ሰላምታ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላን ሰላምታ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላን 

ሰላምታ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላን

ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ፡ ንዘመሓላለፉሎም ናይ ርሑስ በዓለ ልደትን ዝተባርከ ሓድሽ ዓመትን ምንዮት መግለጺ መልእክቲ ጠቒሶም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም፡ ሰላምን ብልጽግናን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ተመንዮም፡ ኩሉ ካብ ቤቱን ስድራ ቤቱን ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኣንጠረይና ክኸውን ሓደራ ቢሎም፡ ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ፡ ንዘመሓላለፉሎም ናይ ርሑስ በዓለ ልደትን ዝተባርከ ሓድሽ ዓመትን ምንዮት መግለጺ መልእክቲ ጠቒሶም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም ንርእሰ ብሔርነቶምን ንሃገርን ሕዝብን ኢጣልያ ሰላምን ምልጽግናን ተመንዮ።

ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮን ተበግሶታቱን

ቅዱስነቶም ንዅሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓድሽ ዓመት ምኽንያት ንዝተረኽቡ ተቐመጥቲ ሮማን ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ኵሎም ምዉቕ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ሰላም ንመላእ መሬት ዓለም ብዝብል ጭርሖ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዘሰናደዎ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝተሳፉን እቲ ናይ እግሪ ጉዕዝ ኣብ ዝዛዘመሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝመጹ ኵሎም ተጓዓዝያን ሰላም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡

ብምኽንያታ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ነቶም ኩሎም ዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን መደባት መጋበርያ ሰላምን ኣብ መላእ ክፍለ ዓለም ብመክብባዊ ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሑን ብፍላይ እቲ ኣብ ማተራ ኣብ ዝተሰናደው ንዝተሳተፉ ኵሎም ቅርበተይን ኣድናቖተን እገልጽ፡

ቢሎም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔ ደጊሞም ንኹሉ ብሩኽ ሓድሽ ዓመት ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም።

01 January 2019, 17:13