2018-01-22 Santa Maria Maggiore 2018-01-22 Santa Maria Maggiore 

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ መልሲ ካብ ፓናማ ኣብ ሮማ ባዚሊክ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ቅዱስ ምስሊ ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ታቦት በጺሖም ናይቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሰናይ ውጽኢታቱ በማላድነት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ኣመስኖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ጥሪ ሰዓት ሽዱስተ ምሸት ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ (ፍርቂ ለይቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ) ኣብቲ ናይቲ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሰንደቓዊ መዝሙር ኣብ ዝቃልሓሉ ኣብ ዝነበረ ፓናማ ተኩመን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖምን ብናይ ፓናማ ርእሰ ብሔር ዅዋን ካርሎስ ቨረላ ሮድሪገዝን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ናይታ ሃገር ዓበይቲ ሰበ ስልጣናትን ብ 1500 ምእመናን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ምስ ርእሰ ብሔር ቫረላ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ግላዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቅድስስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ፓናማ ብሔራዊ መዛሙር ተሰሚዑ ንብፁዓን ካርዲናላት ናይ ቅስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን ናይ ላቲን ኣመሪካ ጳጳሳዊ ድርገት ህየንተን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓፍፈሻዊ ጉዳያት ዋና ጸሓፍን ናይ ፓናማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ናይ ማእከላይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካልኦትን ኣብኡ ንዝተረኽቡ ሰላምታ ኣቕሪቦም ናብ ሮማ ንኽምለሱ ልክዕ ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸሞንተ 23 ድቓይቕን (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ዕለት 28 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ ለይትን 23 ደቓይቕን) ብነፋሪት ናይ መገዲ ኣየር ኰሎምቢያ ቦይንግ 787 ድሕሪ እቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ጽዑቕ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞን ናብ ሮማ ንኽምለሱ ተበጊሶም፡ እቲ 11 ሰዓት 35 ደቓይቕ ዝወስድን 9 ሺሕን 500 ኪሎ ሜትር ኣብ ዘጠቓልል ናይ ነፋሪት ጉዕዞኦም ምስቶም ኣብታ ነፋሪት ዘሰንይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ልኡኻት ጋዜጠይናታትን ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓል ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን ልክዕ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11፡15 ደቓይቕ ሮማ ናብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰላም ኣትዮም።

እቲ እነዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይዅነለይ (ሉቃስ 1,38) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ዝተኻየደ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ 2019 ዓ.ም. ምስ ተፈጸመ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 35 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ሊስቦና ዝእንገድ ምዃኑ ከምዘበሰሩን ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ካብ ፓናማ ተመሊሶም ሮማ ምስ ኣተዉ ከምቲ ልሙድ ናብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎምን ድሕሪ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ዝፍጽምዎ መደብ መንፈሳዊ ንግደት መሰረት ነቲ 700 ሺሕ መንሰያት ዘሳተፈ ዓለም ሓቆፍ መንፈሳዊ ንግደት ዘሰነየት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ቅዱስ ምስሊ ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ታቦት በጺሖም ናይቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሰናይ ውጽኢታቱ በማላድነት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኖም ናይ ግሊ ጸሎት ኣዕሪጐን ቁኑን ዕነባ ኣንቢሮም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከምዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

 

 

28 January 2019, 13:18