ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓፈሻዊ ኣስተምርሆ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ብዘይ ምቁራጽ ምጽላይ

ኢየሱስ ምእንታይ ዝጽልይ ምዃኑ ብሓቂ ምጽንናዕ ኣባይ የሕድር፡ ንነፍሲ ወከፍና ይጽልይ፡ ስለምንታይ እምነትና መታን ከይደክም፡ ኣብ ቅድሚ ኣብኡ ሕጂ እውን ስሌና ይጽልይ

ሎሚ ዕለት 9 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕልተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ኣብታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረና ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ኣብ ጸሎት ዘተኰረ ትምህርተ ክርስቶስ ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ቢሎም ብምቕጻል፡

ካብታ ጸሎት እተግበርላ ሰዓት ድሮ ኣብ ልዕሊ ጽምዋን ቀቢጸ ተስፋነትን ትዕወት፡ ኣብ ጸሎት ድሮ እታ ጸሎት ኣብ እተቕርበላ ሰዓት ዓወት ዝተረጋገጸ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጽኒዖም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እግዚኣብሔር ንጸሎትና ዝምልስ ምዃኑ ርግጸይና ምዃን! ብእግዚኣብሔር ከይተሰምዐ ዝተርፍ ሓድ’ኳ የልቦን፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ከኣ ኢየሱስ ብዘይ ምቁራጽ ጸልዩ ቢሉ ዝዕድመና፡ እቲ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 11 ካብ ፍቕዲ 9-13፥

ኣነ ኸኣ ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፡ ጽለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕዃሕ ንዜበለውን ይኽፈተሉ እዩ፡ ካባኻትኩም እንታዋይ ኣቦ እዩ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦ ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ ወይ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ ዕንቅርቢት ዚህቦ፡ እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ከሎዅም ንደቕዅም ሰናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!

ኣብ ዝብል ቃል ኢይሱስ ኣሞርኵይዞም፡ ሕተቱ ክወሃበኩም እዩ ዝብል ናይቲ ሎሚ ናይ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ቃል መርሓ ገይሮም፡ ጸሎት ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ጭቡጥ ኩነት ይቕይር፡ ወይ ልባትና ይልወጥ፡ ካብታ ጸሎት እተቐርበላ ሰዓት እቲኣ ኣብ ልዕሊ በይናውነትንን ቀቢጸ ተስፋነትን ዓወት ውሑስ እዩ፡ ብርግጽ ኣብ ድምዳሜ ሕይወት፡ እቲ ኣእዳዊ ዘርጊሑ ሓንጐፋይ ቢሉ ንኽቕበለና ዝጽበየና ኣቦ ኣሎ።

ኢየሱስ ምእንታይ ዝጽልይ ምዃኑ ብሓቂ ምጽንናዕ ኣባይ የሕድር፡ ንነፍሲ ወከፍና ይጽልይ፡ ስለምንታይ እምነትና መታን ከይደክም፡ ኣብ ቅድሚ ኣብኡ ሕጂ እውን ስሌና ይጽልይ፡ ቅድሚ ዅሉ ኢየሱስ ጸላይ እዩ፡ ጸላይ ምዃኑ ኸኣ ወንጌላውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ፍጻሜታቶም የረጋግጹልና፡ ካብ ደብረ ታቦር ክልወጥን ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ክጥመቕን ክሳብ ሞቱን ክሳብ መወዳእታ ጸላይ እዩ፡ መላእ ናይ ኢየሱስ ሕይወት ኣብ ሃዋሁ ጸሎት ዝጠሓለ እዩ፣ ጸሎት ነቶም ጐነጻውያን ስምዒታትናን ሕነ ምፍዳይ ንዝብል ድላይናን የስክን፡ ንሰብ ምስቲ ቀንዲ ጸላኢኡ ዝዀነት ሞት እውን የተዓርቕ።

ሓደ ካብቶም ደቀ መዝሙር ጸሎት ንኽምህሮም ምስ ሓተቶ እቲ ኢየሱስ ዝምህሮም ጸሎት፡ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት እዩ፡ ኵሉ ክርስቲያን በዛ ጸሎት እዚኣ ኣቢሉ ናብ እግዚኣብሔር ይቐርብ፡ ኣቦ እንክብል ይጸውዕ።

ኣቦ፥ ኣቦ እትብል ቃል ንኽትደግማ ኣዚያ ምቕርቲ ዝዀነት ቃል እያ፡ ኣቦ ዝብል ቃል ጥራሕ፡ ኣብዛ ቃል እዚኣ ንሰዓታት ምጽላይ ዝከኣል እዩ፡ ኣቦ፡ ኣቦ ከምዘሎና ክስምዓና እንከሎ፡ ዘይመላኽን ናይ ወሰን ኣቦ ዘይኰነን ብሓቂ ኣቦ እዩ፡

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቲ ዝጽልይ ኣማኒ ክህልዎ ዝግብኦ ባህርያት እንክሕብሩ፡ ዘይተጸበኻዮ ዓርኪ ማዕጾኻ ክኩሕኩሕን ዝጠመየ ውላድ ዘለዎ ኣቦን፡

ኵላትን ወለድን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን፡ ኣብዚ ዝተረኸብኩም፡ ደቕኹምን ደቂ ደቃትኩምን፡ ጠምየ ቢሉ ክሓትተኩም እንከሎ ብዘይ ምቁራጽ ደጋጊሙ ይሓተዅምን ኣብ ምወዳእታ እውን ዓው ቢሉ ጠምየ ይብለኩም እሞ፡ ኣክንዲ እቲ ዝሓተቶ መግቢ ተመን (ሉቃ. 9, 11) ኣይኰነን፡ እቲ ዝሓተተኩም መግቢ ኢኻትኩም ተቕርቡሉ፡ ንስለ ጽቡቑ፡ በዛ ቃል እዚኣ ኣቢሉ፡ እምበኣር ኢየሱስ እግዚኣብሔር ካብ ምስማዕና ዘይቋርጽ ምዃኑ ይምህረና፡ ከይተሰምዐን ከይተመለሰን ዝተርፍ ሓደ ጸሎት’ኳ የሎን፡ ስለ ምንታይ እንተበልና እግዚኣብሔር እቲ እንጽልዮ ኣቦ ስለ ዝዀነ እዩ፡ ንዝሳቐዩ ደቁ ዘይርስዕ።

እዚ ርግጸይናነት’ዚ ብዙሕ እዋን የቕለውልው እዩ፡ እቲ እነቕርቦ ጸሎት ከምቲ ዝሓሰብናዮ መልሲ እቲ እንደልዮ መልሲ ስለ ዘይረክብ የቕለውልው፡

ክንደይ ግዜ ሓቲትና ንኽውን እሞ መልሲ ዘይረኸብና ኰይኑ ከኣ ይስምዓና፡ ኩላትና ናይዚ ዓይነት ኵነት ሙኩራት ኢና፡ ኳሕኩሕና ዘይተኸፈተልናን፡ ኢየሱስ እምበኣር ብዘይ ምቁራጽ ጸልዩ እንክብሉ የተሓሳስበና፡ ናይ ተሰዓርነት መንፈስ ከይህልወና ይሓትተና፡ ጸሎት ክውንነት ይቕይር፡ ኵሉ ሳዕ፡ ይልውጥ፡ ኣብ ዙሪያ ዘሎ ጭቡጥ ኵነት ዘይተለወጠ እውን ኰይኑ እንተተሰመዓና፡ ልብና ይልወጥ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ ቃል ኣትይ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ መታን ክንቅበል ኢየሱስ ንከፍሲ ወከፍን መንፈስ ቅዱስ ጸልዩልና እዩ፡

እግዚኣብሔር ዝምልስ እዩ፡ እቲ ምቕልውላው ርግጸይናነት ናይ ግዜ ሕቶ እዩ፡ ዝምለስ ምዃኑ እምነት ጥራሕ ይሃልወና፡ ምናልባት ናይ መላእ ሕይወትና ግዜ እውን ክኸውን ይኽእልን ናይ ምሉእ ሕይወትና ግዜ ዝሓትት እውን ይኸውን፡ ነፍሲ ወከፍና እቲ ኣብ ምዃንና ብኑባሬ ዘሎ ድላይ ሓሴት ሓደ መዓልቲ ክፍጸም እዩ፡ እግዚኣብሔር ንምሩጻቱ ነቶም መዓልትን ለይትን ናብኡ ዝግዕሩ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ንኣኣቶም ዓወት ክትከውን እያ፡ ትንሳኤ!

ጸሎት ኵነት ዝቕይር እዩ፡ ከምዚ ከምዝኸውን ኣይንዘንግዕ፡ ወይ ኩነት ይቕየር ወይ ከኣ ልብና ይልወጥ፡ ምልዋጥ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ምጽላይ፡ ኣብታ እትጽለያ ሰዓት ዓወት ድሮ ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ በይናውነትን ኣብ ልዕሊ ቀቢጸ ተስፋን ትዕወት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዘንድድ ናይ ታሪኽ ሽርፍራፍን ኣብ ነፍሲ ወከፉ ሽርፍራፍ ተፈጥሮን ሰለምንታይ ንዝብል ሕቶ እውን መልሲ እተዘይረኸብናሉ ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ሽርፍራፍ ዘሎ ፈጣሪ ከም ምስትውዓል ማለት እዩ፡ ምስጓም ጥራሕ፡ ኣብ መወዳእታ ነፈሲ ወከፍ መገዲ ጸሎት ኣሎ፡ ኣብ እንጽልየላ ሰዓትን ኣብ ፍጻሜ ሕይወትን፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝጽበየና ኣቦና ኣሎና፡ ነዚ ኣቦ’ዚ ንጠምትን ነማዕዱውን፡ የቐንየለ!

ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፡

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓፈሻዊ ኣስተምርሆ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ብዘይ ምቁራጽ ምጽላይ
09 January 2019, 16:29