ድለ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ኸካይዱ ኣዮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ኸካይዱ ኣዮም 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ

ቅዱስነቶም ናይ ሃገረ ሮማኒያ ርእሰ ብሔርን ናይ መንግስትን ኣብ ሮማኒያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ንዝገበሩሎም ዕድመ ተቐቢሎም

ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ሮማኒያ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ዕለት 11 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሎሚ ዕለት 11 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለዳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ሮማኒያ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ብወግዒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥

ቅዱስነቶም ናይ ሃገረ ሮማኒያ ርእሰ ብሔርን ናይ መንግስትን ኣብ ሮማኒያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ንዝገበሩሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብታ ሃገር ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱን ኣብ ከተማ ቡካሬስትን ከተማ ያሲን ብላይን ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘ ሱሙለዉ ቺዩክ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ብሓባር ንጓዓዝ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ዝክረ ነገራቱ ኩሉ ኣብ እዋኑ ክግለጽ ምዃኑ ጂሶቲ ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ኸካይዱ ኣዮም
11 January 2019, 16:46