2019 ዓ.ም. ብውድብ ሕ.መ.ዓ. ዓመት መበቆላውያን ቋንቋታት፡ ብዛዕባ ደቀባት ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ናይ ሓደ ሕዝቢ መበቆላዊ ቋንቋ ጽንታ ልክዕ ከምቲ ጽንታ ዝዀነ ዓይነት ዘርኢ እንሳሳዊ ፍጥረት እዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑን ካብዚ ሓሊፉ ቅድሚ ዘርኢ እንስሳታት ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ደቀባታውያን ቋንቋታት ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋ ምስ እትርእይ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ምዃኑ ተስተውዕል እንክብሉ ኣብ ፍቕዲ 145 የተሓሳስቡ፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ዓመት መበቆላውያን ቋንቋታት ክኸውን ቅድም ክብል ከምዝወሰነ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሰላምን ተቐባልነት ንዘለዎ ምዕሩይ ምዕባለ ኣገዳሲ ምዃኑ ግምት ብምሃብ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም እውን ናይ ሓደ ሕዝቢ መበቆላዊ ቋንቋ ዘጋጥሞ ዘሎ ሓደጋ ጽንታ ልክዕ ከምቲ ዝዀነ ዓይነት ዘርኢ እንሳሳዊ ፍጥረት ከጋጥሞ ዝኽእል ጽንታ እዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ የብርሁ። ኣብ ኣማዞን 390 ዝተፈላለዩ ደቀባት ሕዝብታትን 240 መበቆላውያን ወይ ቀቢለ ቋንቋታት ከምዘሎ ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ዓመት መበቆላውያን ቋንቋታት ክኸውን ከምዝወሰነን፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ንምቕራብ ከም ምኽንያት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ምክልኻልን ኣብ ሕንጸት ሰላምን ተቐባልነት ዘለዎ ምዕሩይ ምዕባለ ንምርግጋጽን በዚ መገዲ’ዚ ብዙሃነት ባህልታንን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ባህልታት ንምውሓስ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ምዃኑ፡ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተመልኪቱ ኣሎ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ውሳኔ ክንየው ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ እዩ ዘመላኽት። ኣብ መላእ ዓለም ሎሚ ኣውን ብዙሓት መበቆላውያን ቋንቋታት ብዘሰንብድ ናህሪ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይጸንቱ ከምዘለዉን ብዝለዓለ ደረጃ እዚ ሓደጋ ንደቀባት ሕዝብታት ቋንቋታት የጥቕዕ ከምዘሎ ይንገር።

ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንምድሓን መበቆላውያን ቋንቋታት

ኣብ መላእ ዓለም ዝለዓለ ተፈላጥነት ካብ ዘለወን መበቆላውያን ቋንቋታት ብጠቕላላ 6700 ንምጥቃስ ዝከኣል ኰይኑ፡ እዚ ሃብቲ ዓለም እውን ብምዃኑ ንምድሓን መበቆላውያን ቋንቋታት ብዝተፈላለየ መዳይ ዝዓዩ ኣገልግሎቶም ዓቢይ ክብሪ ክወሃቦን መበቆላውያን ቋንቋታት ምድሓን ማለት ናይ ደቀባት ባህልን መንነትን እውን ምክልኻል እዩ። ቅድም ክብል ኣብ 1994 ዓ.ም. ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት ነሓሰ 9 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቀባት ሕዝብታት ተባሂሉ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክበዓል ከምዝወሰነ ይዝከር። እዚ ናይ ሕዝብታትን ብዘሃነት ንምኽባር ጥራሕ ዘይኰነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብታት ደቀባት ዝፍጸም ካብ ነዊሕ ዘመነ ፖሊቲካ ባዕዳውያን መግዛእቲ እትሒዙ ዝፍጸም ዓመጽን ኢፍትሓውነትን ምጽናትን ዳግማይ ምቅላዕ ከይህሉ ዝገብር ብሔራውን ዓለም ለኻውን ጻዕሪ ክበራታዕ ዝብል ሸቶ ዝተነሮ እዩ።

ልዕሊ 570 ሚሊዮን ሕዝቢ ዝጥቀመሎም ዝተፈላለዩ መበቆላውያን ቋንቋታት

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ተስዓ ሓገራት ዝርከቡ ደቀባት ሓሙሽተ ሚእታዊ ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፡ መብዛሕቲኦም እውን ትሕቲ ጸፍሒ ድኽነት ዝነብሩ ምዃኖምን ካብቶም ኣዚዮም ንሓጋ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተቓልዑን ኣደዳ ግህሰት መሰልን ክብርን ምዃኖም ይሕበር። ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ፡ መሰልን ክብርን ደቀባትን መሰል ርእሰ ውሳኔን ክኽበረሎም ዝብል ውሳኔ ከምዘሳዂዔ ዝዝከር ኰይኑ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽን ዓፈናን ብፍላይ ልምድታቶምን ባህልታቶምን ከም ድሑር ባህሊ እናተሓስበ ንምጥፋእ ዝብል ካብ ዝወትዶም ዓመጽ ምክልኻል ከምዘድሊ ብምትሕስሳብ እውን እዩ።

ክሳብ 2100 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ካብ ጠቕላላ ቋንቋታት ደቀባት ክሳብ 90 ሚእታዊ ንሓደጋ ኣዚዩ ንሓደጋ ከምዝቃላዕን ኣብ ዓለም ቋንቋ እንግሊዝን ስፓንሽን ቻይናን ኣቢይ ጽልዋ ከምዘለዎን፡ ናይዞም ዓበይቲ ቋንቋታት ምስፋሕ ኣብ ዓለም ንተራኽቦነት ከይዲ እወነታዊ እውን እንተዀነ፡ ንምጽናት መበቆላውያን ቋንቋታት ባይታ ዝፈጥር እውን ምዃኑ ርእዩ ኰይኑ ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፡ ናይ ሓደ ሕዝቢ መበቆላዊ ቋንቋ ጽንታ ልክዕ ከምቲ ጽንታ ዝዀነ ዓይነት ዘርኢ እንሳሳዊ ፍጥረት እዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑን ካብዚ ሓሊፉ ቅድሚ ዘርኢ እንስሳታት ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ደቀባታውያን ቋንቋታት ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋ ምስ እትርእይ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ምዃኑ ተስተውዕል እንክብሉ ኣብ ፍቕዲ 145 የተሓሳስቡ፡ ናይ ሓደ መበቆል ቋንቋ ምጽናት ልክዕ ከም ምድጽናት ሓደ ዓይነት ዘርኢ እንስሳ ወይ ዘርኢ ኣትክልቲ እንራየሉ ግዜ በጺሑ እዩ ይብሉ፡ ስለዚህ ናይ ደቀባት ቋንቋን ባህልን መንነትን ማሕበረሰብ ደቀባት ምክልኻል ሕጹጽ ምዃኑ ህልው ኩነታት ደቀባት ዝጠልቦ ሓላፍነት እዩ እንክብሉ የብርሁ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከባቢ ኣማዞናዊ ፐሩ ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ምስ መናሰያት ኣማዞን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ

ደቀባት መንእሰያትን ሕዝብታትን ነቲ እንዝንግዖ ሓቀይና ሕይወት ከም ኣማራጺ ዘቕርቡልናን ሓቀይና ሕይወት መስከርቲ ኣያቶም እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ኣማዞናዊ ከባቢ ኣብ ዞባ ታምቦፓታ ኣብ እትርከብ  ብስነ ሕይወት ብዙህነት ሃብታም ተባሂላ ኣብ እትግለጽ ብጸጋታት ሃብቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ከተማ ፑወርቶ ማልዶናዶ ምብጻሕ ኣካዶምን ምስ ደቀባት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ከምዘስመሩሉን፡ እቶም ካብ ደቀባት ክፍሊ ማሕበረሰብን ከባብን ዝመጹ መንእሰያት ሓደራ ምዕባለ ዝብል ከይዲ ብጌጋ ካብ ምርዳእን ብትኽክል ዘይምጥቃምን ንዝፈጥሮ መንጸሮር ኢድኩም ኣይትሃቡ። ካብ ደቀባት ኣበው ዝወረስክምዎ ጥበብን ሕልምታቶምን ሓደራ ከይተዕብሩ፡ እቲ ዝረኸብክምዎ ዕድል ንሕንጸትኩምን ነቲ ጥበብን ሕልምታትን ኣበው ደቀባት ንምትግባሩ ዝድግፈኩም ክኸውን ኣለዎ ስለዚህ መበቆልን ደቀባትነትን ኣብ ሕይወትኩም ጸምርዎ፡ ከምቶም ናይ ሕብረተሰብ ጓዕዚ ተጣቢቖም ተሳሒቦም ተመሳሲሎም ከምዝኸዱ ኣይትኹኑ፡ ስለምታይ ንስኻትኩም ከም ዘንቀሳቕስ ሞተር ተድልዩና ኢኻትኩም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

እቲ ዝተመሃርክምዎ ነቲ ዘለኵም በመቆላዊ ዘድልዮ ዓለም መንን እንታዎትን ከም ምዃንኩም ኣቕርብዎ እምበር ብተመሳሲልካ ምንባር ኣይተቕርቡ። ንስኻትኩም ክፍሊ ኣማዞናዊ ህዝቢ ምዃኖም ዘሕብኖም ንሰብኣዊ እውነተይና ሕይወት ከም ኣማራጺ ዘቕርቡ እውነተይናውያን መንእስያት ደቀባት ተድልዩና ኢኻትኩም።

ንዓለም ተድልይዎ ኢኹም እዚ ተደላይነትኩም ከይበርስ ብተመሳሳሊ ናይ ካልእ ህዝቢ ዜጋ ብናይ ምዃን መጓዓዝያ ትሳሓቡን እውነተይና መንነታዊ መበቆልኩም እትሓብኡ ኣይትኹኑ። ስለዚህ እቲ መንእሰይ ወደባት ንሕብረሰብና ዘመሓላልፎ ዓቢይ ትምህርትን ባህልን ኣለዎ። ብፍላይ ነቲ ሎሚ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሕይወት ኣግባብ ካብቲ ካብ ስስዔን ህርፋንን ዝነቕል ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣዕናውነት ናብ ተንከባኻብነትን ድልያ ናይ ሓባር ጥቕምን ብዝብል ናይ እውነተይና ሕይወት ኣብነትኩም ክብድሆ ብምንባርኩም ኣተተሓሳቡ።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣማዞናዊ ሕዝቢ ፐሩ ኣብ 2018 ውርሒ ጥሪ

ኣብዚ ምሳኹም ክራኸብ፡ ካብ መዓሙቕ ልበይ እታ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ይሴባሕ እትብል መዝሙር ውዳሴ የውሕዝ፡ እወ ነዚ ምርኻብ’ዚ ስለ ዝዓደልካና ንውድሰካ። ካብ ዝተፈላለየ ናይ ከባቢ ኣማዞን ደቀባት፡ ሃራክቡትን ኤሰኤኻስን ማትሲጉአንካስን ዪነስን ሺፒቦስን ኣሳኒንካስን ያነሻስን ካኪነስን ናሁኣስን ያሚናሁኣስን ኹኒ ኵዪን ማዲኻን ማንቺነሪስን ኩካማስን ካንዶዚን ኰወኩዋስን ሁይቶቶስን ሻዊስን ኣቻኡርን ቦራስን ኣዋኹን ዋምፒስን ዓሌታት ኣማዞን ንመላእ ኣማዞናዊ ሕዝብን ኣብዚ ንኣማዞናዊ ሕዝብን መሬትን ብዝፍጽምዎ ካብ ወንጌላዊ ልኡክነትን ክሳብ ዝተፈላለዩ ሰብኣውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ተመዲቦም ብዝህብዎ ኣገልግሎት ደቂ ኣማዞን ንዝዀኑ ሰላምታይ አቕርብ፡ ምሳኹን ንምርኻብ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ኩነት እዩ። በቲ ናይዛ መሬት ነጸብራቕ ዝዀነ ወጅህታትኩም ኣቢልኩም ንከባቢኹም ኣማዞም ብቐረባ ክርእዮን ከስተውዕሎን ስለ ዝገበርኩም አመስግነኩም። ወጅህታትኩም ኢታእላው ብዙህነት ዝዓሰሎ ስነ ሕይወታውን ባህላውን መንፈሳውን ሃብትታትኵም ዝምክስክር እዩ። ኣብዛ መሬትኩም ኣማዞን ንዘይንቕመጥ ሕዝብታት ናታትኩም ጥበብን ንኣማዞንን ነቲ ዅሉ ናይ ተፈጥሮ ትዕድልታቱ ብዘይምዕማጽ ናብ ኣማዞን ንኽንኣቱ እትገብሩ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ፥ “… እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሳእንኻ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ’ (ጸኣት. 3,5) ከምዝበሎ እዩ።

ነቲ ዘደንቕ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን ስርሓት እግዚኣብሔር ዝዀነ መሬትኩም ዝሓቝፎ ሕይወታዊ ብዙህነት እንክርእይ ደጊሚ ንጐይታ ውዱሴ ኢኻ ክብል ፍቐዱለይ። እዚ ይሴባህ መዝሙር ውዳሴ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ኣማዞንን ሕዝብን ዝተፈጸመ ግፍዒ ዘንበሮ ጥልቂ ኣቑሳል ክንሰምዕን ክንርእን ብሓቂ ልብና ክስበርን ይድርኽ። ብሓባር ብናይ ቤተ ክርስቲያን ልቢ ክበጽሓኩም ክሰምዓኩምን ኣብ ብድሆታትኩም ምሳኹም ሓቢረ ክዓይን ምሳኹም ሓቢረ ርቱዕ ዝዀነ ምክልኻል ሕይወትን መሬትን ባህልታትን ከረጋግጽ ድምጸይ ከስምዕ ክበጽሓኩም ደለኹ፡ እዚ ድላይ’ዚ ድማ እነሆ ተፈጸመ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ናይ ከባቢ ኣማዞን ደቀባት ካብ ቀደም ሎሚ መሬቶምን ክባቢኦምን ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ። …. እዚ መሬትኩም መሬት ኣማዞን ብዝተፈላለየ ሓድሽ መኽሰብ ጥራሕ ብዝብል ሃርጓፍ ኤኮኖሚያዊ ስርዓት ምኽንያት ዘለዎ ሃብቲ ኩሉ ነዳዲ ድዩ ጋዝ ወርቂ ድዩ ክምጸይ ኣብ ልዕሊ መሬትኩምን ኣነባብራኹም ህላዌኹምን ዓቢይ ስግኣትን ናይ ሰብኣዊ ህላዌ ግምት ዘይህብ መሬቱ እምበር ህዝቡ ዘይብል ናይ ኤኮኖሚያዊ ረብሓ ጸቕጢ ብገለ ገለ ዝሩግ ፖሊቲካ ዝነቓቓሕ ስርዓት ብጭቡጥ ንኣኻትኩም ተወለድቲ ኣማዞን ግምት ዘይህብ ዓይነት ጸቕጥታት ምኽንያት ንዓቢይ ስግኣት ክቃላዕ ገይሩ ኣሎ። …. መሬትን ህዝቢ ኣማዞንን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ፡ ገለ ገለ ምንቅስቓሳት ናይ ከባቢ ኣማዞን ሓምላይ ሃብትታቱ ብምቁጽጻር ነቲ ዝቆጻጸርዎ ኣብ ዋጋን ዕዳን ብዘእትዉ ናይቲ ከባቢ ሃብትታት ዘይተቐራቢ ዝገብሩ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣማዞናውያን ሳዕቤን ስቃይን መከራን ስደትን እናዀነ እቲ መሬትን ሕዝብን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ተቓሊዑ ይርከብ ኣሎ።  … ንኣማዞናዊ ሕዝቢ ዘይሓስብ እቲ ከባቢ ኣማዞን ከም ዘይጽንቀቕ መዕደል ሃብትታት ጥራሕ ገይሩ ካብ ዝሓስብ መርኣያታት ምልቓቕ የድሊ።

ምስ ተወላዲ ሕዝቢ እማዞን ምዝታይ ዝብል ኣብ ምክብባርን ናይቲ ሕዝቢ ባህልን ቋንቋን መሰሉን ክብሩን መንፍሳዊ መለለይኡን ኩሉ ኣፍልጦ ዝህብ መንግስታዊ ኣገባብ ዘለዎ ርክብ ክህሉ ግድን እዩ። … ርክብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህልታት ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንስኻትኩም ቀንደይና ተዋሰእቲ ኢኻትኩም … ስለዚህ እቲ ዝተራእየ ዝንጽልን ኣድልዎን ጸቕጥን ኣዋዲዱ ዝፍጸም ንዝነበረ ጥንታዊ መገዲ ርክባት ዝትክእ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ዝዓሰሎ መገዲ ኣገዳሲ እዩ።

… ናይዚ ከባቢ ሕዝቢ ናይ መሬቱ ሃብትን ጸጋታትን ተጠቃሚ ክኸውን ኣለዎ እምበር ካልእ በቲ ናይቲ ከባቢ ጸጋታት ክህብትም ደቂ’ዛ መሬት ከኣ ክርስዑን ናይ ገዛእ ሃብትታቱ ዘይተጠቃምን ሕይወቱ ከመሓይሸሉ ዘኽእሎን ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ካልኦት ኣገልግሎት መውሃቢ ከውህቦ ዘኽእሎ ክኸውን ዘይምግባር ኢፍትሓውነት እዩ። … ገለ ገለ ንኣኻትኩም ከም መሰናኸል ገይሩ ኣብ ቅድሚ ዝሓስብ እቲ ናታትኩም ኣውያት ነቲ ሳዕቤኑ ክግምት ዘይኽእል ዓይነት ኣነባብራ ዝኽተል ነቲ ከባቢ ዝምዝምዝ ሕሊና ዘበራብር እዩ። ንስኻትኩም ነቲ እግዚኣብሔር ፍጥረትን ተፈጥሮን ተኸናኸኑ እንክብል ንኹላትና ናይ ዝሃቦ ተልእኾ ህያዋን ተዘክሮ ኢኻትኩም።

ተፍጥሮን ፍጥረትን ናይ ምክንኻን ተልእኾ ፍጻሜ ሕይወት ካብ ምክንኻንን ምክልኻልን ወጻኢ ካልእ ሸቶ የብሉን።

… ካልእ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሓደጋ ዘስዕብ ዘሎ ብከላ ናይ ከባቢ ኣየርን ተፈጥሮን እዩ። ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማን ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዝፍጸም ሓድሽ ጊልያነት፡ ምዝመዛ ጉልበትን ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ኩሉ ዝፍጸም ዓመጽ ናብ እግዚኣብሔር ኣቤት ዝብል ናብ ሰማየ ሰማያት ዝዓርግ ፍትሒ ዝሓትትን ዘእውይን ናይ ንጹሓን ንብዓት እዩ። … እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ስርዓት ሓድሽ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘስዕቦ ዘሎ ስቓይ ክንደይ ልበይ ብሓዘን ይመልኦ፡ ኩላትና እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ “ (ዘፍ. 4,9) እንክብል እግዚኣብሔር ዘቕረቦ ሕቶ ክንሰምዖን ንዓና ዝቐርብ ሕቶ እውን ምዃኑ ከነስተዕሎ እደልይ። ኣብይ ኣሎ እቲ ኣብ ሓድሽ ጊልያነት ዝወደቐ ሓወይን ኣበይ ኣላ ሓብተይን … ኣናረአናዮ ከምዘይረኣናዮ ኣይንኹን። ብቐጥታ ተሓተቲ ዘይምዃን ብተዘዋዋርነት ተሓታቲ ካብ ምዃና ኣይከናግፈናን እዩ፡ ኩላትና ተሓታቲ ኢና፡ እቲ ሕቶ ንኹላትና ዝምልከት እዩ።

እቲ ቅዱስ ቶሪቢዮ ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ዘሊማ፥ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ብዘይ ንሕስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዓመጽን ዘይምዝካሩ ዘይከኣል እዩ። ሎሚ እውን ዝረአይ ዘሎ ስቓይ እዩ”  እንክብል ዝተዛረቦ ቃል ከመይ ገርካ ከይተዘከረ ይሕለፍ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዘመን እቲ ቅዱስ ቶሪቢዮ ዝበሎ ሎሚ እውን ብተግባር ክረአይ እንከሎ ክንደይ የሕዝን፡ ቃል ናይቶም ናይ እምነት ነቢያት ከምቲ ሄክቶርን የሲካን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘዘኻኸሩና ናይቲ ተዓፊኑ ኩሉ ተቐቢሉ ድምጹ ተመንዚዕ ከይዛረብ ናይ ዝተግብረ ህዝቢ ድምጺ ኣዋያት እዩ። እቲ ድምጺ ናይ ነቢያት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ህልው ክኸውንን ስለ እቶም ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ኣብ ወሰናስን ተሓዲጎም ዝነብሩን ስለ ዝሳቐዩን ድምጺ ካብ ምዃን ከምዘይትቦክር አረጋግጽ።

ካብዚ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዚ እቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ስለ እቶም ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ሓልዮትን ክንክንን ምጥባቕን ከም ኣማራጺ ዘይኰነስ ቀዳማይ ዕላማ እዩ።  እዚ ክብል እንከለኹ ነቶም ናይ ከባቢ ኣማዞን ተነጺልካ ማንም ክበጽሖ ኣብ ዘይከኣሎ ከባቢ ንምንባር ዝተገዱ ደቀባት እናሓሰብኩ እዩ። … ካብቶም ኣዚዮም ተነቀፍትን ስንኩፋንን ሕዝቢ ዓለም እቶም ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ እያቶም። ናይዞም ሕዝብታት ህላዌ ናይ ሓባር ሃብቲ ናይ ኣህላኺ ህርፋን ህርመት ዝስዕብ ከይከውን የተሓሳስበና፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘቑመና መንበሪ ዝዀነ ይዅን ጃምላዊ ዕንወት ንኸይንፍጽም ዝከላኸል ውስኑንነት ኣሎ።

ነዚ ሕዝቢ’ዚ ዝወሃብ ኣፍልጦ ከም ውሁዳን ዘይኰነስ እውነተይና መዛተይትን ልክዕ ከምቶም ኩሎም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ደቀባት፡ ኣንሕና ናይ ፍጥረት ገዛእትን ወነንትን ከምዘይኰንና የዘኻኽሩና። … ናይዚ ህዝቢ ቆዝሞሳዊ ራእዩን ጥበቡን ንኣና ነቶም ናይ ባህሎም ኣካላት ንዘይኰንና ዘመሓላልፎ ዓቢይ ትምህርቲ ኣለዎ፡  … ።

ናይዚ ሕዝብ’ዚ ባህሊ ናይ ሕይወት ትእምርቲ እዩ። ኣማዞን ካብቲ ብዝሓ ሕይወት ዓቃብነቱ ክንየው ካብ ሓድሽ ዓይነት ባዕዳዊ መግዛእቲ ክዕቀብ ዝግብኦ ባህሊ ዘለዎ እውን እዩ። ናይ ብዝሓ ሕይወትን ባህልን መኽዘን እውን እዩ። ስድራ ቤት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናይ ባህልታትና ህያው ዓቃቢ ማሕበራዊ ቅዋም እዩ። … እቲ ናይ ደቀባት ስድራ ቤት ኣብ ጥንቲ ካብ ዝተኸስቱን ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ ሃጸይነት ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይዅን ገዛእ ርእሱ ብምዕባለን ከዊሉ ዝኣትው ቀስ እናበለ ባህልን ልምድን ብምዕናው ሓደኣዊውነት ዘይቅየር-ድኹም ኣመለኻኽታን ዓይነት ኣነባብራን ዝሰብኽ ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለም ኢዱ ከይሃበ ብሉጽ ተኸላኻሊ ስድራ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ።

ነቲ ብዕድመ ዝደፍኤ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጽን በሉ። ንሳቶም ኣብ ጐድኒ ፈጣሪ ከቐምጦም ዘኽእሎም ሰገራዊ ጥበብ ዘለዎም እያቶም። … ናይ ሓደ ባህልን ቋንቋን ምጥፋእ ካብቲ ኣብ ዓለም ዝነጽት ዘሎ ተባሂሎም ካብ ዝንገረሎም ዓይነት እንስሳታትን ወይ ድማ ኣታኽልትን ኣዚዩ ዝጎድእ እዩ። … ስለዚህ ባህልታትና ኣብ ተጓዓዝነት ብንቕሓት ንከላኸል፡ ከምቲ ቅድም ክብል የሲካን ሄክቶርን ከምዝበልዎ (ኣብ ፐሩ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ 2017 ዓ.ም. ምዃኑ እዩ)፥ “ደቅና ክመሃሩ ንደልይ ይዅን ደኣ እምበር ኣባይቲ ትምህርትን መደብ ሕንጸትን ባህልናን ልምድናን ቋንቋናን ናይ ኣበው ጥበባትናን ከብርስ ኣይንፈቅድን”።

ሕንጸት መራኸቢ ድልድል ንምቛም ይሕግዝ ናይ ምርኻብ ባህሊ የቕውም … ንደቀባትን ኣብ ከባቢኦም ዝርጋሔ መደብ ሕንጸት ምርግጋጽ ቅድም ቀዳድም ናይ መንግስታት ሓላፍነት እዩ፡ ዘራኽብን ዘቀራርብን ኵለንተናዊ መደብ ሕንጸት። .. ብማዕርገ ጵጵስና ነሕዋተይ ኵሎም እቲ ኣብ መደብ ሕንጸትን ምቛም መናብርተ ጥበብን ዘካይድዎ ዘለዎ ጻዕሪ ንኽቅጽልሉ እምሕጸን … ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከባቢ ኣትፍጽሞ ዘላ ኣገልግሎት ኣብ ፐሩ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ማሕበራታ ኣቢላ እተካይዶ መደብ ኵለንተናዊ ሕንጸት ዝነኣድ እዩ።

ነቶም ናይዚ ከባቢ መንእሰያት ኣብዚ መዳይ ዝህቦ ኣገልግሎትን ኩሎም ዝጣበቑን አመስግን … እቶም ባህልኹምን መንነትኩምን ክኽበርን ክዕቀብን ኣብ ጐድንኹም ኰይኖም ዝዓዩ ልኡካነ ወንጌል አበራትዕ .. ኵሎም ብመዳይ ስነ ባህሊ ተመሳሳሊ ደገፍ ንዘቕርቡ እውን አመስግን …   

ወንጌል ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ወጅሂ ክርስቶስ ብሓድሽ ራእይ የህብትማ፡ ቤተ ክርስቲያን ጸገማትኩምን ሕይወትኩም ንምውናን ዘይኰነስ ናይቲ ናይ ኣነባብራኹም ኣገባብ ኣወዳድባኹምን ጓና ክትከውን ኣይትደልን። ንስኻትኩም ደቀባት ነታ ኣብ ከባቢኹም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ልኡካነ ወንጌልን ምሳኹም መታን ክሓብሩ ብባህልኹም እትሓንጹ ኢኻትኩም። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ምስ ኩሉ ብምዝታይ ኣማዞናዊ መልክዕ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ትቕረጽ። በዚ መንፈስ’ዚ ተደሪኸ እየ ድማ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ዝጸዋዕኩ።

ኣብ ናይ ሕዝብታትን ኣብ ልዕሊ ኵላትኩም ዘሎ ንምንባርኩም ዝትንክፍ ሓደጋ ንምዳህ ኣብ ዘለኩም ብቕዓት እምንቶ ኣሎኒ። ብቕዓት ከምዘለኩም ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ታሪኽ ብዘበርከትክምዎ ኣስተዋጽኦን ብዘለኩም ፍሉይ ናይ ሰብኣዊ ተራኽቦነት ራእይን ምስ ምህዳርን ዘለኵም ናይ እምነት ተምክሮ ዝግለጽ ሓቂ እዩ። 

ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣናት፥ ዕንወትን ምግባረ ብልሽውናን ኣይፋል ብምባል ተስፋ ንከላኸል

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብ ፐሩ ተፈጥሮ ናይ ምጥቃም ዝብል ኣብ ልዕሊ ምሬት እታ ሃገር ዝወርድ ሓደጋ፥ ምብራስ እቲ ንሕወታዊ ተራኽቦነት ዝሃስይ ዝተፈላለዩ ሕይወታውያን ሃብቲታት ዘጽንትን ብጠቕላላ ነቲ ውዱዕ ስነ ምህዳራዊ ቀውምታ ዘዛብዕ ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን ናይ ምብራስ ተግባር ዝብሉ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ስግኣት ዘርዚሮም እምበር ከስ ይብሉ ነቲ ድሮ ዝተሰግረ ከይዲ ምዕባለ ዝትክእ ኣብ ፍጥረትን ተፈጥሮም ጉድኣት ዘየብጽሕ ኵለንተናዊ ምሉእ ምህዳራዊ ምዕባለ ምንቕቓሕ የድሊ። እዚ ማለት ድማ ናይ ከባቢ ሕዝብታት ምኽባርን ጽን ምባልን ኣፍልጦ ምሃብን ይሓትት ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ደቀባትን ናይ ከባቢ ሕዝብታትን ምስ መሬት ቀጥተይና ርክብ ዘለዎም እያቶም ስለዚህ ናይ ከባቢኦም ጊዜን ዘለዎ ስግኣትን ኩሉ ዝፈልጡ ክነሶም ንኣኣቶም ዘይምስማዕ ሓደጋ እዩ ዘስዕብ። ዕንወት ምህዳር ብቐጥታ ምስ ናይ ሕብረተሰብ ግብረ ገባዊ ውድቀት ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚህ ስነ ምህዳርን ግብረ ገብን ዝተኣሳሰሩ እያቶም፥

 ቢሎም ንኣብነት ስርዓት ኣልቦ ምዝመዛ ጸጋታት ሃገር ናይ ብዙሓታ ዜጋታት ሕይወት ንሞት ይዳርግን ኣግራብ የባድምን ወሓይዚ ናብ ስእነት ማይ የሰጋግርን፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ዓመጽ ጉልበት ሰብ ዝምዝምዝ ሓድሽ ጊልያነት የስፍሕ ናይ ሕዝብን ሃገርን ክብሪ ንሓደጋ የቃልዕ

ናይ ግልጽነት ባህሊ ጸረ ህዋስ ምግባረ ብልሽውና እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም

እቲ ካልእ ምህዳራዊ ዕንወት ቀስ ብቐስ ማሕበራዊ ሕይወት ዝብክል ንብዙሓት ዝለክፍ ዓይነት ህዋስ ኰይኑ ምግባረ ብልሽውና ዝበሃል ህዋስ የራብሕ። እዚ ዓይነት ማሕብራዊ ፌራ ንዅላትና ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ ተስፋ ንምክልኻል ብሓባር፡ እዚ ማለት ድማ ግልጽነት ዝብል ባህሊ ኣብ ኩለን ናይ መንግስትን ናይ ግልን ትካላት ኣብ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ኵለን ማሕብራት ኣቢያተ ክርስትያን እውን ምስፋሕ የድሊ። ካብዚ ከይዲ’ዚ ወጻኢ እየ ክብል ዝኽእል ማንም የሎን። ምግባረ ብልሽውና ምእላይ ዝብል ጻዕሪ ናይ ኵሉ ምትሕብባርን ሱታፌ ይሓትት።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐሩ ምስ ሃገር እያ ስለምታይ ፐሩ ንዅሉ ቦታ ክህልዋ መታን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐሩ፡ ሃገራዊ ሓድነት ምትብባዕ ሓላፍነታ እዩ፡ ናይ ተስፋን ኵሉ ዕድል ዝረኽበሉ ንገለ ገለ ዜጋ ጥራሕ ዘይብል መላእ ወዲ ሃገር ዝረብሓላ ሃገር ክትከውን ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎታ ተቕርብ።

እቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ተቕዋም ኣብ መርሕነት ዘለዉን ሓላፍነት ዝተቐበሉን ፐሩ መሬት ተስፋን ዕድልን እዩ ካብ ዝብል እምንቶ ዝምንጭው ውሕስነት ንሕዝብኹምን መሬትኩምን ከተቕርቡ አተባብዕ፡ ንኹሉ ፐሩቪያን፡ ኩሉ ዜጋ ሃገረ እያ ዘብሎን ወጻእተይና ኰይኑ ዘይስምዓላ ሕውነታውን ማዕርነትን ዝዓሰሎ ርክብ ምስ ብጻዩ ዘረጋግጸላ ነቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝድግፍ ዜጋ ዝዀነላ መጻኢ ሕይወትካ እትኽውነላ ሃገር። በዚ መገዲ’ዚ ኩሉ ቦታ ዝረኽበላ ቃል ዝተኣትወ ናይ ፐሩ ሕይወት ዝኽወነሉ ቦታ ክህልዎ ዘብቅዖ ሕንጸት ሃገር ምርግጋጽ

ከምዝበሉ ዘዘካኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እዚ ቃል ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነ 2019 ዓ.ም. ዓመት መበቆላውያን ቋንቋታት መሰረት ምዃኑ ይሕብር።

05 January 2019, 08:10