ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኢትዮጵያ መራሔ መግንስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኢትዮጵያ መራሔ መግንስቲ ኣቢይ ኣሕመድን 

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኢትዮጵያ መራሔ መግንስቲ ኣቢይ ኣሕመድን

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበገሰ ሰናይ ስነ መላዊ ርክብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤትራን ናይቲ ክሌኣዊ ርክብ ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ምርግጋእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እተበርክቶ ዘላ ህርኩት ጻዕሪን ኣብ ኣፍሪቃ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምርግጋእን ምዕባለን ዝተፈላለዩ ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝርኣዩ ሕድ ሕዳዊ ግጭታት እውን ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከበሎም ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ተኻይዱ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ብናይ ሃገሮም ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ተሰንዮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኢትዮጵያ መራሔ መንግስቲ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐብሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ብጋሴ ስነ መላዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምርግጋእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ምዕባለ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃን ኣስተዋጽኦ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበገሰ ሰናይ ስነ መላዊ ርክብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤትራን ናይቲ ክሌኣዊ ርክብ ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣርብዓን ክልተን ዓመት ዝዕድመኦም ናይ ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ረፓሊክ ኢትዮጵያ መራሔ መንግስቲ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ምርግጋእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እተበርክቶ ዘላ ህርኩት ጻዕሪን ኣብ ኣፍሪቃ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምርግጋእን ምዕባለን ዝተፈላለዩ ኣብታ ክፍለ ዓለም ዝርኣዩ ሕድ ሕዳዊ ግጭታት እውን ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከበሎም ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ተኻይዱ። ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብሔራዊ ዕርቅን ንኵለንተናዊ ምዕባለ ኢትዮጵያን ንምኽዋን ዘካይዶ ዘሎ  ዝተፈላለዩ ተበገስቶታት ኣብ ዘማእከለ ርእሰ ጉዳይ ከምእተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እምነት ክርስትና ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ዘበርከቶን ዘለዎን ኣስተዋጽኦን ኣስተዋጽኦ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን እውን ልዕሉ ምዃኑ ኣብቲ ክሌኣዊ ዘተ ከምእተሰመረሉ ኣፍሊጡ።

ምልውዋጥ ገጸ በረኸት

እቲ ክሌኣዊ ዘተ ምስ ተዛዘመ መራሔ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንቕዱስ ኣቦና ባህላዊ ናይ ኢትዮጵያ ጋብን ትንሳኤ ክርስቶ ዝገልጽ ናይ ስእሊ ቅብኢ ንቕዱስነቶም ገጸ ከምዘበርከቱን ቅዱስ ኣቦና እውን ብወገኖም ኣብ ምድረ በዳ ንኽትቦቅል ትቀላቐል ዘላ ሓንቲ ተክሊ ዘለላ ዘቢብን ዘርእይ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ብሓደ ናይ ስነ ቅብእን ቅርጻ ቅርጽን ጥበበይና ዝተሳእለ ምስሊ ዝተነብሮ መዳሊያ ለጊሶም፡ እቲ ምስሊ ነቲ ኣብ ትንቢት ኢሳያስ “እቲ ምድረ በዳ ከም ፈራዪ ሺዕበት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ብዙሕ ኪፈሪ እዩ (32.16) ዝብል ቃል ትንቢት ዝገልጽ ምዃኑ እውን ኣብሪሆን፡ ኣስዒቦም ናይ 2019 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላምን፡ ሓዋርያውያን ምዕዳን፥ ናይ ወንጌል ሓሴትንን ተፈስሁ ወተሓሰዩን ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ዘርእስቱን ከምኡ እውን ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽትን  ከምዝገለሱሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቦም መራሔ መንግስቲ ዘኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ክሌኣዊ ዘተ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ኣገዳሲ እዋን ንኢትዮጵያ

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን መራሔ መንግስቲ ዘኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ 20 ዓመት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ንናይ ብዙሓት ሕይወት ምኽንያት ሕልቂት ዝዀነ ውግእ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ምስ ኤርትራ ብዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ምዝዛሙን ባዕሎም ቅዱነቶም እውን ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም.፥

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርአይ ዘሎ ተስፋ ነቲ ልዕሊ 20 ዓመት ዘቑጽር ዝነበረ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ውጥረት ዘወግድ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎን እተን ኣብ ዘይ ሰላምን ዘይ ውግእን ንዘለዋ ጥራሕ ዘይኰነ ነተን ኣብ ውሽጣዊ ሁከትን ቅልውላውን ንዝርከባ ሃገራት እውን ተስፋ እዩ

ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮቶም ንምግላጽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም ዓቢይ ናይ ተስፋ ምልክት እንክብሉ ድሕሪ ዝገለጽሉ እዋን ዝተኻአደ ርክብ ብምዃኡ ብሓቂ እዚ እዋን’ዚ ንኢትዮጵያ ኣገዳሲ እዋን ምዃኑ እዩ ዘነጽር።

ምልክታ ተስፋ ንተን ክልተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን ግጭትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ውጥረት ዘወግድ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ምጥቃስ ግድን ሓላፍነትን እዩ፡ ብሰላም ናይ ክልቲኣተን ሃገራት መንግስታት ተራኺቦም ክዝትዩ በቒዖም፡ ንኽልቲኤን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝርከባ ሃገራትን ንመላእ ኣፍሪቃን ናይ ተስፋ ጮራ እዩ፡

ቢሎም ዝተሰምዖን ሓጐስ ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ።

ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ንዘኽታማትን ንኣደዳ ውግእን

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥

ክቡራት ኣሕዋተይ ብፁዓን ጳጳሳት! ብሓባር ምስ ካህናትኩምን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ሃገርኩም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እቲ ጥዑም መኣዛ ወንጌል ንኸተስፍሑ ዝተጸዋኦኩም ኢኻትኩም፡ ምስቲ ናይ ነዊሕ ዓመት ቀጻሊ ምስሕሓብን ብተወሳኺ እውን ድኽነትን ድርቅን ንሕዝቢ እተን ሃገራት ከቢድ ስቓይን ኣስዒቡ እዩ፡ ይኣክል፡ ኣብ ወንጌል ኣስተንፍሶ ዘንበረ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ መንግስትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር ንእተበርክትዎ ዘለዅም ማሕበራዊ ኣገልግሎትኵም አመስግን፡ ነቶም ሃገሮምን ስድራ ቤቶምን ዛሕዚሖም ዝስደዱ መንእሰያትኩም እሓስብ፡ ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኵር ኩነት ኣረጋውያንን ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ተረሲዕም ንምንባር ሓደጋ ተቓሊዖም ይርከቡ፡ ነዞም ኣብ ማእከልኩም ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ብርቱዕ መሰኻኽር ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓይልታትኵም ኣዋዲድኩም ቁልሕ በልዎም፡ ንድኻታትን ዝተጨቆኑን ዘለኵም ፍቕሪ ምስ በርገሳውያን ሰበ ስልጣናት ብምትሕብባር ንንናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ ሓደስቲ ዕድላት ኣናድዩ!

ዝብል ምዕዳን ዘማእከለ ዘረባ ኣስሚዖም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘካኽር።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኢትዮጵያ መራሔ መግንስቲ ኣቢይ ኣሕመድን

Photogallery

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኢትዮጵያ መራሔ መግንስቲ ኣቢይ ኣሕመድን
22 January 2019, 10:55