ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና

ሎሚ ከም ቀደም ቃል ማርያም፡ ‘ዝብለኵሉ ኵሉ ግበሩ’ እዚ እቲ ዓቢይ ኣዴና ቅድስተ ማርያን ዝሃበትና ውርሻ እዩ

ዕለት 20 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ መንፈሳያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1-11 ኣሞርኵይዞም፥ መላእ ቤተ ክርስቲያን ከም ማርያም ቃል ጐይታ ክትሰምዕን ኣብ ግብሪ ከተውዕልን ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ወትሩ ናይ ኢየሱስ ምልክታ ዘህውይ ህላዌኡ ብምስትውዓል ገዛእ ርእስና ንኣኡ ክፉታት ንግበር፡ እዚ ምዕዳን’ዚ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ስለገስዎ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም እግዚኣብሔር ኣቦ ንኢየሱስ ኣብ ዓለም ዝሃቦ ተልእዀ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቱ ክነብሮ ዝተጸውዐ እዩ፡

እግዚኣብሔር ምስ ሰብኣዊ ፍጥረት ቃል ኪዳን ኣተወ

ቅዱስነቶም እቲ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1-11 ብዛዕባ መርዓ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዘዘንትው ታሪኽ ኣማእኪሎም፡ ኣብቲ መርዓ ናይ ኢየሱስ ተልእኾ ብጋሴ ነስተዕል፡ ማለት ቀዳማይ ዝፍጽሞ ተኣምር ነስተውዕል፡ ብኻልኦት ክድነቕ ቢሉ ዘይኰነስ ናይ ኣቡኡ ፍቕሪ ንኽገልጽ ዝፍጽሞ ተኣምር እዩ።

ናይ ኢየሱስ ማሕበራዊ ሕይወት ብቐጥታ ኣብ ኵነት ታሪኽ ሓደ መርዓ ክብገስ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ኣቡኡ ምስ ሰብኣዊ ፍጥረት ቃል ኪዳን ይኣስር፡ መርዓ ይፍጽም፡ እቶም ዝዓደምዎ ኣብቲ ዳስ እቲ ሓቀይና መርዓዊ ዝዀነ ወልደ እግዚኣብሔር ምስኦም ሓቢሩ ከምዘሎ ዘስተወዓሉ እውን ኣይዅኑ፡ እግዚኣብሔር ምስ ሰብኣዊ ፍጥረት ቃል ኪዳን ዝኣሰረሉ መርዓ እዩ ዝነበረ። ምልክታ ቃና ዘገሊላ ህላዌ እቲ መለኰታዊ መርዓዊ ከምቲ ነቢያት ኣቐዲሞም ዝነገርዎ፡ ኢየሱስ መርዓዊ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃኑ ይግለጽ፡ ነቲ ሓድሽ ቃል ኪዳን ፍቕሪ ብጥልቂ ይገልጽ።

ወንጌል ሓሴት ዘብጽሕ እዩ

ቅዱስነቶም ንዅነት ሓድሽ ቃል ኪዳን ብምስትውዓል፡ ናይቲ ወይኒ ምሉእ ትርጉም እንታይ ምዃኑ ይግልጹ፡ እቲ መርዓ ኣብቲ ቀንዲን ጥልቂቅን በዓል ምስ ኣተወ ወይኒ ይውዳእ፡ ሰብ መርዓን ወለዲ መርዓን መራዑትን ዘሕፍር ኵነት ይፍጠር፡ ነቲ ናይ መርዓ በዓል ብማይ ንምክያዱ ሕፍረት የስዕበሎም፡ ማይ ንሕይወት ኣገዳሲ እዩ፡ ፍድፋድ ወይኒ ከኣ ናይቲ በዓል ሓሴት መግለጺ እዩ፡

እቲ ኣብቲ ኣጋንእ ኣብ ኣይሁኣዊ ስነ ስርዓት ንምንጻሕ ዝጥቀምሉ፡ ቅድሚ ናብ ቤቶም ምእታዎም ንምንጻሕ ዝጥቀምሉ ማይ ዘንብርሉ እዩ፡ ኢየሱስ ነቲ ናይ ሙሴ ሕጊ ይልውጦ፡ ናብ ፍጻሜ የሰጋግሮ፡ ናይ ወንጌል ሓሴት የቕርብ።

ናይ ሕይወት መርሓ ግብሪ

ሎሚ ከም ቀደም ቃል ማርያም፡ ‘ዝብለኵም ኵሉ ግበሩ’ እዚ እቲ ዓቢይ ኣዴና ቅድስተ ማርያን ዝሃበትና ውርሻ እዩ፡

ኣብቲ መርዓ ቃና ዘገሊላ ሓድሽ ቃል ኪዳን ይፍጸም፡ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ኣገልገልትን (ማላእ ቤተ ክርስቲያን)፡ ንቤተ ክርስቲያን ዝሃባ ተልእኾ፡ ዝብለኵሉ ኵሉ ግበሩ፡ ዝብል ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ እዩ፡ እዚ ተልእዀ’ዚ ከኣ፥ ቃሉ ምስማዕን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዝብል እዩ፡ ኣደ ኢየሱስ እትህበና ዘይተሓላለኸ ኣገዳሲ ናይ ሕይወት ክርስትና መርሓ ግብሪ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ትሕብር፡ እዚ ሓላፍነት’ዚ ተረክበና።

ንማርያም ምውካፍ

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ማርያም ተመክሮ ክንውከስ ከምዝግብኣና እንክሕብሩ፥

ኣብ ጽንኵር ኩነትን ከመይ ክንፈትሖም ከምዘሎና ዘጸግሙ ሽግራት ከጋጥሙና እንከለዉ፡ ጭንቀትን ሻቕሎትን ክስምዓና እንከሎ፡ ሓሴት ካባና ክጐድል እንከሎ፡ ናብ ማርያም ኬድና፡ ‘ወይኒ የብልናን፡ ትርእዪ ዶ ኣለኺ ከመይ ከምዝለና ቢልና ኵነትና ንግለጸላ፡ ንሳ ከኣ እቲ ናቲ ዅሉ ጸገም መሰረታዊ መፍትሕ መንን እንታይ ከመይን ከምዝዀነ፡ ‘ንሱ ዝብለኵም ኵሉ ግበሩ’ ክትብል ክትነግረና እያ።

ተመክሮ ጸጋ እግዚኣብሔር ምግባር

ንነፍሲ ወከፍና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከጠቓልሉ እንከለዉ፡ ካብቲ ኣጋንእ ወይ ዕትሮ ምቕዳሕ ማለት ተመክሮ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና መታን ክህልወና ክሳብ ኣቲ ጽቡቕ ወይኒ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ኣጽኒሕካዮ ቢልና ኣድናቖትና ክሳብ ንምጭራሕ” ዝድርኸና ኣብ ቃሉን ቅዱሳት ምስጢራትን ገዛእ ርእስኻ ምውካፍ ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና
21 January 2019, 10:57