ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ድጋፍ ንስደተይናታት ናብ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ

ንስደተይናታትድጋፍን ምትሕብባርን ክቐርብን እንገዳ እውን ክግበር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቕዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብርሃንን ምድሓን እግዚኣብሔር ኣብ ዝተገልጸሉ ዕለት፡

ምእንቲ ስደተይናታት ዘቕረብዎ ጻውዒትን መልእኽቲ ርሑስ በዓለ ልደት ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ነቶም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ብኽልተ በታ ሓለዋ ባሕርን ዓይኒ ባሕሪ ብእተሰምያ ክልተ ናይ ዘይመግስታውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ኣብ መዲትራኒያ ባሕሪ ኣገልግሎት ምድሓን ሕይወት ብዘካይዳ መራኽብ ዝደሓኑ 49 ስደተይናታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እንገዳ ክረኽቡ ንሃገራት ኤውሮጳ መራሕቲ፥

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነንመዓልታት በቶም ብኽልተ ዘይመግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ካብ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓኑ ዝኣትውሉ ናይ ባሕሪ በሪ ንዘናድዩ ንዘለዉ 49 ስደተይናታት እንገዳ ክረኽቡ ብጽኑዕ ድምጺ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ጭቡጥ ምትሕብባ ከርእዩ እላበው፡

እንክብሉ ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ፡ ኣስዒቦም ነተን ዕለት 6 በዓለ ልደት ዘእግዚነ ዘብዕላ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጠቒሶም ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ልባዊ ትመንዮም፡

ልኡካነ ወንጌል መንሰያት፡ ስፖርተይናታት ናይ ኢየሱስ

ዕለት 6 ጥሪ መዓልቲ መንእሰያት ልኡካነ ወንጌል ምዃኑ ጠቒሶም፡ ነቶም መንእሰያት ልኡካነ ወንጌል ናይ ጐይታ ስፖርተይናታት ኩኑ ቢሎም፡ ነቶም ዕሴታት በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ዘነቓቕሑ ሙዚቀይናታን ንዅሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡን  ሰላምታኦም ኣቕሪቦም

07 January 2019, 17:40