ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከንያ ኣሸበርቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከንያ ኣሸበርቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከንያ ኣሸበርቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም፡ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ከምዘሕዘኖን ገሊጾም

ዕለት 8 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ መዕረፊ ኣጋይሽ በኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ናይ ሞት ሓደጋ ንዝጋጠሞምን ንዝተሃሰዩን ብምሕሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዖን ከቢድ ሓዘን ዝገልጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ተልግራም መልእክቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኰኒኖም፡ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ከምዘሕዘኖምን ገሊጾም፡ ንስድራ ቤት ምዉታትን ዝተሃስዩን ኵሎም ብጸሎቶም ቀረባ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ንመላእ ህዝቢ ኬንያን ብፍላይ ነቶም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ቅርበቶም ገሊጾም፡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣል ሽባብ ብዝብል ስም ገዛእ ርእሱ ዝሰምይ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ተሓታት ኣየ ከምዝበለን ክፍለጥ እንክሎ፡ በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ 16 ዜጋታት ኬንያ ሓደ ተወላዲ ዓባይ ብሪጣንያን ሓደ ኣመሪካውን ካልኦት ሰለስት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 21 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም ክንገር እንከሎ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ስዒቡ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊ ጸጥታ ከምዝወዓሉ ናይ ኬንያ ሓይሊ ጸጥታ ይሕብር።  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከንያ ኣሸበርቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጹ
17 January 2019, 18:16