ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ግልጸተ ዘእግዚእነ፥ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኽገልጽ

እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኽገልጽ ናይ ሎሚ ወንጌል (ማቴዎስ ምዕ. 2. 1-12) ከምዘዘንትዎ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሄሮድስ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ኢየሱስ ንግስነቱ ይገልጽ፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቶም ሰብኣ ሰገል (እቶም ካብ ምስራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ) እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?

ንኢየሱስ ንምርካብ ነቲ ናቱ ናይ ፍቕርን ትሕትናን ዝዀነ መገዲ ምስዓብ የድሊ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብላቲን ስርዓት በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለተ ሰንበት ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ሰብኣ ሰገል ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ዝውክሉ፡ ንኢየሱ ኣብቲ ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይሉን ስፍራ ዝረኸቡ እያቶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 6 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ሰዓት ዓሰርተ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ክብረ በዓል ግልጸተ ዘእግዚእነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሲ ኣዕሪጎም፡ በቶም ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ዝውክሉ ሰብኣ ሰገል ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ነሕዛብ ተገልጸ፡ ንዅሉ ብብርሃኑ ክኹልዕን ብኹሉ ብርሃኑ ክብጻሕ ዝመጸ ብርሃን።

እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኽገልጽ ሓያላን ኣየተጠቀመን

እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኽገልጽ ናይ ሎሚ ወንጌል (ማቴዎስ ምዕ. 2. 1-12) ከምዘዘንትዎ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሄሮድስ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ኢየሱስ ንግስነቱ ይገልጽ፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቶም ሰብኣ ሰገል (እቶም ካብ ምስራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ) እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ? እንክብሉ ዝሓትቱ፡ ኣብቲ ዝሓሰብዎ ኣብ ቤተ ንጉስ ኢየሩሳሌም ዘይኰነስ ኣብ ትሕትቲ ኣብ ዝዀነት ቤተልሄም እዮም ዝረኽብዎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልደቱ ሓያላንን ዘይተጸበይዎ ምውላድ ናይ ታሪኽ ንጉስ ኣብ ዝተገልጸሉ ስፍራ፡ ልክዕ ከምቲ ሓያላን ኣብ ዘይተረኽብሉ ብወግዒ ኣብ ዝተገልጸሉን ብዮሓንስ ክጥመቕ እንከሎ ክምዝነበሮ፡ እዚ እዩ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ዘደንቕ ተግባር፡ እቲ ዘደንቕ ከኣ ኣብ ሰገነት ወይ መድረኽ ዓለም ደዩቡ ኣይኰነን ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ፡ ኣብታ መላእ ዓለም ትገዝእ ኣብ ዝነበረት ሮማ ወይ ከኣ ኣብቲ ቤተ ንጉስ ሄሮድስ እንተዝግለጽ ነይሩ ኣምሓሸን ዶ ዝብል ሕቶ ምቕራብ ዝከኣል እዩ፡

እቲ ብርሃን እግዚኣብሔር ምስ ናይ ዓለም ብርሃናት ምድንጋር ፈተና ወትሩ ዓቢይን ህልውን እዩ፡ ክንደይ እዋን ወንጌል ኢና ነገልግል ዘሎና ቢልና ብእማኖት ዝማርኹ ናይ ስልጣንን ናይቲ ኣብ ሰገነት ዝኹላዕ ብልጭታ ብርሃን ስዒብና ንኸውን፡ እግዚኣብሔር ግና ኣብኡ ኣይነበረን። ናቱ ብርሃን ኣብቲ ትሑት ፍቕሪ እዩ ዝዅላዕ፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ክንደይ ሳዕ ናይ ገዛእ ርእስና ብርሃን ከነብርህ ፈትቲንና! ኣንሕና ኣይኰናን ናይ ሰብኣዊ ፍረት ጸሓይ፡ ኣንሕና ምስ እወታውን ኣሉታውን ጐድንታትና ነቲ እውነተይና ብርሃን -ጐይታ እነንጸባርቕ ወርሒ ኢና፡ ቤተ ክርስቲያን ምስጢራዊት ወርሒ (Mysterium lunae) እያ፡ ኣንሕና ዘይኰናስ ጐይታ እዩ ናይ ዓለም ብርሃን።

ነቢይ ኢሳያስ፥ “ተንስእን ብርሃን ልበስን”

ብርሃን እግዚኣብሔር ክቕበሎ ኣብ ዝደልይ ይኹላዕ፡ ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምንባብ (ኢሳያስ ምዕ. 60. 1-6) ተንስእ ብርሃን ልበስ እንክብሉ ይዛረብ፡

ምትንሳእ የድሊ እዩ፡ ማለት ካብቲ ኮፍታዊ ሕይወት ተንሲእካን ንጉዕዞ ቅሩብ ምዃን ይሓትት፡ እንተዘይኰነ ልክዕ ከምቶ መሲሕ ኣበይ ከምእተወልደ ዝፈልጡ ክነሶም ናብኡ ንኸብሉ ዘይተበገሱ ብሄሮድስ ዝተመዓዱ ጸሓፍትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ኣብ ደውታ ምትራፍ እዩ ዝኸውን፡ እቲ ብርሃን ዝዀነ እግዚኣብሔር ምልባስ የድሊ፡ ዕለት ብዕለት፡ ክሳብ ኢየሱስ ናትና ምሉእ ልብሲ ዝኸውንን ንኣኡ እንለብስን፡ ግና እቲ ናይ እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ብርሃን ዝዀነ ልብሲ ንምልባስ እቲ ኣብ ዝባንካ ዘሎ ናይ ጃህራን ትዕቢትን ልብሲ ምቕንጣጥ የድሊ፡ እንተዘይኰነ ልክዕ ከምቲ ካብቲ መለኰታዊ ብርሃን ናይ ምድርን ናይ ሽመትን ዝናን ስልጣንን ብርሃን ከም ዝሓረየ ሄሮድስ ይኽወን።

ኢየሱስ ዘቕርቦ ኣማራጺ መገዲ

እቶም ሰብኣ ሰገል እቲ ነቢይ ከምዝብሎ እዮም ዝፈጸሙ፡ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ መገዲ ይቕይሩ፡ ስለዚህ ንኢየሱስ ንምርካብ ካልእ ኣማራጺ መገዲ ከምዘየሎ ይሕብሩ፡ እቲ መንገዲ ኸኣ ባዕሉ ኢየሱስ እዩ፡ ናይ ፍቕርን ናይ ትሕትናን መገዲ።

ንኣና እውን ከምኡ፡ ልክዕ ከምቶም ጸሓፍትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ሄሮድንስን  ኢየሱስ ኣበይ ከምእተወልደ ምፍላጥ ጥራሕ እዅል ኣይኰነን፡ ኣብቲ ዝተወልደሉ ምዃድን ምስኡ ምራኻብን እዩ ዘድሊ፡ እቲ ናቱ ኣበይነት ናትና ኣበይነት (ናቱ ስፍራ ናትና ስፍራ) እቲ ናቱ መዓዝነት ናይታ መዓዝነት (እቲ ናቱ ግዜ ናትና ግዜ) ንሱነቱ ናትና ሕይወት ምስ ዝኸውን ኣባና ትንቢት ይፍጸም፡ ሽዕኡ ኢየሱስ ኣብ ውሽጥና ይውለድን ንኣና ህያው እግዚኣብሔ ይኸውንን

ብናይ ኢየሱስ ብርሃን ንኽንበርህ ናብኡ ናይ ሰብኣ ሰገል ህያባት ሒዝና ንኺድ

እቶም ሰብኣ ሰገል እቲ ዝነበሮም መርሓ ፍጻሜታት ሓዲጐም ካልእ መገዲ ይስዕብ፡ ካብ ጐይታ ዝኸዱ ክቕበሉ ዘይኰነስ ከወፍዩ፡ ስለዝህ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ በዓለ ልደት ናብ ኢየሱስ ህያባት ሒዝና ዶ ቀሪባና ወይ ከኣ ንሓድ ሕድና ጥራሕ ኢና ህያባት ዝተልዋወጥና? ከምዚ ዝገበርና እንተድኣ ኰይና እምበኣር ከስ ኣብዛ ግልጸተ ዘእግዚእነ እነብዕለላ ዕለት ከምቶም ሰብኣ ሰገል ህያባትና ነቕርበሉ፡ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ንቕርበሉ፡ ከመይ ገይርና ኢና እነቕርበሉ፡ እወ ኣብ ሕይወትና ንእግዚኣብሔር ቀዳምነት ምሃብ፡ ናይ ጸሎት ግዜ ክህልወና ምግባርን፡ ንሓድ ሕድና ብዘይ መልሲ ብነጻ ብምትሕልላይ፡ እዚ ህያብ ንኣኡ ነቕርብ፡

ኣዚ ቅነ ልደት ነቲ ምእንቲ ኵልና ቢሉ ኣብቲ ብበዓልን ዝተመልኤ ናይ ዓለም ምድረኽ ዘይኰነ ብኹልዕ ድኽነት ኣብ ቤት ቤተልሄም ንዝመጸ ንጉስና ሰናይ ህያብ ነቕርበሉ፡ ብኸንቱ ኣይነሕልፎ፡ ከምዚ እንተድኣ ገይርና ብርሃኑ ኣባና ክበርቕ እዩ!   

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

07 January 2019, 17:46