ንምጽላይ ጠውቕ ዝብል ሓድሽ ናይ ር.ሊ.ጳ. መርሓ ምልክታ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ መርበባዊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ር.ሊ.ጳ. ዝብል ገጽ ከፊቶም ነቲ ጠውቕ ንምጽላይ ዝብል መረሓ ምልክታ ተንኪፎም መንእሰያት ኵሎም ብሓባር ብፍላይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ክጽልዩ ብቐዳምነት ብምስታፍ የተባብዑ

ብሓደ ጠውቂ ኣብ መርበባዊ ጥራዝ(Ipad) ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓድሽ ንምጽላይ ጠውቕ ዝብል ብምኽንያት እቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ናቶም ተክለ ሰብነት (profile) ዝቖመ መርሓ ምልክታ ኣበጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን  

ንመንእሰያትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንዝጥቀምን ክጽሊ ንዝደልን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምንቕቓሕ ጸሎት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ ጠውቕ ንምጽላይ ዝብል ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ተክለ ሰብነት መርሓ ምልክታ ከምእተደርሰ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻ ዳብሊው ዳብሊው ነጥቢ ክሊክ ቱ ፕረይ ነጥቢ ኦርግ www.clicktopray.org ብዝብል ኣርእስቲ ብቋንቋታት ስፓንሽን ኢንግሊዝን ጣልያንን ፈረንሳን ፖርቱጋልን ጀርመንን ገጻት ዘለዎን ንምጽላይ ጠውቅ ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሓድሽ ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእስሰያት ፓናማ ዘማዕድው መርሓ ምልክ ከምእተሰርሔን እዚ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ናይ ቅዱስነቶም ዝተፈላለዩ ናይ ጸሎት ሓሳብን ከምኡ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብን ንኽኸውን ዘቕርብዎ ጸሎት እውን ዘጠቓልል ከምዝኸውን ተገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሃንን፥ ብሓባር ንምጽላይ ዝድግፍ ሃብቲ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት፡ ብምኽንያት መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ንንባብ ከምዝበቕዕ ኣዘካኺሮም፡ እቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፡ መረብታዊ ማሕበረሰብን ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ኣብ ዝብሉ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስታት ዘስተንትን ከምዝዀነን፡ እዚ ከኣ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ሰብኣዊ ፍጥረት ንሓድ ሕዱ ክራኸብን ዕሴታትን ውጥናትን ንኻክፈልን ክለዋወጥን እቲ ማሕበረሰብ ንምዃን ዘሎ ድላይ ንምግላጽን ምድጋፍን ዝብሉ ናይ እዋንና ዓበይቲ ሕቶታት ምዃኖም ዘመላኽት ምዃኑ ይሕብሩ። መርበብ ሓበሬታ ብሓባር ንኽንጽልይ እውን ዝሕግዘና እዩ።

ጠውቕ ንምጽላይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ መርበባዊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ር.ሊ.ጳ. ዝብል ገጽ ከፊቶም ነቲ ጠውቕ ንምጽላይ ዝብል መረሓ ምልክታ ተንኪፎም መንእሰያት ኵሎም ብሓባር ብፍላይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ክጽልዩ ብቐዳምነት ብምስታፍ ከተባብዑ እንከለዉ፥

ኵሉ ብፍላይ ንኣኻትኵም መንእሰያት እቲ ጠውቅ ንምጽላይ ዝብል መርሓ ምልክታ ብምጥዋቕ ብሓባር ምሳይ ኰይንኩም ምእንቲ ሰላምን ከምኡ እውን ምእንቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዘቕርቦ ጸሎት መቑጸርያ ክትሓብሩ እዕድም፡

ኢሎም።

መርበባዊ ገጽን መርሓ ምልክታን

ኣብቲ መርበባዊ ሓበሬታ ሰለስተ ክፍልታት ከምዘሎን፡ እቲ ቀዳማይ ምስ ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ጸልይ፡ ዝብል ናይ ቅዱስነቶም ነናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብልን እቲ ካልኣይ ከኣ፥ ዕለታዊ ጸሎት ዝብል መዓልታዊ ሕይወት ምጽላይ ዝብል፡ ንጐሆን ድሕሪ ቐትርን ቅድም ድቃስን ንጸልይ ዝብልን እቲ ሳልሳይ ከኣ ብመርበብ ምጽላይ ዝብል ተጠቀምቲ መርበባት ጸሎት ክለዋወጡትን ንሓድ ሕዶም ክጸላለዩን ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብዚ ገጽ’ዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ግለ ተክለ ሰብነት እውን ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ መርሓ ምልክታ https://www.clicktopray.org/it/user/papafrancesco ዝብል ኣድራሻ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ እንጥቀመሉ ናይ ኢድ ተለፎን ከነውርዶ ዝከኣል እዩ።

ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ  ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ር.ሊ.ጳ.

ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ሸቶ ምስ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ምጽላይ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መረብታዊ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ጳጳስ ኣብ 1844 ዓ.ም. መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ብዝተፈላለየ መገዲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ምስ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ምእመን ክጽልይ ዘተሓባብር ኰይኑ ቆይሙ ሎሚ መርበብ ሓበሬታ ንምጥቃም ዝበቕዔን ኣብ 98 ሃገራት ህልው ዝዀነን 35 ሚሊዮን ካቶሊካውን ነጢፎም ዝሳተፍሉን ኣብኡ ዝሕቆፍ ሓድሽ መንእሰያት ቅዱስ ቁርባን እተሰምየ ምንቅስቓስ እውን ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ንምጽላይ ጠውቅ ዝብል ሓድሽ ናይ ር.ሊ.ጳ. መርሓ ምልክታ
21 January 2019, 17:25