ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ብወግዒ ከፊቶም

እግዚኣብሔር ዝዕድለና ጸጋታት ኵሉ ናይ ውልቅናን ንውልቅናን ኣይኰነን ወይ ዝግብኣና ስለ ዝዀነ ኣይኰነን፡ ዝተዓደለና ጸጋ ጥምቀት ከም ኣብነት ሕስብ ነብል

እቲ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝቕጽል ናይ ለምዘበን መበል 52 ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ዕለት 18 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ቅዱስ ኣቦና ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉጅለ መንፈሳዊ መራሕቲ ዝተሳተፍሉ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ብምስታፍ ብዝለገስዎ ስብከት ብወግዒ ኣጀሚሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጽድቂ ጥራይ ስዐብ (ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 16. 18-20) ብዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ መርሕ ገይሩ ዝካየድ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ዝምርሓሉ ጸሎትን ቃል ኣስተንትኖ ንምሉእ ሰሙን በቲ ኣብ ኢንዶነዢያ ዝርከብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውሁዳን ማሕበረ ክርስቲያን ዝተደርሰ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣሕዛብ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝዓረፈሉ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኦርቶዶክሳውያንን ኣንግሊካውያንን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ጉጅለ ብሓባር ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ነቲ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ብወግዒ ከምዘጀመሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ለምዘበን ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየደ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ ብምዃኖም ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ መዕጸዊ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ብኣካል ከምዘይስተፉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብመንፈስ ከምዝሓብሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣቐዲሙ ይሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ዝምርሓሉ

ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኵም ዚሀበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነጋዶትኩም ፈራዶን መኳንንትን ሽሙ። ንህዝቢ ኸኣ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። ፍርዲ ኣይተቕንኑ፡ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። መማለዲ ድማ ዓይኒ
ልባማት የዕውር፡ ነገር ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበሉ። ምእንቲ ኽትነብር፡ እታ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድሪ ኸኣ ክትወርሱስ፡ ጽድቂ፡ እወ፡ ጽድቂ ጥራይ ሰዐብ
(ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 16. 18-20)  

ዝብል ቃለ እግዚኣሔር ኣሞርኵይዞም፥

በዓላት ሕዝበ እግዚኣብሔር ንፍትሒ የነቓቕሑ፡ ኣብ መንጐ ኣባላት ህዝበ እግዚኣብሔር ማዕርነትን ኩሉ ብማዕረ ኣብ ምሕረት እግዝኣብሔር ጽግዕተይና ምዃኑን ዝተቐብልዎ ሰናይ ዘበለ ኵሉ ንሓድ ሕዶም ክካፈልዎ ይዕድም፡ ኣብ በዓላት ንእግዚኣብሔር ክብርን ውዳሴን ምቕራብ ብማዕረ ንብጻይካን ንጐረቤትካን ብፍላይ ንድኻታትን ገዛእ ርእሶን ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ክብርን ፍትሕን ምፍጻም ይሓትት፡ ክብርን ሞጐስን ንእግዚኣብሔር ንብጻይካ ክብርን ፍትሕን ክትፍጽም ይጠልብ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ኢንዶነዢያ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን መረሕን ቃልን ጸሎትን ክኸውን ዘቕረቦ፥ ፍትሒ፡ ፍትሒ ጥራሕ ሰዓብ (ኦርት ዘዳግም ምዕ. 16, 18-20)፡ ዝብል ናይ ኣስተንትኖ ሓሳብ ነቲ ኣብ ሃገረ ኢንዶነዥያ ዝርአይ ዘሎ ውደራ ዝብል ዋቕዕ ወይ ኣመክንዮ ዝኽተል ከይዲ ኤክኖምን ምዕባለን ዘተኣታትዎ ዘሎ ብዙሓት ኣብ ድኽነት ጠንጢኑ ዝውንጨፍ ውሑዳት ዘሀብትም ምዕበለ ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ሓልዮትን ዝብል መሰረታዊ መምርሒ ንሓደጋ ይቃላዕ ምህላው ዘመላኽት እዩ፡

ሓደ ሕብረተሰብ ወይ ማሕበረ-ሰብ ከም መሰረታዊ መምርሒ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብል ዕሴት ከጥፍእ እንከሎ፡ ዘስዕቦ ጸገም እንርእዮ ዘሎና ክልተ ተጋራጫዊ ደረጃ ሕይወት እዩ፡ ሰማይ ጠቐስ ሕንጻታትን መወዳድርቲ ዘይብሎም ምሾታውያንን መገያየጺ ምዕረፊ ኣጋይሽን ናይ ንግዲ ማእከላትን ደረት ኣልቦ ንዋታዊ ሃብትታትን ኣብ ታሕቲ ኸኣ ኣብ ክቱር ድኽነትን ሓሳርን ምንባር ዓይነት ሕይወት ትርኢ፡ ሃብቲ ተኻፊልካ ዘይንበር እንተድኣ ኰይኑ ሕብረተሰብ ይገማማዕን ይበርስን፡

እግዚኣብሔር ዝዕድለና ጸጋታት ኵሉ ናይ ውልቅናን ንውልቅናን ኣይኰነን ወይ ዝግብኣና ስለ ዝዀነ ኣይኰነን፡ ዝተዓደለና ጸጋ ጥምቀት ከም ኣብነት ሕስብ ነብል፡

ካልኦት ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደልዎ ጸጋታት ክንደይ ዝነኣሰ እዩ ቢልና ዘይተዓደሉን ትሑት ሓላፋ ካብ እግዚኣብሔር ዝተገብረሎም ገይርና ንሓስቦም ይህልዉ፡ ከምዚ እንሓስብ ምስ እንኸውን እቲ ንዓና ዝተወሃበ ጸጋ መጋበርያ ትዕቢትን ንኻልኦት ንምንሻውን ዝድርክ ምኽንያት ገይርና ነመሓድሮ ኣሎና ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ መሰረት ኢፍትሓውነትን ምግምማዕን እዩ ዝኸውን፡ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ፡ ከመይ ገይርና ኢና ናብ መንግስቲ እግዚኣብሔር እንኣትው?

ዝብል ሕቶ ዘልዓሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ እዚ ሓደጋ’ዚ ንኽርስትያን ከጋጥም ዝከኣል እዩ፡ እቲ ዝተቐበልናዮ ባርኰት ዘይንብረትና ከምዝዀነን፡ ስለ ዝግብኣናን ከምዘይኰነን ምፍላጥ የድሊ፡ ምስ ካልኦት ተኻፊልና ኣብ ምንባሩ ኢና እነዕብዮ፡ ዝተቐብልናዮም ዓቢይ ይዅን ንኡስ ገርና እንሓስቦ ኵሉ ንናይ ሓባር ጥቕምን ናይ ኵሉ ንዅሉን እንተድኣ ቢልና ኣመሓዲርናዮ ብሓባር ብጽንዓትን ኣብ ትሕትና ዝመረሕ ጐዳና ዝጓዕዝ ህዝቢ ንምዃን የብቅዓና።

ቃል ምስጋና ቅዱስነቶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ስብከት ምስ ዛዘሙ፡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲና ኩርት ኮኽ፡ ብስም ኵሎም ንቅዱስነቶም ነቲ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖምን ስብከት ለጊሶም ንኽኸፍትዎ ስለ ዝፍፈቐዱ ምስጋና ከቕርቡ እንከለዉ፡

ናይ ክርስቲያን ሓድነት መሰረታውን ክብጻሕ ዘለዎ ምዃኑ ዘለኩም እምንቶ አደንቕ፡ እዚ ከኣ ንኹልና ናይ ቃልን ሕይወትን ኣብነት እዩ፡ ጉዕዞ ናብ ሓድነት ዘይቕልበስን ንድሕሪት ምምላስን ዘይፈልጥ እዩ፡ ከምቲ ዘዘኻኸርክምዎ፡ ብጸጋ ጥምቀት ኣብ ኣካል ክርስቶስ ወሲጥና ኢና፡ ሓደ ኣካል ኰይንና ከነብቅዕ ሎሚ ኣብ ማሕበረሰብን ኣቢያተ ክርስቲያንን ተመቓቒልና ንነብር ምህላውና ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጽክምዎ ኢኹም፡ እዚ ምግምማዕና ናይ ክርስቶስ ወንጌል እሙንን ኣእማንን ኰይኑ ኣብ መላእ ዓለም ከይበጽሕ ስለ ዝገብር ንኣካል ክርስቶስ ኢና ነቝስል፡

ቢሎም ደጊሞም ንቕዱስነቶምን ነቶም ኣብቲ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ሰሎት ሰሙን ኣብ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ ዝሓበሩ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕትን ምእመናን ኣመስጊኖም።

ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ብወግዒ ከፊቶም
19 January 2019, 17:28