ስብከት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ እምነት ነቲ ዓለም ዝገማምዕ መንፈስ ይስዕር ስብከት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ እምነት ነቲ ዓለም ዝገማምዕ መንፈስ ይስዕር 

ስብከት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ እምነት ነቲ ዓለም ዝገማምዕ መንፈስ ይስዕር

ንኹሉ ምጽላይ፡ ጽብቕኻ ንዝደልይን ንዘይደልይን፡ ንዝጸልኣካን፡ ንጸላኢኻ እውን፡ ኢየሱስ ከምዝብሎ፥ ዘይጽልይ እተድኣ ኰይነ ኣየፍቅርን እየ

ንሓውኻ ዘይተፍቅር እንተድኣ ኰይንካ ንእግዚኣብሔር ከተፍቅር ዘይከኣል እዩ፡ ነዚ ዘዘኻኸሩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ዕለታዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ እምነት ምእንቲ ኵሉ ንኽትጽልይ ዘብቅዕ ሓይሊ የጸግው፡ ንዅሉ፡ ንዝጸልኣካን እውን፡ ስምዒታት ቅንእን ቅርሕንትን ሓሜታን ኣባና ከይቦቍል ይገብር፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 10 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ

         ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሓዋርያ ዮሓንስ ምዕ. 4, 19፡ ምዕ. 5, 4

         ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 4, 14-22

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ብጭብጢ ንእግዚኣብሔር ንምፍቃር ኣሕዋት ምፍቃር እዩ፡ ዝሰማምዑኻን ዘይሰማምዑኻን እውን ይዅኑ ስሌኦም ምጽላይ እዩ፡ ንጸላኢኻ እውን፡ እቲ ንሰብ ዘባድም ቅንዕን ቅርሕንትን ሕሜታን ስምዒታት ኣብ ውሽጥኻ ቦታ ዘይምሃብን። ከምዚ ዝበለ እውነተይና ምፍቃር ኣባና ክህሉ ዝገብር ከኣ እምነት እዩ፡ እቲ ዝገማምዕ ናይ ዓለም መፈስ ከነሰንፍ ዝገብር።

ናይ ዓለም መንፈስ፡ ሓሶት እዩ

ሓዋርያ ዮሓንስ ብዛዕባ ዓለማውነት ይዛረብ፡ እቶም ካብ እግዚኣብሔር ዝተወልዱ ንዓለም ይስዕሩዋ ይብል፡ ከምዚ ክብል እንከሎ እቲ ዕለት ብዕለት ዝንበር ቃልሲ፡ ቃልሲ ኣብ መንጐ ናይ ሓሶት መንፈስን እቲ ናይ ሓቂ መንፈስ እግዚኣብሔርን፡ እቲ ናይ ዓለም መንፈስ፥ ናብ ከንቱነት ብኩንነትን መሰረት ኣልቦ ናብ ዝዀነ ዘውድቕ ሓይሊ፡ ውላድ ናይቲ ናይ ሓሶት መንፍፈስ ዝገብር፡

ናይ ዓለም መንፈስ ወትሩ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን ዝገማምዕ እዩ

ሓዋርያ ዮሓንስ ፋንጣዝያ ዘይኰነስ ጭቡጥ እንታይነት ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ መገዲ ይሕብረና፡ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ እንተለካ፡ ሰናይ ተግባር ትፍጽም፡ ንዝርእዮ ሓዉ ዘየፍቅር ነቲ ዘይራኣይ እግዚኣብሔር ከፍቅር ኣይከኣሎን፡ ንእትርእዮ ናይ ምፍቓር ብቕዓት እንተድኣ ዘይብልካ፡ ንዘይትርእዮ ከመይ ገርካ ኢኻ እተፍቅር?

ንእግዚኣብሔር ኣብ ጭቡጥ ከተፍቅሮ እንተድኣ ዘይከኣልካ፡ ንእግዚኣብሔር ብሓቂ ኣይተፍቅሮን ኢኻ፡ መንፈስ ዓለም ገማማዒ መንፈስ እዩ፡ ኣብ ስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን ክሕወስ እንከሎ፡ ምግምማዕ የተኣታትው፡ ውግእን ጽእልን የስፍሕ፡  … ሓዋርያዊ ዮሓንስ ክነየው እውን ይኸይድ እሞ፡ እግዚኣብሔር የፍቅሮ እየ ዝብል ግና ንሓዉ ዘየፍቅር ሓሳዊ እዩ ይብለና፡ ብኻልእ መገዲ ውላድ ናይ ዓለም መንፈስ እዩ ዝብሎ፡ መምዘኒ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ እቲ ንእንርእዮ ሓውና ዘሎና ፍቕሪ እዩ …

ንኹሉ ምጽላይ፡ ጽብቕኻ ንዝደልይን ንዘይደልይን፡ ንዝጸልኣካን፡ ንጸላኢኻ እውን፡ ኢየሱስ ከምዝብሎ፥ ዘይጽልይ እተድኣ ኰይነ ኣየፍቅርን እየ ማለት እዩ፡

ምእንቲ ካልኦት እጽልይ ዶ? ንዝፈትወካን ዘይፈትወካን ኩሉ፡ ኣብ ውሽጠይ መንፈስ ቅንዕን ቅርሕንትን ሕሜታን ክስምዓኒ እንከሎ ዘየፍቅር ንምዃነይ ምልክታ እዩ፡ ኣባኻ እዞም ኣሉታውያን ስምዒታት ክይበቍሉ ምጥንቃቅ፡ ሓደገይናታት እያቶም፡ ንሓውኻ ብጭቡጥ ዘይተፍቅር እንተድኣ ኰይንካ ንእዚኣብሔር ኣይተፍቅሮን ኢኻ፡ ካልእ ኣማራጺ የሎን፡

ጸረ ናይ ዓለም መንፈስ ንምቅላስ እምነት የድሊ

ሓደ ሰብ ኣብ ሕይወቱ ሕሜታ እንተድኣ ኣወጊዱ፥ ንሓቂ እግዚኣብሔር ቀረባ እዩ እብል፡ ስለምንታይ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ንብጻዩን ነቲ ቀረባኡን ዘሎ ዝዕቅብ እዩ፡ ንብጻዩ ዝዕቅብ ኣብ ብጻዩ ንእግዚኣብሔር እዩ ዝዕቅብ፡

ናይ ዓለም መንፈስ እትስዕሮ ብእምነት እዩ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ብጻየይ ኣብ ሓወይን ሓብተይን ጐረቤተይን ከምዘሎ ምእማን እዩ፡ ንዓለም ዘስዕር እምነትና እዩ፡ ብዓቢይን ጥልቅን እምነት፡ ዓለም ዝሰዓር እምበኣር ከስ ብሰብኣውያን ሰናይ ፍካሬታት ኣይኰነን፡ ሰብኣዊ ሰናይ ፍካሬታት ይሕግዝ እዩ፡ ኣብዚ ቃልሲ’ዚ ግና ኣይጠቕምን፡ ንኸይንሓምይ ሓይሊ ዝህበና እምነት ጥራሕ እዩ፡ ምእንቲ ኵሉ ዝፈትወናን ዝጸልኣናን ክንጽልይ ኣብ ልዕሊ ቅንእን ቅርሕንትን ክንስዕር ሓይሊካብ እምነት እዩ፡ ጐይታ ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ብሓዋርያ ዮሓንስ ኣቢሉ ብጭቡጥ ንኸነፍቅር ይሓትተና ኣሎ፡ ሓዉ ዘየፍቅር እግዚኣብሔር ከምፍቅር ኣይኽእልን ይብለና ኣሎ፡ ሓወይ የፍቅር እየ ትብል ብሓቂ ማለት ብጭብጢ እንተድኣ ዘይተፍቅሮ ኰይንካ ንስኻ ሓሳዊ ኢኻ ይብለና ኣሎ

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ስብከት ዛዚሞም። 

ስብከት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ እምነት ነቲ ዓለም ዝገማምዕ መንፈስ ይስዕር
10 January 2019, 17:16