ድለ

ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ቃል ኪዳን ምስጢረ ጥምቀት ብጭቡጥ ስኒት ምንባር

እዩ፡ እዚ ምርኻብ ሕዝቢ ኣብ ጥምቀት ጐይታ ናይ ድሕሪት ምስሊ ዘይኰነስ ኣገዳስነት ዘለዎ ምራኻብ እዩ፡ ኢየሱስ ቅድሚ ምጥማቑ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ይርከብ፡ ኣብቲ ሰብኣዊ ኩነት ይኣትውን ብጀካ ሓጢኣት ኩሉ ይካፈል

ዕለት 13 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓተ እምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክብረ በዓል ጥምቀት ዘእግዚእነ ከምዘብዓለት ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም፡ ማሕበረ ክርስቲያንን ንፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ዝተቐበሎ ምስጢረ ጥምቀት ዕለት ብዕለት ብጭቡጥ ስኑይ ተግባር ክምስክሮ ሓደራ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ነፍሲ ወከፍና ተልእዀ ኣብ ኢየሱስ ምንባር ዝብል እምነት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክብረ በዓል ጥምቀት ዘእግዚኣነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ኢየሱስ ምስ ሕዝብን ኢየሱስ ምስ ኣቦን ዘለዎ ርክብ ኣብ ዝብሉ ርቛሒታት ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 15-16, ካብ ፍቕዲ 21- 22 ኣሞርኵይዞም፡ ዮሓንስ መጥምቕ ንኢየሱስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ እንከጠምቖ ሕዝቢ እውን ከምእተረኸበ እዩ፡ እዚ ምርኻብ ሕዝቢ ኣብ ጥምቀት ጐይታ ናይ ድሕሪት ምስሊ ዘይኰነስ ኣገዳስነት ዘለዎ ምራኻብ እዩ፡ ኢየሱስ ቅድሚ ምጥማቑ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ይርከብ፡ ኣብቲ ሰብኣዊ ኩነት ይኣትውን ብጀካ ሓጢኣት ኩሉ ይካፈል።

እምነት ብጸሎትን ብፍቕርን ብዅስኳስ

ኢየሱስ ኣብ መንጐ ህዝቢ ምርኻቡ፡ ትርጉምን ዋቒዕን ተልእዀኡ ይገልጽ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወቶም ክስዕቡ ኣብ ዝሓርዩ ሓድሽ ዓለም ሓድሽ ፍጥረትን የበግስ፡

ንነፍሲ ወከፍና ኣብቶም ኣብ ኢየሱስ ብጥምቀት ዝተወለድና እቲ ብኣኻ ዝተሓጐስኵ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ ዝብል ድምጺ ኣቦ ኣውን ይወርድ፡ እቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተቐብልናዮ ፍቕሪ ኣቦ ኣብ ልብና ዝተወለዔ ናይ ብርሃን ፈትሊ እያ፡ ስለዚህ ከይትጠፍእ ብጸሎትን ብፍቕሪ (ናይ ፍቕሪ ስራሕ) ወትሩ ከነብርሃ ኣሎና።

ሓቀይናን ስሙራት መሰኻኽር

ኢየሱስ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ኣትዩን ናይቲ ሕዝቢ ኣካል ምዃኑን፡ ኣብ ጸሎት እውን ጽሙድ እዩ ዝነበረ፡ ሱታፌ ምስ ኣቦ፡ ተጠሚቑ እቲ ፍቕሪ ኣቦ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ምግላጽ ዝብል ተልእዀኡ ብወግዒ የበግስ፡ ኣንሕና እውን ኣብዚ ኣብ እግዚኣብሔር እትዋት ብምዃን ስሙራትን ሓቀይና መሰኻኽር ንኽንክውን ቅዱስነቶም ክምዕዱ እንከለዉ፡

ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ነፍሲ ወከፍና ተልእዀ፡ እሙናትን ፍርያምን ንኽንከውን መታን ኣብ ኢየሱስ ንኽንኣትው እዩ፡ ብጸሎት ኣስፍሆተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዕለት ብዕለት ብውላድ እዩ፡ እዚ ኸኣ ግልጽን ንጹርን ዝዀነ ብመደባትና ዘይኰነ ብመደብን ኣገጋብን እግዚኣብሔር ክርስትና ምምስካር ዝብል እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣብቂዖም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር ምስ መላእ መፍነሳውያን ነጋዶ መሪሖም ኣዒርጐ።

ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ቃል ኪዳን ምስጢረ ጥምቀት ብጭቡጥ ስኒት ምንባር
14 January 2019, 17:06