ቅዱስ ኣቦና ን 27 ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዖም

ናይ ወለዲ ሓላፍነት ንደቃቶም እምነት ምትሕልላፍ እዩ፡ እምነት ብቓልን ሕይወትን ንውላድ ኣብነት ምዃን ናይ ወለዲ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ

ሕጻናት ቅድሚ ትምህርተ ክርስቶስ እምነት ኣብ ቤቶም ካብ ወለዳቶም ብቃልን ሕይወትን እዩ ዝመሓላለፈሎም፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ዕለት 13 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ  ን 27 ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ወለዲ ኣብ ቅድሚ ደቃቶም ባእስን ቆይቃን ሓደራ ከወግዱ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ወለዲ ሓላፍነት ንደቃቶም እምነት ምትሕልላፍ እዩ፡ እምነት ብቓልን ሕይወትን ንውላድ ኣብነት ምዃን ናይ ወለዲ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ብዮውሓንስ ምጥማቕ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተብዕለሉ ዕለት፡ እቶም ደቃቶም ንኸጠምቑ ንዝተረኽቡ ናይቶም 27 ሕጻናት ወለዲ፡

ሎሚ ንደቃትኩም እምነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትሓትቱ ኣለዅም፡ ደቃትኵም መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ እዮም፡ ደሓር ግን እምነት እናዓበየ ዝኸይድ እዩ፡ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ዝጅምሩ እምነት ከጽንዑን እንታይ ማለት ክፈልጡን እዮም፡ እቲ ንስኻትኩም ከም ወለዲ ሎሚ እትርከብዎ ዓቢይ ሓላፍነት እምነት ምትሕልላፍ ዝብል እዩ፡ እዚ እዩ ኣብ ቤት ዝፍጸም፡ እምነት ብቋንቋን ሃዋሁን ስድራ ቤትን ንውልዳ ይመሓላለፍ።

ባእስን ቆይቃን ኣብ ቅድሚ ድቃትኩም ሓደራ ከተወግዱ

ኣብ ቅድሚ ደቃትኩም እቲ ኣብቲ ዝዓብይ ቆልዓ ጓህን ጭንቀትን ዘስዕብ ቆይቃን ባእስን ሓደራ ክተወግዱ፡ ወለዲ ንደቃቶም ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝፍጸም ክምህርዎም ይግባእ።

እምነት ቓልን ሕይወትን፡ ፍቕሪ ወለዳቶም ብምርኣይን ብምስትውዓልን ብዙሕ እዮም ዝመሃሩ፡ ስለዚህ ሓደራ ኣብ ቅድሚ ደቃትኩም ብጀካ ፍቕሪ ካልእይ ኣይሃልኹም፡ ባእስን ቆይቃን ኣወግዱ፡ ብርግጽ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር ክትዕን ክህሉ ባህርያዊ እዩ፡ ከምዚ እንተዘይኰውን እቲ ሓዳር እውን የጠራጥር፡ ይኹን ደኣ እምበር ክትዕኩም ኩሉ ኣብ ቅድሚ ደቃትኩም ኣይዅን፡ ሓደ ሕጻን ዝነብሮ ጭንቀትን ጓህን መንቀሊ እቲ ወለዱ ክቋየቑን ክበኣሱን ክካትዑን ካብ ዝነብሮ ተመክሮ እዩ፡ ምብኣስ ብሓቂ ክፍእ እዩ፡ ኰይኑ ግና ባህርያዊ እውን እዩ እሞ ኣብ ቅድሚ ደቃትኩም ኣይትፈጽምዎ።

ንጥዑይ ዕብየት ሕጻን ጡብ ኣደ ወሳኒ እዩ እሞ ሓደራ ኣዴታት ዕሸላት ደቃተን ክጠምዩ እንከለዉ ከጥቡባ፡ ሕጻን ጠምዩ ድዩ፡ ሃሩር ኰይንዎ ወይ ቆሪርዎ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ክበክይ ይኽእል ጡብ ኣደ ዓንጋልን ጥዕናን እዩ።

ጠምዮም ከብኽዩ እንከለዉ ቆሪርዎ እዩ ዝኸውን ብዝብል ኣይትሸፋፍንዎም፡ ጡብ ኣጥቡባኦም፡ ሕጂ እውን ክትዕንግለኦም ክኡል እዩ፡ ጐይታ ንሱ እዩ ዝደልይ፡ ንውላድካ ምጥቧብ ኣበይ እዩ እቲ ዕንቅፋት ወይ ዘሕንኽ፡ ሓደ ቆልዓ ክበኪ ዝሰምዕ ሕጻን ተተሓሒዙ እዩ ዝበክይ፡ ናይ ብኽያት መዝሙር! ክበኽዩ ኣይንሸበር፡ ምዕንጋሎም ጥራሕ፡ እምበኣር ከስ ወለዲ እምነት ምትሕልላፍ ናትኩም ጸዋዕታዊ ሓላፍነት እዩ

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ን 27 ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዖም
14 January 2019, 17:37