ድለ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ካህናት ከም ዶን ቦስኮ ሕጉሳት ክዀኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ካህናት ከም ዶን ቦስኮ ሕጉሳት ክዀኑ 

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ካህናት ከም ዶን ቦስኮ ሕጉሳት ክዀኑ

ኣደ ዶን ቦስኮ ትሕትን ተቕማጢት ገጠርን ዘይተመሃረትን ክነሳ፡ ወዳ ዶን ቦስኮ ማዕርገ ክህነት ክቕበል እንከሎ፡ “ካብ ሎሚ ጀሚርካ ናብ ስቓይ ከተብል ኢኻ፡ ንስቓይ ተሰናደው” ክብላ ይምዕደኦ፡ እዚ ነቢያዊ ቃል ኣደ እዩ፡ ብስራሕ ክትደክም ኢኻ ማለት ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምጥማትን ምግልጋልን ክትጅምር ኢኻ ንምባል እዩ

ዕለት 31 ጥሪ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ዝኽሪ ቅዱስ ጆቫኒ ቦስኮ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ፥

 ዕብራውያን ምዕ. 10. ካብ ፍቕዲ 19-25

          ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 21-25

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ካህናት ከም ዶን ቦስኮ ሕጉሳት ክዀኑ

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለቱ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ካህናት ዝተቖጽሩ ሰራሕተይናታት ዘይኰኑስ ንሕዝቦም ብዓይኒ ሰብኣውነትን ብዓይኒ እግዚኣብሔርን ኣናጠመጡን አዚ ኣገባብ’ዚ ዘገልግሉ ሕጉሳት ኣገልገልቲ መደብ እግዚኣብሔር ንኽዀኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም የዘዝኻኽሩ።=

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ክህናት ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ዝገበሮ፡ ብዓይኒ እግዚኣብሔርን ሰብኣውን ህዝቦም ዝጥምቱን ዘገልግሉ ሕጉሳት ክዀኑ ከምዝግብኦም ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና፥ ብናይ ኣቦነትን መምህርን ልቢ ነቲ ንጉስናኦም ዝተውሃቦም ሕዝቢ ክመርሑን ዝግብኦም ክዀኑ ዝተጸውዑ እያቶም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ነዚ ንምፍጻም ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት ንዝነበሩ ድኻታት መንእሰያት ርእዩን ከምቲ ኢየሱስ ኣላዪ ዘይብሎ ርእዩ ዝሓዘንሎምን ዝራሕራሓሎምን ቀሪቡ ብምእላይ ንኽሕነጹ ንኽዓብዩን ብሓባር ምስኦም እናተጓዓዘ ብምስናይን ኵለ መዳያዊ ደገፍ ምስኦም ኰይኑ ዘቕረበ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣደ ዶን ቦስኮ ትሕትን ተቕማጢት ገጠርን ዘይተመሃረትን ክነሳ፡ ወዳ ዶን ቦስኮ ማዕርገ ክህነት ክቕበል እንከሎ፡ “ካብ ሎሚ ጀሚርካ ናብ ስቓይ ከተብል ኢኻንስቓይ ተሰናደው”  ክብላ ይምዕደኦ፡ እዚ ነቢያዊ ቃል ኣደ እዩ፡ ብስራሕ ክትደክም ኢኻ ማለት ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምጥማትን ምግልጋልን ክትጅምር ኢኻ ንምባል እዩ። ዶን ቦስኮ ብሕይወት ዝነበረሉ እዋን ጸረ ካህናት ኣመለካኽታ ኣዚዩ ዝሰፈሓሉ ኣዋን እዩ ዝነበረ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወ ምልከ ልዑላን ስርዓት ዝነበረሉን ድኻታትን ዝተናዕቁን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ፈቐዶ ጐደናታት ፋሕ ዝበሉን ቀደም ከም ሎሚ፡ እዚ ክኸውን የብሉን ዝበለ እዩ።

ንዅሉ ብዓይኒ ሓውን ኣቦን ዝጠመተ፡ እዞም ዝተነጸሉ መንእሰያት ናብ ጽንኩር ኩነት ህልውና ከብሉ እዮም፡ እዚ ክኸው ኣይደልን፡ ረኣዮም እሞ ራሕርሓሎም፡ ክኣልዮም ከዕብዮም ክሓንጾምን ጀመረ፡ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ንኽርእዮም ናይ መንፈስን ሰብኣውን ብርታዔ ዝተሰመዖ፡ … ንስኻ ንምልኣት ህይወት ፈጠርካዮም ሰለምንታይ ደኣ ኣብ ሓደጋን ሕሰምን ዝርከቡ? ከምዚ እናበለ ብዓይኒ ኣቦን መምህርን እናጠመቶም ከምቲ ናይ ሎሚ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝብሎ፡ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምርኣይ ይልውጥ። ንእግዚኣብሔር በቲ ብርሃን ዝልምን ዓይኒ ምርኣይ፡ ስለዚህ ነዚ ክልተ ርእየት ዘራኽብ መገዲ ዘለለየ እዩ።

ኣባ ጁሰፐ ካፋሶ ኣብቲ ኣዋን’ቲ ኣብ ቶሪኖ ንዝነበሩ እሱራት ዘጸናንዑ ዝነበሩ እዮም፡ ኣቶም እሱራት ክሳብ እታ ንሞት ዝተፈረዱላ ዕለት ዘሰንዩ ዝነበሩ፡ ንበይኖም ኣይሓደጐምን፡ ጆቫኒ ቦስኮ ነዚ ብቐረባ ዝርእይን ዝስዕብን እዩ ዝነበረ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣባ ካፋሶ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ዶን ቦስኮ፡ ብዙሕ ሰዓት ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ክትንብርከኽ ዝሓትት ኵነት፡ ቅድሚ ናብ መቕተል ስፍራ ዘብሉን ንሓደጋ ፍርዶ ሞት ከይተመሓላለፉ እንከለዉ ምእላዮም።

ዶን ቦስኮ መጽሓፍ ትምህርተ ክርስቶስ ድዩ ስቑል ኢየሱስ ሒዙ እዚ ግበሩ በዚ ኪዱ ንኽብሎም ኣይኰነን ዝቐረቦም፡ ከምዚ እንተዝኸውን ነይሩ እቶም መንእሰያት፡ ጽባሕ የራኽብና ቢሎም መፋነውዎ ነይሮም፡ ንሱ ግና ናብኣቶም ከይዱ ምስኦም ኰይኑ ከምኦም ከይኑን እዩ ዝቐረቦም፡ ክጻወቱን ክሓብሩን ገበሮም፡ ምስኦም ተጓዓዘ፡ ክሰምዖም ፈተነ፡ ምስኦም ኵነታቶም ተኻፈለ፡ ምስኦም ዝዀንዎ ኰነ፡ በዚ ኣቢሉ ኸኣ ማረዀም ሰብኣውነቶም ጠመተ።

ካህናት ካብ ሰዓት ክንድዚ ክሳብ ሰዓት እዚ ዝብል ሰብ ዝቕበልሉ ሰዓት ዘለዎም ዝተቐጽሩ ሰራሕተይናታት ኣይኰኑን፡ ብሰብኣውነትን ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምጥማት እዩ ሰዓቶም ክኸውን ዘለዎ። ምስ እዚኣብሔር ሓቢሩ ስለ ህዝቢ ዝቃለስ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ሰብኣውነት ምጥማትን ነቲ መለኵታዊ ናይ ምዝንጋዕ ፈተና ከጋጥም ይኽእል፡ ወይ ከኣ ብዙሕ መለኮታዊ ባዶ ሰብኣውነት ምጥማት ክኸውን ይኸእል፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ሕይወት ዘጋጥም የጋጥም ዝብል ስግኣት ወሲድና እንተደኣ ዘይተንቀሳቐስና ኣብ ደውታ ኢና እንተርፍ፡ ፍቕሪ ምስ ዝህልው ሕይወትክ ምእንቲ ውላድካን ሓውኻን ዓርክኻን ምንባር እውን ክኡል ይኸውን፡ ሓደ ኣቦ ምእንቲ ውላዱ ስግኣት ኵሉ ንኽገጥም ስንድው እዩ፡ እቲ ግዳም ሓደር እዩ፡ ዘይእርኑብ እዩ ቢልካ ምፍራድ ኣየድሕንን፡ እግዚኣብሔር ዶን ቦስኮ ስለ ዝሃበና ነመስግን፡ ካብዚ ዅሉ ቅድመ ፍርዲ ናጻ ዝዀነ፡ ምሕረት እንታይ ምዃኑ ዝፈለጠ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዓቢይ ናይ ኣቦነትን ናይ መምህርን ልቢ ንምቕባል ስንድው ዝዀነ።

ሓደ ካህን ጽቡቕ ዝስምዖ መዓዝ እዩ፡ ብዓይኒ ሰብኣዊ ወይ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምጥማት ምስ ዝኽእል ድዩ? ሓደ ካህን ሓጐስ ኣብ ውሽጡ እንተድኣ ዘይረኸበ ደው ይበል የስተንትን ስለምንታይ እዩ ሓጐስ ዘይስምዓኒ ቢሉ ገዛእ ርእሱ ይሕተት፡ ናይ ዶን ቦስኮ ሓሴት ኣብ ዓለም ፍሉጥን ዝንገርን እዩ፡ ናይ ሓሴት መምህር ብዝብል መጸውዕ እውን እዩ ዝግለጽ፡ ነዚ ዘብቕዖ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ሓሴት ስለ ዘካፈሎን ካልኦት እውን ነዚ ሓሴት ንኽረኽቡ ስለ ዝገበረን እዩ፡ ነገራት ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ብሰብኣውን እግዚኣብሔርን ዓይኒ ስለ ዝጠመተን ዘገልገለን እዩ፡

ቢሎም ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ካህናት ከም ዶን ቦስኮ ሕጉሳት ክዀኑ
31 January 2019, 16:46