ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቀዳማይ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ደቀባት

ክቡራት መንእሰያት እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ደቀባት ሕዝብታት ዝተዋጽኡ ብብዙሕ ኣማኢት ዝቝጸሩ መንእሰያት ዘራኽብ ዘሎ መደብ ነቲ ናይ መበቆልኵም ዝዀነ ባህሊ መሰረት ገይርኩም እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኵም እምነት ከተስተንትኑን .. ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኸበበኩም ብድሆታት ብትብዓት ካልእ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ዝከኣል ምዃኑ ብተስፋ ተመሊእኩም ንቕድሚት ክትብሉ

ቀቅድሚ እቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ዝካየድ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ዕለት 17 ጥሪ ክሳብ ዕለት 21 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ደቀባት ኣብ ሃገረ ፓናማ ኣውራጃ ንጋበ ቡግለ ወረዳ በሲኮ ኣብ ትርከብ ከተማ ሶሎይ ዝካይድ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብዚ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ደቀባት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብትብዓት ተስፋ መታን ክንሃንጽ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽና ተዘክሮ ነባሪ ንግበር እንክብሉ ኣብ ወርሒ ሐምለ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘገልግሉ ንዝነበሩ ወለተይናታት መእሰያት ተቐቢሎም ዝበልዎም ቃል ምስል ቢሎም ብምዝካር፡ እዚ እዩ እቲ ነዚ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያ ደቀባት ንኸተካዱ ዝደረኸኵም ኢሎም።

ፍልይ ዝበለ ቅድመ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ደቀባት እዚ ኣብ ሶሎይ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ቀዳምይ  ምዃኑ ገሊጾም፡ ከምዚ ዝኣመሰአ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ደቀባት ሕዝብታት መንእሰያት ዘተኣኻኽብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ደቀባት ንኽኻየድ ንዘበገሰ ብናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዝተደገፈ ናይ ፓናማ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ደቀባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መእኽቶም ቃል ምስጋና ኣቕሪቦም።

ክቡራት መንእሰያት እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ደቀባት ሕዝብታት ዝተዋጽኡ ብብዙሕ ኣማኢት ዝቝጸሩ መንእሰያት ዘራኽብ ዘሎ መደብ ነቲ ናይ መበቆልኵም ዝዀነ ባህሊ መሰረት ገይርኩም እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኵም እምነት ከተስተንትኑን .. ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኸበበኩም ብድሆታት ብትብዓት ካልእ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ዝከኣል ምዃኑ ብተስፋ ተመሊእኩም ንቕድሚት ክትብሉን ክትምስክሩን ንናይ ሕዝብኹም ታሪኽ ኣመስገንቲ ክትዀኑ እላበወኩም!

ናብ መበቆል ባህልኻ ምምላስን ኣናስርካ ምክንኻን! ስለምንታይ ካብ ሱር እዩ እቲ ዘዕብይን ዘሀብትምን ከተፍርይ ዝገብር ሓይሊ ዝመጽእ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ደቀባታዊ መልክዓ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እትገልጹ ኢኻትኩም፡ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን እንገብሮ ጻዕሪ እተረጋጹ ኢኻትኵም … ሰኣውነት ዓቐን ዘለዎ ካልእ ብልጹ ዓለም ንምሕናጽ ተኻኣሊ ምዃኑ ኣብነት ኢኻትኩም!

እቲ እተስተንትንዎ መርሕ ቃል መልሲ ንምድላይ ዝድርኸኵም እዩ፡ ወንጌላዊ ርእየት ዘለዎ መልሲ፡ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማትኩም … ንብዙሓት መንእሰያት ተነጺልካ ንምባርን ንምሕራግን ከም ውዳቕ ተሓሲብካ ንምንባር ዝተገዱን ብፍላይ ከኣ እቲ ኣባኹም ዝወረደን ዝወርድን ዘሎ ጸገም ኩሉ ኣካላት ናይቲ ወደባት ህዝቢ ምዃንኩም ብምስትውዓል እትፍጽምዎ ጸረ እቲ ኣሉታዊ ዝዀነ ባህሊ ኵሉ ንብሉጽ ዓለም ብተስፋ ብምምዕዳው ነቲ ብዘይ መሰረት ፈሰስ ንዝዀነ ነገር ብዘተስፍው ባህሊ ንምግጣምን ንምብዳህን በርትዑ…

… ባህልዅም ተኽናኸኑ! መሰረትኵምን መበቆልኵምን ተኸናኸኑ! ኣብኡ ግና ደው ኣይትበሉ፡ ካብ መሰረትኵምን ኣብ እናስርኩምን ዕበዩ፡ ዓንብቡን ፍርያምን ኵኑ፡ ሓደ ገጣሚ ናይ ስነ ግጥሚ ሊቅ፥ ሓደ ኦም እቲ ዘለዎ ዕንቡብ ዝዀነ ኵሉ ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሩ ዘሎ እዩ ዝመጽእ ይብል፡ ካብቲ ትሕቲ መሬት ካብ ዘሎ ሱር፡ ግና ንመጻኢ ከተብል ዝድርኽ ሱር፡ ንመጻኢ ኣማዕድዉ፡ እዚ እዩ እዋናዊ ብድሆዅም!

ኣብ ፓናማ ምሳዅም ክራኸብ ንዓይ ዓቢይ ናይ ሓጐስ ምኽንያት እዩ፡ ክሳብ ሽዕኡ ስለ እቲ እተካይድዎ ዘለኹም ርክብ ሰናይ ዘበለ ዅሉ እምነየልኩም፡ እባርኸኵም፡

እግዚኣብሔር ይባርኽኩም!

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቀዳማይ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ደቀባት
18 January 2019, 17:23