ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘይምርድዳእ ዘስዓቦ ጸገም ምውጋድን” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘይምርድዳእ ዘስዓቦ ጸገም ምውጋድን” 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘይምርድዳእ ዘስዓቦ ጸገም ምውጋድን”

ናይ ኣይሁድን ክርስትናን ናይ ሓባር ዕላማ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ፍቕሪ ንዓለም ምምስካር ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ሓቢሮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱሳዊ ምሕዝነት ብዝብል ኣርእቲ ናይ ዝተደርሰ መጽሓፍ መቕድም ከምዝደረሱን ኣብቲ ዘቕረብዎ ናይ መቕድም ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ናይ ሕሉፍ ርሑቕ ታሪኽ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝወረደ ጽልእ ብማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘሕደሮ ጽልዋ ሎሚ እውን ኣብ ዝባንና ኣሎ፡ እቲ ዝሓለፈ ጽልእ ምስቲ ናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ናይ ሓባር ዘተ ክነጻጸር እንከሎ ብሓቂ እቲ ኣብ ምስሕሓብ ዝሓለፈ እዋን እዚዩ ይበዝሕ፡ ይዅን ደኣ እምበር ዝተፈጥረ ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ንሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ብዙሕ ምልዋጥ የዕስል ከምዘሎ ብሰፊሕ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብኣይሁድ ኰነ ብኽርስቲያን ፍቕሪ ንእግዚኣብሔርን ፍቕሪ ንብጻይካን ዝብል ሓደ ትእዛዝ ነቲ ዅሉ ትእዛዛት ቅዱስ መጽሓፍ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዘይኣትው ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣሁድን ክርስቲያንን ኣብ ሓደ እግዚኣብሔርን ኣብ ሓደ እቲ ብሉጽ መጻኢ ንምሕናጽ መሰረት ዝዀነ ዓቢይ መንፈሳዊ ውርሻ ሕቡራት ብምዃኖም ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኖም ክስምዖን ይግባእ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብታ ብማርኰ ካሱቶ ሞርሰሊን ጁሊዮ ሚከሊኒ ሓልዮት፥ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምሕዝነት፥ ሰነዳት ቶራሕን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍት ቅዱስ መጽሓፍትን፡ ትንተና ካብ ኣይሁድን ክርስትናን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተደርሰትን ኣብ ኢጣልያ ከተማ ቺኒዘሎ ባልሳሞ፡  ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ 2019 ዓ.ም. ተሓቲማ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔትን ካብ ዕለት 18 ጥሪ 2019 ኣብ ኵለን ቤተ መጻሕፍት እትዝርጋሕ መጽሓፍ ዝደረስዎ መቕድም ምዃኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 17 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ሕትመቱ ይሕብር።

ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘይምርድዳእ ዘስዓቦ ጸገም ምውጋድን

ናይ ኣይሁድን ክርስትናን ናይ ሓባር ዕላማ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ፍቕሪ ንዓለም ምምስካር ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ሓቢሮም፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ናይ 19 ዘመንት ጽልእን፡ ብፍላይ ከኣ ክርስቲያናዊ ጸረ እይሁድ ተግባር ዘይርሳዕ ኣብ ዝባናንና ዘሎ ታሪኽ እዩ፡ እቲ ናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ናይ ሓባር ዘተ ምስቲ  ዝሓለፈ ናይ ነዊሕ ዘመን ጽልእ ክነጻጸር እንኰሎ ብሓቂ ሒደት እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ብዙሕ ነገራት ተቐይሮም እዮም፡ ገና ብዙሕ ነገር እውን ይልወጥ ኣሎ፡ ይቕረታ ብምሕታት ነቲ በዘይ ምርድዳእ ዝተፈጥረ ጸገም ምውጋድ ወሳኒ እዩ፡ እቶም ዓበይቲ ናይ ኣይሁድን ክርስትናን መለለይታት ዝዀኑ ዕሴታትን ባህልታትን ነቲ ብሩኽን እውነተይናን ዝዀነ ምሕዝነት ንሰብኣውነት ኣገልግሎት ዝውዕል ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፡ ቅዱስ መጽሓፍ እዚ ዓቢይን ክቡርን ዝዀነ ዕሴት ‘ምሕዝነት’ ክገሃስ ከምዘይብሉ የዘኻኽረና፡ ስለዚህ እዚ ንናይ ሓባር ዘተ መእተዊ ወይ ምርኵስ እዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ይሕብር።

ስነ ምርምርን ስነ መጽናዕትን ቀዳሜ ኣምስቱ መጻሕፍት (ቶራሕ)

ንኽርስቲያን ገዛእ ርእሱ ብሓቂ ክፍለጥ ናይ ኣይሁድ እምነት ብዕምቆት ዳግም ምርካብን ንኽፍለጥ እውን ምንቕቓሕ ከሳልጥ መሰረታዊ እዩ። ስለዚህ መጽናዕትን ስነ ምርምርን ዝሓትት ተግባር እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝስደረስዎ መቕድም ኣብሪሆም፡ ነቲ ዝደረስዎ መቕድም እቶም ነታ መጽሓፍ ዝስደረስኩም ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ሃማኖት ኣይሁድ በቢ ዕለቱ እምነቱ ዝገልጸሉ ኣሚዳሕ ቁመተ ጸሎት ብምድጋም ዝዛዝሞ፡ መዓጹ ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍት ወይ ቶራሕን ጥበብን ቀልብን ፍልጠትን ንኽትዕንገልን ንኽትድገፍን ሕይወትን ጸጋን ፍቕርን ምሕረትን ምስጋናን ውዳሴን ንእግዚኣብሔ ንምቕራብ ዘኽእሉ በራት ቶራሕ ክኽፈት ንዝደግሞ ጸሎት አወክፈኩም ብዝብል ሓሳብ ከምዘጠቓለሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ናይ ሎሚ ሕትመቱ የመልክት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘይምርድዳእ ዘስዓቦ ጸገም ምውጋድን”
17 January 2019, 16:58