዘለናዮ ኵነት ዘይኰነስ ደቁ ምዃንና እዩ ዝርእይ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንእሱራት መንእሰያት፥ እግዚኣብሔር ዘለናዮ ኵነት ዘይኰነስ ደቁ ምዃንና እዩ ዝርእይ
26 January 2019, 12:01