ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ፓናማ

ቅዱስነቶም ኣብዚ ጉዕዞኦም’ዚ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ምእንቲ እዚ ግሩምን ኣብ ከይዲ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎን ኵነት ጸልዩ! ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ሎሚ ንጐሆ ዕለት 23 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ፓናማ ኣብቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክርክበቡን ንመንእሰያት ቃሎም ክልግሱን ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ኣብ 1983 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ምብጻሕ ዘካየዱ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ስዒቦም ኣብ ፓናማ ብጻሕ ዘካይዱ ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ልክዕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ትሽዓተን ሓምሳን ሓሙሽተን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብኣሊታሊያ መገዲ ኣየር ተሳፊሮም ጉዕዞኦም ናብ ፓናማ ኣንቂሎም፡ ድሕሪ ናይ 13 ሰዓት ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆኣጽራ ከባቢ ሰዓት 22.30 ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ኸኣ ከባብ ሰዓት 16.30 ኣብ ፓናማ ክኣትዉ ኣዮም። ቅዱስነቶም ኣብዚ ጉዕዞኦም’ዚ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ምእንቲ እዚ ግሩምን ኣብ ከይዲ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎን ኵነት ጸልዩ!  ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ናብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መቐበሊ ኣጋይሽ በቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣባ ኣሩፐ እተሰምየ መእለዪ ስደተይናታት ካብ ዝእለዩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሸሞንተ ስደተይናታት ከምእተራኸቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ብናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎ ኣካላትን ኣብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቀባብላ ተገይርሎም ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ናብታ ዝሳፈሩላ ነፋሪት ቅድም ምእታዎም በታ ዝሳፈሩላ ኣአገንድቲ ነፋሪት ኣቀባብላ ተገይርሎም ንመራሕቲ ናይታ ነፋሪትን እውን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ጉዕዞኦም ናብ ፓናማ ኣንቂሎም።

ኣብ ፓናማ መርሓ ግብሪ ፍጻሜታት ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 24 ጥሪ 2019 ዓ.ም.ኣብ ናይ ሃገረ ፓናማ ቤተ መንግስቲ ንኽብሪ እታ ሃገርን ርእሰ ብሔር እታ ሃገርን ወግዓዊም ምብጻሕ ኣካይዶምን ንኽብሮም ኣብ ዝቐርበሎን ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ክሳተፉን ምስ ርእሰ ብሔር ዅዋን ካርሎስ ቫረላ ሮድሪገዝ ግላዊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንስቲ ኣካላትን ኣብ ፓናማ ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ወከልትን ተራኺቦም መደረ ከቕርቡን እዮም፡ ድሕሪ እዚ ናይ እንቋዕ ደሓን  ምጻእኵም ወግዓዊ ስነ ስርዓት ኣብ ፓናማ ምስ መላእ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓ ጳጳሳት ኣብ ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም፡ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ዕለት 25 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ምስቶም ማእለያ ዘይብሎም በብዙሓት ኣሽሓት ምስ ዝቝጸሩ ተሳተፍቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ ብሓባር ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣብ ዘዕርጉሉ ካምፖ ሳንታ ማርያ ላ ኣንቲጉዋ ኣደባባይ ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉን ቃሎም ኣውን ክልግሱ መደብ ከምዘሎ ይንገር።

ቀዳም ዕለት 26 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ልስ ኣንቲጉዋ ዘፓናማ መንበረ ታቦት ንምብራኽ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ውፉያንን ኣባላት ዓለማውያን ምእመና ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ምእመናንን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪአ` ምስ ኣብቅዑ፡ ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮን ምስ ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳትን ኣብቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ዝሳተፉ ካብ ዘፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዕዱማት 10 መንእሰያትን ብሓባር ናይ ምሳሕ መኣዲ ክቋደሱ እዮም። ኣብ ኣማስይኡ ኣብቲ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ኣደባባይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተረኺቦም ምስ መንእሰያት ኣብ ዝካየድ ናይ ጸሎት ዋዜማ ክሳተፉ እዮም።

ሰንበት ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንሮማ ንምምላሶም ናብ ቶኵመን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ናይቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ወለንተይናታት መንእሰያት ኣብ ሮመል ፈርናንደዝ ዅዋን ዲያዝ ናይ ስፖርት ሜዳ ክራኸቡን ቃሎ ክልግሱን እዮም፡ ዕለት 28 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.50 ደቓይቕ ሮማ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ናብ ፓናማ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዚ ናይ ኣየር ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት፥ ፈረንሳን ስፐይንን ፖርቱጋልን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፖርቶሪኮን ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ኣንቲለ ሆላንዳዊትን ኮሎምቢያን መንግስታት መራሕትን ርእሳነ ብሔራትን ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ናብ ፓናማ ቅድሚ ምንቃሎም ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማኣረላ ንናይ መላእ ሕዝቢ ኢጣሊያ ረብሓ ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይድዎ ህርኩት ጻዕርን ኣገልግሎቶምን ቅሳነትን ኣሳልጦን ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፥ እቲ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ካብ መላእ ዓለም ብዝመጹ መንእሰያት ናይ እምነትን ተስፋን ውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ዝምስክርሉን ዝነብሩሉን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምኽንያ ብምግባር ናብ ፓናማ ኣብ ዝነቕለሉ ሰዓት፡ ንኣኹም ክቡርነትኩም ርእሰ ብሔር ኢጣሊያ ሰርጆ ማታረላ ንመላእ ሕዝቢ ኢጣሊያ ልባዊ ሰላምታይ አቕርብን ኣብ ምርግጋጽ ናይ መላእ ሕዝቢ ኢጣሊኣ ረብሓ እተካይድዎ ሕርኵት ጻዕሪ ቅሳነትን ኣሳልጦን እምነየልኵምን ጸሎተይ ኣውን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ። 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ፓናማ

 

23 January 2019, 14:20