ር.ሊ.ጳ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ሰብኣውነት ተነቓቕሕ ር.ሊ.ጳ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ሰብኣውነት ተነቓቕሕ 

ር.ሊ.ጳ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ሰብኣውነት ተነቓቕሕ

ፍጥረት ኩሉ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ዝተፈጥረ እዩ

ዕለት 15 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋሜ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋምን እቲ ተቕዋም ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋሜኡ ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 27 ለካቲት 2019 ዓ.ም. “ሰብ ሰርሖ ሰብ መሰል ዕደ ጥበባዊ መሳለጥን ስነ ምግባርን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናድዎ ዓውደጉባኤ ምኽንያት ብምግባር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእንተወሃበ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱነቶም ኣብዚ  እዋን’ዚ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት መሰረታዊ ክብረ ገደብ ከምዝገሃስን እዚ ኸኣ ጽንሲ ምንጻልን ገና መድሃኒት ብዘይተረኽበሉ ሕማም ብኸቢድ ዝተጠቕዑን ሕይወት ምቕንጻልን ኣብ ዝብል ናይ ሞት ባህሊ ኣንዳዕዲዑ የንቆልቁል ከምዘሎ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ብዛዕባ እቲ ኵላዊ ስነ ምግባርን ብዛዕባ ፍጥረትን ሰብኣዊ ሕይወትን ምግዳስ ዝብል ሓድሽ ሰፊሕ ትርኢት ኣገዳሲ እዩ፡ ሰብኣውነት ብሕውነትን ምትሕብባርን ብዝብል ኣመለኻኽታ እንተዘይኰነ ሰብኣዊ ሕይወት ምክንኻንን ምዕቃብን ምስ ዝብል ራእይ ብዘጋራጨው ህልዮታት ካብ ምድንጋር ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ትብጻሕ ናብ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ እንክብሉ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም፡ … ፍጥረት ኩሉ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ዝተፈጥረ እዩ ኣብ ዝብል ናይ ሓባር ግንዛበ ምዕባይ ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ኣብዚ እንነረሉ ዘሎና ዘመን ቤተ ክርስቲያን እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ዝፈጠሮ ሰብ ዘለዎ ሓልዮት ዝጸንዔ ናይ ሕይወት ሰብኣውነት ከተነቓቕሕ ዝተጸውዒት እያ። ነዚ ንምንቕቓሕ ካብቲ ዘይቅድመ ኰነታውነት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ደራኺ ሓይሊ ክትረክብ ይግብኣ፡ ናይ ወንጌል ጽባቔን ማራኽነትን ናይ ሓባር ቁጠባውን ፖለቲካውን ናብራ ናብ ዝዀኑ መምዘንታትን ወይ ከኣ ኣብ ገለ ገለ ካብ ህልዮኣዊ ስነ መጐት ዝነቕሉ ጠመቓውያን ወይ ግብረ ገባዊ መምዘንታት ምውራድ ኣይግባእን።

ታሪኽ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ዕለት 11 ለካቲት 1994 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ስነ ምርምር ሊቅ ብፁዕ ዠሮም ለየውን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕን ብዙሕ ለውጥታትን ዘስዕብ ዘሎ ናይ ስነሕይወት ስነ ሕክምና ምርምር ኣቐዲሙ ብምስትውዓል ብዘቕረቦ ሓሳብ ተደሪዀም ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ሕይወት መሰረት ገይሮም ብዘለዎም ፍልዩ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰል፡ Vitae myserium – ናይ ሕይወት ምስጢር ብዝብል ኣርእስቲ ብዝኣወጅዎ ውሳኔ መሰረት ኣገዳስነቱ ብምሕባር ዘቖምዎ ተቕዋም ክኸው እንከሎ፡ ስነ ምርምርን ዕደ ጥበብን ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ፍጥረት ብሓፈሻኡ ኣብ ኣልግሎት ሕይወትን መሰረታውያን ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን ክውዕል ከምዘለዎን ጥራሕ ዘይኰነስ ኵላውነት ሰብኣዊ ፍጥረትን ናይ እግዚኣብሔር መለኰታዊ መደብ ድሕነት ንምእዋንን ኣብ ዝብል መሰረት ዝቖመ እዩ።

ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ቅድሚ ፍጥረትን ተፈጥሮን እውን ናይ እግዚኣብሔር ጭቡት ሕልሚ እዩ (ንቡር ኣብ እግዚኣብሔር) ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብሪሆም ስለዚህ ኣብዚ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዘራኽብ ናይ ሓባር ርቛሒ ዝዀነ ኣናስር ኣብ እግዚኣብሔርን ፍቕሩን ኣብ ዝህልዎ ምስትውዓል ክዓብይ የድሊ፡ ሕይወ ካብ ሓልዮትን ፍቕርን እግዚኣብሔር እዩ ዝምንጭው።

ዓቢይ ትኩረት ክግበረሎምን ክብድሁን ዝግብኦም መተዓናቕፎታት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ታሪኽ ቅዋሜ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ምስ ገለጹ፡ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ክገጥሞም ዝግብኦ ምስ ናይ ግልን ማሕበራውን ሕይወት ዝተተሓሓዙ መተዓንቅፎታት ክዝርዝሩ እንከለዉ፡ ካብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክንየው ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳውነት ጉዳይ ብምትኳር ዋላ’ኳ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ዕደ ጥበባውን ምዕባሌታት ብቐጻልነት ይብጻሕ እውን እንተሎ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዛዕባ ሕይወት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ክገማማዕን ብሓፈሻኡ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝገማምዕ ኩነት ይሰፍሕ ኣሎ፡ ዝብጽሑ ምዕባሌታት ብኻልእ መዳይ ዝገማምዕ ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ እዩ ዝመልስ፡ እዚ እውን ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝህልዎ ጽልዋ ብሰፊሕ ምስ ተንተኑ፥

ናይ ቤተ ክርስቲያን ከቢድን ዓብይን ሓላፍነት

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዅሉ እቲ ምግምማዕን ተጻባኦነትን ዘይምግዳስን ዝብል ዝሰፍሕ ዘሎ ብቐጥታን ብዝተዘዋሪ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዓቢይ ጽልዋ ዝፈጥርን ሕጹጽ ናይ እዋንና ሓደጋ  ኵይኑ ንዘሎ ዓይነት ኣመለኻኽታን ተግባርን ንምብዳህ ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለዋ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ንሓድሽ ርእየት ሰብኣውነትን ነዚ ኣብ ሕውነትን ምትሕብባን ኣብ መንጐ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሕዝብታትን ምንቕቓሕ ግዚኡ በጺሑ እዩ፡ እዚ ናይ ኵሉ ብፍላይ ከኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሓላፍነት ምዃኑ የረድኡ።

መጻኢ እናማዕደዉ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ካልእ ዘንበርዎ ሓሳብ፡ ናይቲ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም መጻኢ እናማዕደዉ፡ ሎሚ ይብሉ፥ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ጭቡጥ ተመክሮ ቃለ ወንጌል ስቡእ ክኸውን መታን ናይ እዋኑ ሰብኣዊ ፍጥረት ቋንቋ ምስዃዕ የድሊ፡ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ንናይ ሓባር ጥቕሚ ብትብዓት ዘተ ዝካየደሉ ስፍራ ክኸውንን ሓደራ ምስ በሉ፡ ብፍላይ ውሳኔታት ንምኽዋን ኵላውነት ባህርይ ዘለዎም መምዘንታት ዘቕርብን እዚ ኸኣ መሰልን ግብኡን መሰረት ብምግባር ይኹን፡ እቲ ተቕዋም እቶም ዝብጽሑ ዘለዉ ሓደስቲ መሳለጢያ ዕደ ጥበብን ተበጽሖታት ብጠቕላላ ስነ ምርምርን ውስጠ መረብትን ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምርምር ዕደ ጥበብን ሰብ ሰርሖ ሰብ መሰልን መጋበርያን ዝኣመሰሉ ናይ ስነ ምርምር ተበጽሖታት ብቕርበት ክዕሙቕ የተሓሳስቡ።

እዋናውነት ዝኣተዎም ግን ዘየኽበሮም ቃል ኪዳናት

ቅዱነቶም መልእኽቶም፥ ስነ መድሃኒትን ቁጠባን ስርዓት ቁጠባን ዕእደ ጥበብብ ፖለቲካን ዝብሉ ኣብ ውሽጥን ዙሪያን ከተማታት ዝዕተሩ ምዕባሌታት በቲ ማእከላዊ ክፍለ ከተማን ህልውናን ጥራሕ ዘይኰነ ብፍላይ ንናይ ደጋዊ ፍክለ ከተማታናን ህልውናን ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ፡ እቲ ቃል ዝተኣትወ ሕውነት ዝብል እዋናዊ ዓለም ዘየኽብሮ ክኽበርን ክንበርን ተስፋ እገብር ምስ በሉ፡ እቲ ንእግዚኣብሔር ብመፈስን ሓቅን ምስጋድን ምምላኽን ዝብል ናይ ክርስትና ሓድሽ ዶብ ኣብ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝተፈጥረ ሕውነታውነት ምንቕቓሕን ምሕያልን፡ ናይ ክርስትና ዶብ ሕውነት እዩ ኢሎም የጠቓልሉ።

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መሰረት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣዝ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲን ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ ምንበር ቡፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ናይ ስነ ምግባር ቲዮሎጊያን ናይ ዕደ ጥበብ ስነ ምግባርን መምህር ፕሮፈሰር ኣባ ፓውሎ በናንቲን ካልኦት ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምርምር ሊቃውነንቲ እውን ከምእተሳተፉ ካብ ቅድስቲ መምበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝወጸ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ሰብኣውነት ተነቓቕሕ
16 January 2019, 17:17